ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ደመቀ መኮነን፡ ኣብ ሰልፊ ብልጽግና ዝነበሮ መዝነት ምልቓቑ፡ ብሉምበርግ ጸብጽቡ። ብሉምበርግ ብጽሑፍ ካብ ሓደ በዓል ስልጣን መንግስቲ ረኺበ ብዝበሎ ሓበሬታ መሰረት፡ ኣቶ ደመቀ መኮነን ብዓርቢ 26 ጥሪ 2024 ንመዝነት ከምዝለቐቖን፡ ብዋና ዳይረክተር ኣገልግሎት ሃገራዊ ስለያን ጸጥታን ኣቶ ተመስገን ጥሩነህ ክትካእ ምዃኑን ዝገልጽ።
ብተወሳኺ፡ ጋዜጣ ኣዲስ ስታንዳርድ ደመቀ ካብ ስልጣን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያን ሚኒስትር ጉዳያት ወጻእን ስልጣኑ እውን ከምዝለቐቐ ኣፍሊጡ። ኣቶ ደመቀ መኮነን፡ ኣብ 2012 መዝነት ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ድሕሪ ምሓዝ፡ ካብ 2020 ኣብ እዋን ውግእ ሓድሕድ ሰሜን ኢትዮጵያ ከም ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኮይኑ ክሰርሕ ጸኒሑ።