back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ኤርትራ ንነፋሪት መንግስቲ ጀርመን ናይ በረራ ፍቓድ ነጺጋ

ብክሊ ኣየር ኤርትራ ክትሓልፍ ዝፈተነት ነፋሪት መንግስቲ ጀርመን፡ ግቡእ መንግስቲ ኤርትራ ግቡእ ፍቃድ ናይ በረራ ብዘይምርካባ፡ ብክሊ ኣየር ኤርትራ ከይትሓልፍ ከምዝተኸልከለት ማዕከናት ዜና ጸብጽበን።

እታ ናብ ጅቡቲ እትኸይድ ዝነበረት Airbus A321LR ንምንስተር ጉዳያት ወጻኢ ጀርመን ዝጸዓነት ነፋሪት፡ ሓይሊ ኣየር ጀርመን ካብ ኤርትራ ክርኸቦ ዝግባእ ብክሊ ኣየር ኤርትራ ናይ ምሕላፍ ፍቃድ ክረክብ ብዘይምኽኣሉ፡ ኣብ ሰማያት ቀይሕ ባሕሪ ንልዕሊ ሰዓት ክትዝንቢ ከምዝተገደደት ምንጭታት ኣፍሊጦም። እታ ነፋሪት ድሕሪ እቲ ዘጋጣመ ምንጻግ ናይ ምሕላፍ ፍቃድ ናይ መዕረፎ ነፋሪት ጂዳ ክትዓልብ ከምዝተገደደት ውን ይሕበር።

ብተወሳኺ፡  ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ብዘጋጠመ ምቁራጽ ሓይሊ ኤሌክትሪክ፡ ፍቃድ ናይ በረራ ኣብ ምትዕንቃፍ ገደ ነይርዎ እሎም ከምዝመኻነዩ ውን እቶም ጸብጻባት ይጠቕሱ።

ብሰንኪ’ቲ ብዕጡቃት ሑቲ ዝግበር ዘሎ መጥቓዕቲታት፡ እታ ነፋሪት ብቕልጡፍ መንገዲ ክትቅይር ዝከኣል ዘይምንባሩ ‘ውን እቶም ጸብጻባት ይሕብሩ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
912ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles