ጀርመን፡ ሩስያ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ዩክሬን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብምስፋሕ፡ ንመሓዙት ሃገራት ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ከተጥቅዕ ትዳሎ ከምዘላ ዘቃልዕ ምስጥራዊ ሰነድ ኣብ ቢልድ ዝተባህለት ጋዜጣ ብምዝርግሑ ንኲናት ተዳሎ ምሃልዋ ተሓቢሩ።
እታ ጋዜጣ፡ ነቲ ምስጢራዊ ወተሃደራዊ ሓበሬታ ካብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ጀርመን ከም ዝረከበት ብምሕባር፥ እቲ ምስጥራዊ ሰነድ፡ ዕጡቓት ሓይልታት እታ ሃገር ኣብ ምብራቕ ኤውሮጳ ብሩሲያ ክውልዕ ይኽእል ኢዩ ዝተባህለ መጥቃዕቲ ይሸባሸቡ ምህላዎም ገሊጻ። እታ ጋዜጣ፡ ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ ብዙሓት ከስግኡ ዝኽእሉ ተርእዮታት ብኸመይ ክረኣዩ ከም ዝኽእሉ ብዝርዝር ኣቕሪባ ኣላ። እቲ ናይ ኲናት ተርእዮ፡ ሩስያ ኣብ ዝመጽእ ለካቲት 2024 ተወሰኽቲ 200 ሽሕ ሓደስቲ ወተሃደራት ናብ ግንባራት ድሕሪ ምኽታታ ክጅምር ምዃኑ ድማ፡ እታ ጋዜጣ ወሲኻ ገሊጻ።
ብምዕራባውያን ንዩክሬን ክግበር ዝጸነሐ ፋይናንሳዊ ደገፍ ብምንካዩ ዝተደፋፍአት ሩስያ፡ ኣብ ዝምጽእ ጽድያ፡ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ሰፊሕ መጥቃዕቲ ክትገብር እያ ዝብል ስግኣት ከምዘሎ እዩ ዝሕበር። በዚ መሰረት፡ እቲ ክህሉ ዝኽእል ተርእዮ፡ ሩስያ ኣብ ኢስቶንያ፡ ላቲቭያን ሊትዋንያን ኣብ ዝርከቡ ተወለድቲ ሩስያውያን ብምቅሕሓር፡ “ከቢድ ሳይበር መጥቃዕቲ” ተጠቒማ ክሳብ ወርሒ ሓምለ ኣብ ባልቲክ ኲናት ክትጅምር ከምእትኽእል እዩ ዝግለጽ።
ክሳብ መስከረም፡ ሩስያ ነቶም ግጭታት ከም መመኽነይታ ተጠቒማ “ዛፓድ 2024” ዝተባህለ ሰፊሕ ወተሃደራዊ “ልምምድ” ክተካይድ ከምእትኽእልን፡ እዚ ድማ ኣስታት 50,000 ወተሃደራት ሩስያ ኣብ ምዕራብ እታ ሃገርን ቤላሩስን ክእከቡ ከም ዝኽእሉ እዮም እቲ ምስጢራዊ ሰነዳት ይሕብር።
ብመሰረት እቲ ምስጥራዉ ሰነድ፡ 30 ሽሕ ሰራዊት ጀርመን ንምክልኻል ክወፍሩ ከምዝኾኑ ብምሕባር 70 ሽሕ ዝግመቱ ሰራዊት ሩስያ ድማ ኣብ ኣብ በላሩስ ክተኣኻኸቡ ከምዝኾኑ ይሕብር።
ይኹን’ምበር፡ እቲ ኲናት ኣብ መወዳእታ ብዓወት መን ከምዝዛዘም ኣብቲ ሰነድ ኣይተነጸረን ዘሎ። ሩስያ፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ እናኣስፋሕፍሐ ናብ ዶባታ ተጸጊዑ ዘሎኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ በርቃዊ መጥቃዕቲ ክትከፍት ውጥን ከምዘለዋ ብምጥቃስ፡ ብዝተፈላለዩ ወገናት ምዕራብ ስግኣታት ክለዓል ጸኒሑ እዩ። እንተዀነ፡ ፕረዚደንት ሩስያ፡ ሃገሩ ኣንጻር ኔቶ ኲናት ብምውላዕ
እትረኽቦ ጂኦ-ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ ይኹን ወተሃደራዊ ረብሓታት ከምዘየለ ኣቐዲሙ ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።