ኣብ ሊብያ ርእሰ ከተማ ትሪፑሊ፡ ብፍሉይ “ገርጋሪሽ” ኣብ ዝበሃል ቦታ ዝርከብ ግዝያዊ መዕቆቢ ገዛ ሱርባና ኣብ ልዕሊ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ስደተኛታት መጥቓዕቲ ከም ዘጋጠመ መስራትን ዳይርክተርን ትካል “ሰብኣዊ ትካል ሱርባና” ኣቶ ጆርጆ ገብረስላሴ ንሰቲት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣፍሊጡ። ብመሰረት ኣቶ ጆርጅ ንሰቲት ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ብሰሉስ 10 ሕዳር 2020 ከባቢ ሰዓት 4 ወጋሕታ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ሓደ ወዲ 15 ዓመት ኤርትራዊ ከም ዝሞተን ሓደ ትሕተ ዕደመ ድማ ኣብ ርእሱ ተሃሪሙ ከም ዘሎን ሓቢሩ።
እዚ ግዝያዊ መዕቆቢ ገዛ ሱርባና፡ ብሰብኣዊ ትካል ሱርባና ዝእለን፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ንግዝያውነት ክሳብ ናብ ካልእ ሃገር ዝሰጋገሩ፡ ከም መንበሪ፡ ሕክምና፡ ቤተ እምነትን ዝጥቐሙሉ ከም ዝኾነ’ውን ተፈሊጡ።
ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሊብያ መዓስከር ስደተኛታት ክሳብ ሕጂ ክኸፍት ከምዘይክኣለ ዳይርክተር ሰብኣዊ ትካል ሱርባና ወሲኹ ንሰቲት ሓቢሩ።
ሰቲት ነዚ ኣብ ሊብያ ኣጋጢሙ ዘሎን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ሞንጎ ፈደራላዊ መንግስትን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ኣጋጢሙ ብዘሎ ወተሃደራዊ ረጽሚ፡ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣንጸላልይዎም ዘለዉ ኤርትራውያን ብዝምልከት ሰሉስ ሰዓት 11፡00 ቅድሚ ቀትሪ ብኣቖጻጽራ ኒውዮርክ ሓጺር ቃለ መሕትት ብቀጥታ ከተካይድ ኢያ።