“ህዝባዊ ቃልሲ ንውሑስ መጻኢ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፥ ቀዳማይ ዓመታዊ ዋዕላ ጽላል ይኣክል ካናዳ፡ ሎሚ 08 ሕዳር ንካልኣይ መዓልቲ ቀጺሉ ድሕሪ ምውዓል፡ ዓሰርተ ሽዱሽተ ዝኣባላታ ኣወሃሃዲት ኣካል ጽላል ይኣክል ካናዳ ብምምራጽ ተዛዚሙ።
ኣብ ናይ ሎሚ ዋዕል’ኡ፡ ብመሰረት ትማሊ ዝጸደቀ ቅዋም ጽላል ይኣክል ካናዳ፡ ብ “እሌክሽን ራነር ሶፍትዌር (Election Runner software)” ተሓጊዙ ብማንዛዊ (virtual) ኣገባብ መሰርሕ ምርጫ ኣባላት ኣወሃሃዲት ኣካል ኣካይዱ።
ብተወሳኺ ካብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ካናዳ ብወከልተን ዝተላእከ፡ መልእኽቲ ንህዝባዊ ምንቅስቃስ ይኣክልን፡ ጽላል ይኣክል ካናዳን፡ ኣብቲ ዋዕላ ዝተረኽቡ ናይ ክብሪ ዕዱማትን መደረኦም ብምስማዕን፡ ብቛንቋታት ዓረብ፥ ዓፋር፥ ኩናማን ካልኦት ቋንቋታትን፡ መልእኽትታትን ናይ ግጥምን ደርፍታትን መደባት እውን ዘካተተ ከምዝነበረ ኣብቲ ዋዕላ ዝተሳተፈ ወኪል ሰቲት ኣፍሊጡ። ኣብ መወዳእታ ቀዳማይ ዓመታዊ ዋዕላ ጽላል ይኣክል ካናዳ፡ ደምዳሚ ኣዋጅ ብምውጻእ ናይ ክልተ ማዓልቲ ዋዕል’ኡ ዛዚሙ።
ከም ዝዝከር ቀዳማይ ዓመታዊ ዋዕላ ባይቶ ይኣክል ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም “ውሁድ ስራሕ ንውሑስ መጻኢ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ቀዳማይ ዓመታዊ ዋዕልኡ ብማንዛዊ( Virtual) ኣገባብ ከምዘካየደ ይፍለጥ።