back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ሰለስተ  ጀነራላት ናብ ሰራዊት ክምለሱ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣዚዙ

ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ካብ ሰራዊት ምክልኻል ናይታ ሃገር ተቀኒሶም ዝጸንሑ ሰለስተ ጀነራላት ናብ ሰራዊት ክምለሱ ብ ሮቡዕ 4 ሕዳር ከም ዝኣዘዘ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣፍሊጠን ። እቶም ናብ ሰራዊት ክምለሱ ዝተባሃሉ ጀነራላት፡ ሌ/ጀ ባጫ ደበለ ሌ/ ጀ የውሃንስ ገ/መስቀል ሌ/ጀ ኣበባው ታደሰ ከምዝኾኑ  እተን ማዕከናት ዜና ኣብ ዝዘርገሖኦ ሓበሬታ ኣስፊረንኦ ኣለዋ።

እዚ ብትእዛዝ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ዝሓልፍ ዘሎ፡ ጽባሕ  እቲ ቀዳማይ ሚንስተር፡ ”ህወሓት ኣብ ልዕሊ ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከብ ሰሜን እዚ መጥቃዕቲ ፈጺማ ኢሉ” ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ምሕባሩን፡ ኣስዒቡ ድማ ንሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ስጉምቲ ክወስድ ምእዛዙን ኢዩ።

ብካልእ ወገን፡ ሰበ ስልጣን ክልል ትግራይ እቶም ኣብ ሰሜን እዚ ዘለው ስራዊት ኣብ ጎድኒ ትግራይ ተሰሊፎም ክብሉ ይሕብሩ።  ምስቲ ካብ ትማሊ ምሸት ጀሚሩ ዘጋጠመ ኩነታትን ምዕባለን  ብምትእስሳር ድማ ዝኾነ ዓይነት በረራ ኣብ ክሊ ኣየር ክልል ትግራይ ክእገድ ከሎ፡ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ድማ ምንቅስቓስ ተሽከርከርቲ ደው ኢሉ ከም ዘሎ ሰብ ስልጣን ክልል ትግራይ ኣፍልጦም።ብተወሳኪ ከኣ ኣገልግሎት ተሌፎን ባንክን ጠጠው ኢሉ ከምዘሎ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ይሕብሩ።

ነዚ ኣብ ኢትዮጵያ ትማሊ ምሸት ሰለስተ ሕዳር ዘጋጠመን ሎሚ’ ውን ቀጺሉ ዘሎ ኣብ ምንታይ ኩነታት ከምዝሎ ብ ናጻ ኣካላት ዝተረጋገጸ የለን።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles