back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ህንዲ ኤርትራ ንእትርከበን 4 ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ረዲኤት ልኢኻ

ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ህንዲ ትማሊ 26 ጥቅምቲ፡ ኣስታት 270 ሜትሪክ ቶን ዝኸውን ናይ መግቢ ረዲኤት ናብ ኤርትራ፡ ሱዳን፡ ደቡብ ሱዳንን ጁቡትን ከምዝለኣኸ ሓቢሩ። 

ብመሰረት እቲ ሚኒስትሪ ዘውጽኦ ጸብጻብ ምርኩስ ብምግባር ማዕከን ዜና “ህንዲ-ታይምስ” ኣብ ዘስፈረቶ፡ ኣስታት 155 ሜትሪክ ቶን ሓሩጭ ስርናይ፡ 65 ሜትሪክ ቶን ሩዝን፡ 50 ሜትሪክ ቶን ሽኮርን ብመገዲ ናይ ህንዲ መጉዓዝያ ባሕሪ መርከብ ብዕለት 24 ጥቅምቲ ከምዝተበገሰ ኣፍሊጡ። እቲ ዝተበገሰ ረዲኤት ብቀጥታ ኣብ ወደባት ባጽዕ፡ ጁብቲ፡ ፖርትሱዳንን ሞምባሳን ክራገፍ ምኻኑ ሓቢሩ። 

እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ህንዲ ምስ መንግስታት እዘን ሃገራት ብጥቡቅ ትሰርሕ ከምዘላ ኣፍሊጡ። 

ኤርትራ ኣብ መጀመርታ ሕማም ኮሮና ብሰፊሕ ቅድሚ ምኽሳቱ፡ ካብ ዓሊባበ ዝተባህለ ትካል ዝተወፈየ ናውቲ ሕክምናን መድሃኒትን፡ መንጽህን ከምዝነጸገቶ ተሓቢሩ ምንባሩ ይፍለጥ። እንተኾነ ኣብዚ ሒጂ እዋን፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሕጽረት ቀረብ መሰረታዊ ጠለባት ሃለኽቲ፡ ይሳቐ ከምዘሎ ብዝተፈላለዩ ወገናት ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles