back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ዝበዝሓ ሃገራት ዓለም ሕጽረት መስተንፈሲ የንጸላልወን ኣሎ

ዝበዝሐ ሃገራት ኣብዚ እዋን ንኮቪድ-19 ሕሙማት ዝኸውን እኹል መስተንፈሲ ከምዘይብለን ብውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ዝወጸ መግለጺ ተሓቢሩ። እዚ ሕጽረት መስተፈሲ ኣብ ድኻታት ሃገራት ዝኸፈአ ሙዃኑ ዳይርክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ተድሮስ ኣድሓኖም ገሊጹ። ኣብ ሓደ ሓደ ሃገራት እቲ ዘለወን ብዝሒ ዓቐን ካብ 5 ስጋብ 20% ዘድልየን ብዝሒ ጥራይ ከምዝሽፍን ሓቢሩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ህጻናትን ብኒሞንያን ካልኦት ሕማማትን ንዝጥቅዑ ልዕሊ ሰማንያ ሽሕ ሰባት፡ መስተንፈሲ ሓገዝ ኦክሲጅን ኣብ ህይወት ምድሓን ዓቢ እጃም ከምዘለዎ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ብተወሳኺ ይሕብር። ወሲኹ ዶክተር ቴድሮስ፥ ነዚ ዘሎ ሕጽረት ኣብ ምፍታሕን ቀረብ መስተንፍሲ ሓገዝ ኦክስጅን ኣብ ምዕባይን ሓያል ጻዕሪ ይካየድ ከምዘሎን፡ ሓደ ፕሮጀክት ተታሒዙ ይስራሓሉ ከምዘሎን ገሊጹ። ብተወሳኺ ኮቪድ-19 ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዳግም ተላቢዑ ብልዑል ናህሪ ይቕጽል ከምዘሎ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ዘወጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ምንጪ፥ ውድብ ጥዕና ዓለም።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles