ፕረዚደንት ኣሜርካ ዶናልድ ትራምፕ ሎሚ ካብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መገለጺ፡ ሱዳንን እስራኤልን ዝምድንአን ከመሓይሻ ከምዝተሰማምዓ ሓቢሩ።
ኣብቲ ብተሌፎን ዝተገብረ ርክብ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንጃሚን ነታንያሁ፡ ከምኡውን ብወገን ሱዳን ኣቦ ወንበር ቤት ምኽሪ ልኡላዊ ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃንን ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክን ከምዝተሳተፉ ገሊጹ።
እስራኤል ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ጀሚረ ንነዊሕ ዓመታት ዝምድና ምስ ዘይነበረን ሃገራት ዓረብ ዝምድና ንምምሕያሽ ትሰርሕ ከምዘላዩ ዝግለጽ። ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን፡ ዖማንን ሓድስ ዲፕሎማስያውን ንግዳውን ርክባት ዝጀመረት እስራኤል፡ መበል ሳልሰይቲ ሃገር ዝምድንኣ ካብ ዘማሕይሻ ዘለዋ ሃገራት ሱዳን ተጸንቢራተን ከምዘላ እቲ መግለጺ ይሕብር።
እንተኾነ ዝተፈላለዩ ወገናት ከምዝገልጽዎ ብድሕሪዚ ምምሕያሽ ዝምድና መንግስቲ ኣሜርካ ኣብዘን ሃገራት ድፍኢትን ጸቅጥን ይገብር ከምዘሎዩ ዝጥቀስ። ኣብ ዝሓለፈ መዓልታታ ሱዳን ካብ መዝግብ ግብረ ሽበራ ዝድግፋ ሃገራት ን ክትወጻእ ንኣሜርካ ንካሕሳ ግዳያት መጥቃዕቲ ግብረሽበራ ኣብ ከንያን ታንዛኒያን ኣስታት $335 ሚሊዪን ክትከፍል ከምዝተሰማምዐት ስክረታሪያ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ሓቢሩ ከምዝነበረ ይዝከር። ነዚ ስዒቡ ሱዳንን እስራኤል ኣተየንኦ ዘለዋ ሓድሽ ዝምድና ናይ ምምሕያሽ ስምምዕ ድፍኢት ኣሜርካ ከይሃለዎ ከምዝይተርፍ ይፍለጥ።