ንጓል 12 ዓመት ህጻን ኤርትራዊት ሲልቫና ጸጋይ ዓሚጹ ዝቀተለ ተስፋብርሃን ተስፋጽዮን ኣብዚ ሰሙንዚ ኣብ ተል ኣቪቭ ኣብ ዝርከብ ቤትፍርዲ ኣብ ዝወዓለ መጋባእያ ንሕልፈት ከምዝተፈርደ ዋይ-ኔት (Ynet) እትበሃል ጋዜጣ ሎሚ ኣብ ዘስፈረቶ ጸብጻብ ሓቢራ።
ተስፋብርሃን ተስፋጽዮን ኣብ 2018፡ ንበዓልቲ ቤቱ ዝነበረት ጓላ ዝኾነት ህጻን ሲልቫና ጸጋይ ኣብ ደቡብ ተል ኣቪቭ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ቤታ ብምእታው፡ ጾታዊ ዓመጽ ብምፍጻም ከምዝቀተላ እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ይሕብር።
ኣደ ግዳይ ህጻን ሲልቫና ጸጋይን ገበነኛ ተስፋብርሃን ተስፋጽዮን ኣብ ካብ 2016 ክሳብ 2018 ተመርዕዮም ብሓደ ክነብሩ ከምዝጸንሑ ዝገልጽ እቲ ጸብጻብ፡ ቀጺሎም ብዝተፈጠረ ምፍሕፋሕ፡ ድሕሪ ምፍትሖም ገበነኛ ነዚ ገበን ከምዝፈጸሞ፡ ንጸብጻብ ቤትፍርዲ ብምውካስ ዋይኔት (Ynet) ሓቢራ። ገበነኛ ድሕሪ እቲ ቅትለት ንኣስታት 2 መዓልቲ ድሕሪ ምስዋሩ ብምትሕብባር ፖሊስን ህዝብን እዩ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።