ሰንበት, ጥቅምቲ 26, 2025

ኤርትራዊ ተስፋብርሃን ተስፋጽዮን ንሕልፈት ተፈሪዱ

ንጓል 12 ዓመት ህጻን ኤርትራዊት ሲልቫና ጸጋይ ዓሚጹ ዝቀተለ ተስፋብርሃን ተስፋጽዮን ኣብዚ ሰሙንዚ ኣብ ተል ኣቪቭ ኣብ ዝርከብ ቤትፍርዲ ኣብ ዝወዓለ መጋባእያ ንሕልፈት ከምዝተፈርደ ዋይ-ኔት (Ynet) እትበሃል ጋዜጣ ሎሚ ኣብ ዘስፈረቶ ጸብጻብ ሓቢራ። 

ተስፋብርሃን ተስፋጽዮን ኣብ 2018፡ ንበዓልቲ ቤቱ ዝነበረት ጓላ  ዝኾነት ህጻን ሲልቫና ጸጋይ ኣብ ደቡብ ተል ኣቪቭ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ቤታ ብምእታው፡ ጾታዊ ዓመጽ ብምፍጻም  ከምዝቀተላ እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ይሕብር። 

ኣደ ግዳይ ህጻን ሲልቫና ጸጋይን ገበነኛ ተስፋብርሃን ተስፋጽዮን ኣብ ካብ 2016 ክሳብ 2018 ተመርዕዮም ብሓደ ክነብሩ ከምዝጸንሑ ዝገልጽ እቲ ጸብጻብ፡ ቀጺሎም ብዝተፈጠረ ምፍሕፋሕ፡ ድሕሪ ምፍትሖም ገበነኛ ነዚ ገበን ከምዝፈጸሞ፡ ንጸብጻብ ቤትፍርዲ ብምውካስ ዋይኔት (Ynet) ሓቢራ። ገበነኛ ድሕሪ እቲ ቅትለት ንኣስታት 2 መዓልቲ ድሕሪ ምስዋሩ ብምትሕብባር ፖሊስን ህዝብን እዩ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።

ተዛማዲ ትሕዝቶ

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ማሕበራዊ መራኸቢ

7,388FansLike
959FollowersFollow
27,800SubscribersSubscribe

ካልእ ኣበርኪቶ ጸሓፊ