ኣብ ታሪኽ ኒ- ዚላንድ ኤርትራዊ ንመጀመርታ ግዜ ኣባል ፓርላማ ናይ’ታ ሃገር ኮይኑ ተመሪጹ።
ኤርትራዊ ኢብራሂም ዑመር ሓዲሽ ኣባል ፓርላማ ሃገረ ኒው ዚላንድ ኮይኑ ከም ዝተመረጸ ምንጭታት ሰቲት ካብ’ታ ሃገር ሓቢሮም። ኣቶ ኢብራሂም ዑመር ኣባል “ሰልፊ ለበር”(Labour Party) ኮይኑ፥ ብ 17 ጥቅምቲ ኣብ ሓፈሻዊ ምርጫ ናይ’ታ ሃገር ተመሪጹ። ኣቶ ኢብራሂም ዑመር፡ ኤርትራዊ ስደተኛ ኮይኑ፡ ኣብ 2008 ኢዩ ካብ ሱዳን ናብ ኒ-ዝላንድ ዝኣተወ።
ኣብ ዩንቨርስቲ ቪክቶሪያ ወሊንግተን ከም ሰራሕተኛ ጽሬት ለይቲ እንዳ ሰረሐ፡ ቀትሪ ድማ ኣብቲ ከጽሪዮ ዝሓደረ ክፍልታት እንዳ ተመሃረ፡ ኣብ 2016 ብ ዓውዲ ፖለቲካዊ ስነ-ፍልጠት ብመዓርግ ባችለርስ (BA) ተመሪቑ። ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ውደባን ምጥባቕን ንጥፈታት ዝሰረሐ ኮይኑ፥ ኣቶ ኢብራሂም ዑመር፡ ኣብ 2019 በቲ ዝሰርሖም ስርሓት ብ ምምሕዳር ከተማ ወሊንግቶን “Absolutely Positively Wellingtonian Award” ዝቢል ሽምልማት ተሸሊሙ። ኣብ 2020 ድማ ከም ፖለቲካዊ ሕጹይ ኮይኑ ኣብ ውድድር ፓርላማ ንውዝላንድ ተጸንቢሩ። ኣብ መበል 42 ተርታ ናይቲ ፖለቲካዊ ፓርቲ ተስሊፉ።” ሰልፊ ለበር”(Labour party) ኒው-ዚላንድ እኹል ድምጺ ስለ ዝረኸበ ድማ፡ ኣቶ ኢብራሂም ዑመር ኣባል ፓርላማ ኒውዝላንድ ክኸውን ኣኽኢልዎ ኣሎ።
ወግዓዊ ውጺእት ምርጫ 6 ሕዳር 2020 ከምዝግለጸ ካብ ከተማ ወሊንግተን ርእሲ ከተማ ኒው-ዚላንድ ዝተረኽበ ሓበሬታ ይሕብር።
Wow congoratulation ibrahim omer