back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ምብጻሕ ፕረዚደንት ኢሰያስ ናብ ኢትዮጵያ

“ፕሬዚደንት ኢሳያስ እናት ቤታቸዉን በመጎብኘት ላይ ናቸዉ’’

ታየ ቦጋለ

ሎሚቅነ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ኮነ ካልኦት ማዕከናት ዜና ዞባና [ቀርኒ ኣፍሪቃ] ብዛዕባ ዑደት መራሒ ሃገረ ኤርትራ ፕረዚደንት እሰያስ ኣፈወርቂ ናብ ኢትዮጵያ ክገልጻ ቀንየን፡፡ ናይ ክልቲአን ሃገራት መራኸቢታት “ካብ ናይ ስራሕ ምብጻሕ” ዝብል ዝዘለለ ሓበሬታ ብዛዕባ እንታይ ዓነት ኣርእስታት ተዘራሪቦም ዝኾነ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣይሃባን፡፡ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ማእከል ኢትዮጵያ ንዝካየድ ዘሎ ልምዓታዊ ስርሓት ከምዝተዓዘቡ ብደረቕን ተንቀሳቓሲ ስእልን ክንዕዘብ ክኢልና፡፡ ኣብ መንጎ ሃገራትን መራሕትን ምብጻሕ ክህሉ ንቡር ጥራይ ዘይኮነ ግድን ክኸዉን ዘለዎ ከምዝኾነ ዘዛርብ ኣይኮነን፡፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ዞባና ዘሎ ጥልቂ ድኽነትን ሕሰምን፡ ዓሌታዊ ግጭትን ፖለቲካዊ ዘይምርድዳእን ንምፍታሕ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ደጊምካ ኣይኮነን ደጋጊምካ ብምርኻብ ንምፍትሑ ክዕየ ከድሊ’ዩ፡፡ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ሃገሩ ምርግጋእን ሰላምን ርሒቕዋ ጥራይ ዘይኮነ መንግስታዊ ቅልዉላዉ ኣጋጢምዎ ዘሎ እዋን ዝምድንኡ ምስ ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ከርብሖዶ ይኸዉን ወይስ ኣየርብሖን ንዝብል ሕቶ ንግዜ ገዲፍና ፡፡ምብጻሕ ፕረዚደንት ብዓይኒ ኤርትራዉያን ረብሕኦምን ክንርዮ ኣሎና፡፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ህዝቢ ኤርትራ ንስለ ረብሕኡ ዝዘተየሉን ዝሓሰበሉን ግዜ እንተነይሩ ነቲ ብፕረዚደንት ‘ሞቱ’ ዝተረዳእና ቅዋም እዩ፡፡ ካብኡ ዝሓለፈ ግና ገበርትን ሓደግትን ሃገረ ኤርትራ ፕረዚደንት ዝመራሒኦም ሒደት ጉጅለ እዮም፡፡ ኣብዚ ሳላሳ ዓመታት ግሉጽነትን ተሓታትነትን ንህዝቢ ዘይነበሮ መራሒ ኣብዘን ክልተ ዓመት ምስ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ዘሎ ስምምዕ ንህዝቢ ኣይሓበረን እናበልካ ዝዝረብ ዘረባ ጣቋ ዘለዎ ኣይኮነን፡፡ ልዕሊ ዝኾነ ግና ኣብዚ ሕጂ እዋን ዓለምና ብሕማም ኮሮና ንቡር ስኢናትሉ ኣብ ዘላ ኣዋን ዝፍጸም ዘሎ ምብጻሕ ብምኻኑ ዝያዳ ንዕቀትን ብድዓን ፕረዚደንት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ደረት ኣልቦ ምኻኑ ደጊሙ ኣነጺሩልና፡፡ ኣብዚ ክንርድኦ ዘሎና ምብጻሕ ኣይገበር ማለተይ ኣይኮንኩን እንታይ ደኣ እዞም መራሕቲ ዕዮ ገዝኦም ብፍጹም ዝረስዑ ምኻኖም’ዩ፡፡

ሃገርና ሕማም ኮሮና ኣብ ዓለምና ከስፋሕፍሕ ካብ ዝጅምር ክሳብ’ዛ ሰዓት እዚኣ ኣብ ፍጹም ዉሽባ ትርከብ፡፡ እዚ ማለት ድማ ኣብ ሃገርና ዘለዋ ንኣሽቱ ትካላት ተዓጽየን፡ መጎዓዝያ ገና ኣይጀመረን ከምኡዉን ካልኦት ትካላት እዚ ማለት ድማ እቲ ብመሰረቱ ካብ ኢዱ ናብ ኣፉ ዝኾነ ናብራ ዝነብር ህዝብና ‘ንድኻ’ስ ደርሆ ትጸድፎ’ ኮይኑ ነገሩ ሕሰም የሳቕዮ ኣሎ፡፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ከምዝገልጽዎ እንተኾይኑ ሕማም ኮሮና ከምዝተቖጻጸርዎ’ዩ፡ ብርግጽ ምቁጽጻሩ’ዉን ቀሊል ኣይኮነን ንኸም ሃገርና ዛኣመሰላ ድኻታት ሃገራት ኣይኮነን እተን ምዕቡላት ሃገራት ከይተረፈ ኣሸጊርወን ይርከብ፡፡እንተኾነ ግና ኮሮና ክሳብ መዓስ ኣብ ዓለምና ኣሎ ንጹር መልሲ ስለ ዘይብሉ ሃገራት ብዉሑስ መንገዲ ናብ ሓድሽ ንቡርነት እናተመልሳ ይርከባ ኣለዋ፡፡እዚ ነገርዚ ዘይሕሰብ’ዩ ኣብ ሃገርና፡ ሓቀኛታት መራሕቲ ዝተዓደሉ ሃገራት ኮሮና ዘስዓቦ ጸገማት ንምፍታሕ ሓቢሮም ምስ ህዝቦም ይሰርሑ፡፡በንጻሩ ፕረዚደንት ሃገርና ብገንዘብ ህዝቢ ኤርትራ ናብን ናብትን ክገይሽ ንዕዘቦ ኣሎና፡፡ ካብ ዉሽጢ ሃገር እትሰምዖ ዕላላት ካብ ሻቕሎት ዘገላግል ኣይኮነን ህዝቢ ንሕማም ኮሮና ሸለል ከም ዝበሎን ማስክ ከምዘይጥቀምን እኹል ጥንቃቐ ከምዘይገብርን ክትሰምዕ እንከልኻ ኣተሓሕዛ ናይዚ ሕማም ዝንቡዕ ከምዘሎ ይርድኣካ፡ሰባት ንቡር ማሕበራዊ ናብራ እናገበሩ ክንሶም ንኣሽቱ ትካላት ምዕሻግ ዘገርም ተርዮ የብለካ፡፡ብዛዕባ ዓድና ብዙሕ ምበልና የግዳስ ኩላትና እንፈልጦ’ዩ እሞ ብዛዕባ መራኸቢ ብዙሃን ኢትዮጵያን ብዛዕባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝግደሱ ሰባትን ብዛዕባ’ዚ ዑደት ዝበልዎ ንተዓዘብ፡፡

ካብ መገሻ ፕረዚደንት እሰያስ መን ተረቢሑ?

-ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ እቶም ኣንጻሩ ደዉ ኢሎም ዘለዉ ሓይልታት ከም ወያነን ኦነግን ዝኣመሰሉ ድሕሪ መስከረም ሰላሳ መሪሕነቱ ከም ዘብቅዕ ተደጋጋሚ ይዛረቡ ብምንባሮም ህልዉንኡ ንምርግጋጽን ሓንቲ ዝተረጋግአት ኢትዮጵያ ከምዘላን ከምስል ከምዝቐነየ ብቐረባ ንዝከታተሎ ንጹር እዩ ሓደ ካብኡ ብግዜ ዝተቐመረ ናይ እንጦጦ ፖርክ ምምራቕ እዩ፡፡መገሻ እሰያስ ድማ ነዚ ንምሩጋድ እዩ ይብሉ ገለ ተዓዘብቲ፡፡

-ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ንወያነ ዘለዎ ጽልኢ ኣብ ኣደባባይ ብግልጺ ከምዝተዛረበ ዝፍለጥ ኮይኑ ወያነ ድሕሪ ምርጫ ምግባሮም ብቐዳማይ ምኒስተር ዝምራሕ ፈደራላዊ መንግስቲን ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝበኣሰ ኣብ ወጥሪ ስለ ዝኣተዉ ደገፍ ከም ዘለዎ ንምርግጋጽን ንወያነ ናይ ወይልኹም መልእኽቲ ንምትሕልላፍ’ዩ ዝብሉዉን ኣይተሳእኑን፡፡

-ታየ ቦጋለ ዝተባህለ ተማራማሪ ታሪኽን፡ ሉእላዉነት ሃገረ ኤርትራ ዘይቅበልን ኣብ መጽሓፍ-ገጹ ‘’እሰያስ ናብ ወላዲት ሃገሩ ክበጽሕ መጺኡ’’ብምባል ገሊጽዎ ፡፡ [ብዛዕባ’ዚ ጽሓፊ ግዜ እንተረኺብና ብዛዕባ ኤርትራ ዝጸሓፎ ክንገልጽ ክንፍትን ኢና]

-ፕረዚደንት ናብ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ከይዱ ብምብጽሑን ንምዕባለ ናይቲ ትካል ምዕዛቡን ንቡዙሓት ዘቐጠዓ ነይሩ ነዚ ድማ ምስ ሃገራዊ ድሕነትን ክድዓትን ዘተኣሳሰርዎ ኣይተሳእኑን፡፡ሓደ ካብ ግዜጠኛታት ብዛዕባዚ ክገልጽ እንከሎ “ኤርትራ ንመጻኢ ናታ ሓይሊ ኣየር ክህልዋ ስለ ዝኽእል ተመክሮ ንምዉሳድ’ዩ” ብምባል ይገልጽ፡፡

መን’ከ ከሲሩ፡-

ህዝቢ ኢትዮጵያ

-ካብ ናይ ክልቲኦም መራሕቲ ሽርሽር ዝኸሰረ እንተሎ ህዝቢ ኢትዮጵያ’ዩ፡፡ ኣብ ሲዳማ ልዕሊ ኣርብዓ ሂወት ሰባት ዝሓለፈሉ፡ኣብ ኢትዮጵያ ሕማም ኮሮና ኣብ ዝበዝሓሉ ፡ሓረስታይ ትግራይ ብወራር ኣንበጣ ዝተጨነቕሉ፡ እቶም ሽግራት…….መልእዎም፡፡

ህዝቢ ኤርትራ

-ምስ ግዜ ዘምጽኦ ሕማም ኮሮናን ንሱ ዘዉረዶ ዘሎ ሃሰያን ሓዲግና ንዓሰርተታት ዓመታት ኣይሰላም ኣይኩናት እናተባህለ ጅሆ ዝተተሕዘ ህዝቢ ሰላም ኮይኑ ካብ ዝበሃል ምምልላስ መገሻ ፕረዚደንት ኣብታ ሃገር ለዉጢ ከምጽእ ኣይከኣለን ካብቲ ዶባት ዝተመዛበለ ህዝቢ ናብ ዓዱ ገና ኣይተመልሰን፡ምንጪ ናይቲ ኩሉ ጸገም ዝተባህለ ዶብ ገና መዓልቦ ኣይረኸበን፡ ኤርትራዊ ገና ካብ ምስዳድ ኣየቋረጸን፡ ብቐዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ዝምራሕ መንግስቲ ፈደራል ልዕሊ ማንም ግዜ ንስደተኛታት ጸገም ኮይኑ ይርከብ፡ ሎሚ ኣብ ዶባት ነታ ስደተኛ እትብል ወረቐት ንኽትቅበል ዓሰርተታት ኣሽሓት ብር ክትከፍል ትግደድ፡ ብኣጠቓላሊ ህዝቢ ኤርትራ ልዕሊ ማንም ግዜ ሎሚ ሓሲምዎ ይርከብ፡፡

እንበኣርከስ እዞም መራሕቲ ኣብ ኣባይ ግድብ ይኺዱ፡ ዩኒቨርስቲ ይብጽሑ፡ ኣብ እንጠጦ ይናፈሱ እቲ ረብሓ ገዛእ ርሶም ድኣ እንበር ንህዝቢ ቅንጣብ ትኹን ረብሓ የብሉን፡ እዞም ክልተ መራሕቲ ዝመርሕዎ ህዝቢ ብኹሉ መዳያት እቲ ዝተበደለ ህዝቢ’ዩ፡፡ ኣብ ዓለምና ዝተረኣየ ዝኸፍአ ሓደጋ ጥሜት ኣብዚ ህዝቢ እንተተራእዩ እቲ ዝነዉሐን ዝበዝሐ ሂወት ዝተኸፍሎ ኩናትዉን ኣብዚ ዞባና እዩ፡፡እዞም ህዝብታት ብሕጽረት መግቢን ጽሩይ ዝስተ ማይን ዝሳቐዩን እዮም፡፡እቶም መራሕቲ ግና ገና ፖለቲካዊ ጸወታ ይጻወቱ ኣለዉ፡፡ ብፍላይ መራሒ ሃገረ ኤርትራ ብዋጋ ህዝቢ ኤርትራ ምጽዋት ዘይምነዎ ጨካንን ፈታዊ ነስፍሱን’ዩ፡፡ ንሱ ዝመርሓ ሃገር ህዝባ ተስዲዱ፡ ቑጠባዊ ምዕባለ ዘይረኣያ ሓንቲ ድኽምትን ዝሞተትን ሃገር ፈጢሩ ኣብ ጎረቤት ሃገር ዝተሰርሐ ትካላትን ዩኒቨርስቲታትን ይምርቕን ይበጽሕን፡፡ ብፍሽለቱ ዘይሓፍር መራሒ፡፡

ቀለማዊ

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles