back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ከመይ ኮን ትህሉ!

”ሓውኻ ኣበይ ኣሎ፧” እትብል ኣርኣስቲ ናይ ሓንቲ ትብዓትን ባህጊ ፍትሕን ኣቦታተይ ዝደረኻ ጽሕፍቲ ኣብ ኣእምሮይ ትመላለሰኒ። “ሓወይ ኣበይ ኣሎ፧” ኢለ ወትሩ ንገዛእ ነብሰይ እሓታ። ወትሩ ሓወይ ሓብተይ ኣበይ ኣለዉ ፧ እብል። ኣብ ሽላታት ምልካዊ ስርዓት ዝሃለቑን ብርሃን ናፊቖም ዝሳቐዩ ዘለዉን ኣሕዋተይ እሓስቦም። ነቶም ኣብ ምድረበዳ ሳሃራ ዝተጎየሑ፡ ዝሰንከሉ፡ ኣኣምሮኦም ዝተተንከፉ፡ ብሰንኪ’ዚ ዝተረመሱ ኣሕዋተይን ኣሓተይን ወለደይን እሓስቦም። ዝተረፉ ኣሕዋተይ ኣበይን ከመይን ኮን ኣለዉ እብል። እዚ ሓወይስ ከመይ ኮን ይህሉ፧ እታ ሓፍተይ ከ፧
እቶም ኣብ ውሽጢ ማሕዩራት ስርዓት ምልኪ ኮነ ካብኡ ንምምላጥ ኣብ ዘገበርዎ ቃልሲ ብህይወት ዝሓለፉ ዜጋታትና ሓሊፎም (ብዛዕባ’ዚ ክንሰርሖ ዝግብኣና ብዙሕ ነገር ከም ዘሎ ብዘይ ምርሳዕ) እዮም። እቶም ዘሎና ኣበይን ከመይን ከም ዘሎና ክንሓስብን ክንተሓታተትን ክንደጋገፍን ግን ኣሎና።

ኣብ መዓስከራት ስደት፡ ኣብ ቤት ማሕዩር ገፈፍትን ኣስገርትን፡ ኣብ ትጽቢት መስርሕ ስደት፡ ኣብ መንገዲ ንዝሓሸ ሂወት ዘሎና ንሓድሕድና ንተሓሳሰብ ንተኣላለ። ንዘጋጥመና ዕንቅፋት ክንኣሊ ንማኸር። ቤተ ሰብና ደም ርሂጾም ንዝልእኩልና ሳናቲም ዘቋምቱ ደለልትን ኣካረይትን፡ ንሽግርና መዝሚዞም ብምስሉይነት ዝቐርቡና ኣሳለጥትን ተደናገጽትን ኣርሒቕና ጉዳይና ካባና ናባና ብምግባር ብንቕሓትን ጥበብን ክንፈትሕ ንፈትን።
ልዕሊ ኩሉ ግን ንነብስና ንእለ። ካብ ታኼላ መስተን ወልፍን፡ ካብ ዝሙትን ገደብ ኣልቦ ዕንደራን፡ ካብ ግቡእ ሓበሬታ ዘይረኸብናሉን ዘየተኣማምንን ትምዩን ስራሕ ነብስና ንሓሉ። ንወገንና ዘጋጥሞ ኣካላዊ ኮነ ስነ-ኣእምሮኣዊ ሓደጋታትን ሽግራትን ንምክልኻል ክንሰርሕ ኣቀዲምና ነብስና ኣብ ታኺላ ሽግራት ትእለኽ ከይትህሉ ንሓልዋ። ከመይ ኣሎና፧ ዕለታዊ ጉዕዞና ኣብ`ታ ክትርህወልና እንደልያ ጽባሕ ንገዛእ ርእስና፡ ስድራቤታናን ሃገርናን ብዘርብሕ መንገዲ ክንነብር ብዘኽእልና ኣዳይዳን ንኸዶ ዶ ኣሎና፧ እንድዒ!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ‘ላፍቶ’ ኣብ ዝበሃል ኤርትራውያን ብብዝሒ ዝርከብሉ ቦታ፡ ካብ ትሕቲ ዕድመ ክሳብ እኹላት ዜጋታትና ብሽጋራ ዝበስሱ ደቂ ሃገረ ከም ዘለዉ ብዘይ ደቂ ሃገረይ እሰምዕ። ኣብ ‘ሃያ ሁለት’ ዝስሙ ኣብ’ቲ ብብዝሒ ተጋሩ ዝውነንዎ ትካላት መግብን መስተን ዘለዎ ቦታ፡ ነቲ ፈጺሞም ሰሚዖሞን ርእየሞን ዘይፈልጡ ኣብ ሃገሮም ብሕጊ ክልኩል ዝኾነ ጫት ዝተሰምየ ሓሽሽ ተወሊፎሞስ ግዙኣቱ ኮይኖም ክሰምዕ ይኸብደኒ። እዞም ካብ ሕሰም ምልካዊ ስርዓት ክናገፉ እና ሳገሙ ኣብ ሕሱም መንገዲ ሂወት ዝኣተዉ ኤርትራውያን ኣሕዋተይ ይበላሸዉ ከም ዘለዉ ብገለ ዘይ ኤርትራውያን ብድዐን ንዕቀትን ብዝተሓወሶ ቃና ኣብ እዝነይ ክኽዕዉለይ እንከለዉ ሓዘን እስምዓኒ።

ኣብ ውሽጢ ትግራይ ኮነ ካልኦት ክልላት ኢትዮጵያ ዝተኣስሩ ዜጋታተይ ከም ዘለዉ’ውን እሰምዕ። እዞም ኣምባሳደር ሃገሮም ኣብ ዝተፈለለዩ ድግሳት ናይ’ዛ ንስደቶም ኣበርክቶ ዝገበረት ሃገር እንክሳተፍ፡ ንሶም ግን ኣብ ሽግርን ውርደትን ክቕጽሉ ምርኣይ ብስቕታ ድማ ሓንቲ ትኹን ቃል ከየውጽአ ዲፕሎማት ስርዓት ምልኪ ክቅጽል ክርኢን እንከለኹ ጉሂ እስምዓኒ። ማእሰርቶም ምስ ሸሪፊ ባጢራ ወጻኢ፡ ምስ ምስግጋር ሰብ፡ ምስ ባእስን ዕግርግር ንዝተኣሳሰር ምዃኑ እሰምዕ፡ ካብ’ቶም ሓወይ እናበሉ ሓዊ ዝኽዕዉ ዘለዉ ሓይልታት ብዝምንጩ ሽግራት ይሽገሩ ከም ዘለው’ውን ይግንዘብ እሞ ካብ ከም’ዚ ክድሕኑ ሓደራኹን ኣይትንኣሱን ኣይትሕመቑን እብሎም።
በቶም ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ኣፍሪቃ; ብፍላይ ድማ ኣብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ስርሓት ጋራጅ፡ መጎዓዝያ፡ ንግዲ፡ ጥበባዊ ስርሓት ወፊሮም ንኣእምሮኦም ብምጽማድ ህይወቶም ዘሳልዩ ዘለዉ ኣሕዋተይ ኣገናዕ እብሎም። ኣሰሮም ዝስዕቡ ዜጋታት ኣብ ምፍራይ ከይተሓለሉ ክሰርሑ ድማ እጽውዖም። ወትሩ ሓወይ ከመይ ኮን ኣሎ፧ እንታይ ኮን ክሕግዞ ኣለኒ፧ ተሓባቢርና እንታይ ኮን ክንሰርሕ ንኽእል፧ ምስሊ ህዝብናን ሃገርናን ካብ ዘበለሹ ነገራት ንምርሓቕ እንታይ ኮን ክንገብር ኣሎና፧ ዝብሉ ኣሕዋተይ በዚሖም ካብ ስደታዊ ሽግራት ናጻ ክኾኑ እብህግ። እጃመይ ንምብርካት ድማ ከም ወትሩ ድሉው። ንግዚኡ ኣብ ዘለናሉ ሃገረ ስደትና ነባሪ ጥበብብ ብልሕን እምበር ነባሪ ሽግር ኣይንሰከም።

ንሓርነታዊ ኤርትራ ወትሩ ጽሙዳት!!!

 

 

 

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles