ሰንበት, ጥቅምቲ 26, 2025

ኩባንያ ዕደና ኔቭሰን ተመስሪትሉ ዝጸንሐ ክሲ ተዓጽዩ፡፡

ኩባንያ ዕደና ኔቭሰን ተኸሲሱሉ ንዝጸንሐ ጉዳይ ምዝመዛ ነጻ ጉልበት ሰብ ኣብ ኤርትራ፡ ብዝተገብረ ስምምዕ እቲ ክሲ ከምዝተዓጽወ፡ ንትካል ሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ (HRCE) ብምጥቃስ፡ ‘ራድዮ ኤረና’ ሓቢራ።

ኣብ ቤትፍርዲ ብርቲሽ ኮሎምብያ ካናዳ ተኸሲሱ፡ ንነዊሕ እዋን ክከራኸር ዝጸንሐ ኩባንያ ዕደና ኔቭሰን ክልቲኦም ወገናት ብዝገበርዎ ስምምዕ፡ ብዕርቂ ክዛዘም ከምዝተኻእለ እታ ራድዮ ኣብ ጸብጻብ ኣስፊራ።

ኩባንያ ዕደና ኔቭሰን ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘካይዶ ዘሎ ዕደና፡ ነጻ ጉልበት ሰብ ብምምዝማዝ ኣብ ጉዱድ ዕዮ ኣውዒልዎም ብዝብል ክሲ፡ ካብቶም ኣብ ሃገራዊ ኣገልጉሎት ብሙኻን ዝዓዩ ዝነበሩ ኤርትራውያን እዩ ተመስሪትዎ።

እንተኾነ ኩባንያ ዕደና ኔቭሰን ነቲ ክሲ ብምንጻግ ንዝሓለፈ ዓመታት ነቲ ዝተባህለ ነጻ ምዝመዛ ጉልበት ወዲ-ሰብ ከምዘይውዓሎ እዩ ክከራኸር ጸኒሑ፡፡

ተዛማዲ ትሕዝቶ

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ማሕበራዊ መራኸቢ

7,388FansLike
959FollowersFollow
27,800SubscribersSubscribe

ካልእ ኣበርኪቶ ጸሓፊ