ዓቅሊ ጽበት ውሽጥና፡ ንብሃረርታ ዝብህጎ ጽቡቅ ነገር ክሕዝ ጥራይ ዝመጣጠር ኣእዳው ድኣ እምበር፡ ነቲ ናብኡ ክበጽሕ ዝርገጽን፡ ዘይርገጽን ክርኢ ዝሕግዝ ብልሒ ክጥቀመሉ ኣይረኣይን። ነዚ ብልሒ እዚ፡ ኣብቲ ብሓደጋ ዝዓግት ህጉም ምስ ጠሓልና ኣቃልቦ ክህቦ ዝወሰና ጥራይ ንመስል። እሱ ውን ባህሪ ስለ ዝግድድን ታሪኽ ደቂ ሰባት ከምኡ ስለ ዝኾነን ዝብሎ ዘለኹ ድኣ እምበር ጽባሕ ከርኢ ዝኽእል ዝተፈልየ መስትያት ኣብ ኢደይ ስለ ዘሎ ኣይኮነንን።
ክንርሕቆ ዘይብልና ሓቂ፡ ሓደ ርእሱ ንዝውንን ፍሉይ ጥቅምን ረብሓን ንዘይብሉ ዜጋና ድሌቱን ባህግታቱን ኩሉ ካብ ንብልጽግና ነብሱን ሕብረተሰቡን ዝርሕቅ ሓሳብ ዝውንን ክህሉ ዘሎ ተኽእሎ ጸቢብ ኢዩ። (ማሕበራዊ እምነት )
እንተኾነ ውሽጣዊ ስምዓታቱ ንስኻ ዝበለጸ ባህጊ ትውንን ፍጡር ኢኻ ብዝብል ብርሃን ደጉሑ ንካልኦት ኣብ ዘይሪኤሉ ደልሃመት ብምእታው ነቲ ሕጂ ሕብረተሰብና ዝነብሮ ዘሎ ኩነት ዘንውሕን ዘግፍሕን ተወሳኺ ጸላም ከይፈጥር ናይ ምምዛን ሓላፍነት ውልቃውን በይንኣውን ሓርነታዊ ሓሳብ ዝውንን ኣእምሮ ምስ ንውንን ኢዩ።
እኩብ ህዝቢ ውሑጅ ኢዩ። እዚ እቲ ሓደ ካብ ነዊሕ እዋን ኩሉ ግዜ ክብሎ ዝጸናሕኩ ኮይኑ፡ ተኣኪቡ ዝሓስብ ዝመስሎ ድኣ እምበር ፡ እኩብ ክሓስብ ዘለዎ ተኽእሎ ጸቢብ ኢዩ። እኩብ ናብ መአከቢ ዝከደሉ ምኽንያት ብሓጸብቲ ኣእምርኡ ክጽሎ ድኣ እምበር ክሓስብ ኣይመጽእን ኢዩ። እኩብ ኩሉ ግዜ ዓሻ ኢዩ። እኩብ ይፍቶ ይጽላእ፡ ይእመን ይኽሓድ፡ ክሳብ ናተይ ዝብሎ ጠማርን ኣሳርን ሕጊ ዘይፈጠረ ናይ ሓሰብቲ ውጽኢት ድኣ እምበር ናቱ ሓሳብ ዝውንን ተበግሶ ሒዙ ክጎዓዝ ኣይኽእልን ኢዩ። ስለዚ፡ ኩሉ ግዜ ሓሳብ ዘለዎ መሲልዎ ተኣኪቡ ዝፈጥሮ ሓደጋ ንሓሰብቲ ዘገልግል ድኣ እምበር ንዕኡ ዘርብሕ ኮይኑ ኣይርከብን ኮይኑ ድማ ኣይፈልጥን። ነዚ ንምግምጋም ንኣቀዲሙ ተራእየ ንናይ ብዙሕ እኩብ ወጥሪ ብዙሓት ሃገራት ረብሓን ክሳራን ውጽኢት መን ይኸውን ምርኣይን ምግምጋምን ይክኣል ኢዩ።
ወዲ ሰብ ሓደ ካብቶም ንሱ እንስሳታት ብምባል ዝጽውዖም ናይዛ ምድሪ ፍጡራት ኢዩ። ካብዞም ፍጡራት እዚኦም ዝተፈልየ ባህሪ ዝውንን ኮይኑ ክስምዖ ዝገብርን ዝፈልዮ ቀዳማይ ባእታን ድማ ሓሲቡ ንምንቅስቃሱ ብምብህሃል ኣብ ነውርን ቅኑዕን ዝብል ሕጊ ውሽጢ ሰኹዑ ክጉዓዝ ዓቅሚ ስለ ዝፈጠረ ጥራይ ኢዩ። ነዚ ባህሪ እዚ ኣብ ዘጥፈአሉ ንዕኦም ይመስል። ካብ ናቶም ዝገድድ ሓደጋ ድማ ይፈጥር።
ንመለስ
ወላ እካ እኩብ ህዝቢ ውሑጅ’ዩ እንተበልና፡ ወዲ ሰብ ብእኩብ ዝነብር ፍጡር ኢዩ። እንተኾነ ኣብ ውሽጢ’ዚ እኩብ ህዝቢ’ዚ ውሕስነቱ ዝሕሉ ሕጊ ምስ ዝህሉ ጥራይ ኢዩ። ስለዚ ሓደ ሰብ ብመጠኑ ኣብቲ እኩብ ንውልቀ ሰብ ዘውሕስ ሕጊ ኣብ ዘይብሉ እዋን ዋሕሱን ዋሕስ ሕብረተሰቡን እቲ ነውርን ቅኑዕን ዝብል ቀዳማይ ሕግን ውልቃዊ ሓርነታዊ ኣታሓሳስብኡን ጥራይ ኢዩ። በዚ ምስ ዘይግዛእ ወይ ካብዚ ምስ ዘምልጥ ግን ነቲ ተኣኪቡ ዝፈትሖ ዝመስሎ ሽግር ተኣኪቡ ላምባ ብምንስናስ’ዩ ዝያዳ ሓደጋ ዝፈጥር። ውሽጡ ጽቡቅ ባህግታት ዝሓዘ ኢዩ። ስምዒታቱ ግን ከም ፈረስ ብሓሰብቲ ዝውጠጥ መንፈስ ኢዩ። ዝጉዓዞ ርሕቀት ኣሎ። ዝበጽሖ ቦታ ግን የለን። ዝኸፍሎ ዋጋ ኣሎ፡ ዝረኽቦ ጻማ ግን የለን። ሎሚ ተኣኪቡ ይንድር፡ ጽባሕ ተኣኪቡ የልቅስ። እኩብ ኢዩ። ኩሉ ተኣኪቡ ዝገብሮ ከም መፍትሒ ሽግር ኢዩ ዝሪኦ። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝበልናዮ ካብዞም ምስኡ ዘለዉ እኩባት እዚኦም እቲ ቀዳማይን ወሳንን ዋሕሱ ሕጊ ምኻኑ ረሲዑ ኣብ እኩባዊ ማዕበልን ጭርሑን ይወሓጥ። ኩሉ ኣብ ኢዱ ዘሎ ይመስሎ እሞ ንሕጊ ረሲዑ ንዓወት ጥራይ ይማጣጠር። እኩብ ኣልቦ ሕጊ ተኣኪቡ ዝፈጠሮ ሓደጋ ድኣ እምበር ዝፈትሖ ሽግር የለን። እቲ ዝፍጠር ሽግር ግን ከም ዓወታት ኣብ ኣእዛን እኩብ ስለ ዝንበብ ፍስሃን ባህግን ዘሕድር መንፈስ ሒዙ ንቀጻሊ ሓደጋ ይእከብ።
እቲ እኩብ ዝሓስብ ዘሎ እና መሰሎ፡ ዝሓስብ ዘይገብሮ ኣብ ምግባር ከይወድቕ ንሕጊ ውሽጡ ይተኣዘዝ። (ወጣጢ ይዕወት)