back to top
ሮቡዕ 22 ጥሪ, 2025

ጊሰን:- ፈስቲቫል ኤርትራ ተሰሪዙ

ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ሓምለ ዕለት 8 ጀሚሩ ክካየድ ተመደቡ ዝነበረ ፈስቲቫል ኤርትራ፡ ብምምዕዳር ከተማ ጊሰን ከም ዝተዘረዘ ብሓሙስ 29 ስነ፡ ካብ ጀርመን ዝተረኽበ ሓበሬታ ይገልጽ። ምምሕዳር ከተማ ጊሰን እኹል ናይ ጸጥታ ምድላዋት ከምዘይተገብረን፡ ነዚ ኣብ ጊሰን ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ፈስቲቫል ደው ንምባል ድማ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣውሮጳ ናብታ ከተማ ዝመጹ ከስዕብዎ ዝኽእሉ ናዕቢ ድማ ከምዘስገኦን፡ በዚ ምኽንያት እቲ ፈስቲቫል ከምዝሰረዞን ኢዩ ኣፍሊጡ ዘሎ።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፡ ምምሕዳር ከተማ ጊሰን ንኣዳለውቲ ናይቲ ፈስቲቫል፡ ድሕነት ተሳተፍቲ ዘውሕስ ጸጥታዊ ምድላዋት  ክገብር ተሓቲቱ፡ ይኹን እምበር፡ እቲ ዘዳሉ ኣካል፡ እቲ ዓመታዊ ዝግበር ፈስቲቫል ንኹሉ ክፉት ምዃኑ ከምዝሓበረን፡ በዚ ድማ እቶም ነዚ ፈስቲቫል ዝቃወሙ ዘስዕብዎ ናዕቢ፡ ንተሳተፍቲ ጥራይ ዘይኮነ ንህዝቢ ናይታ ከተማ ሓደጋ ክኸውን ከምዝኽእል ኣብ ግምት ብምእታው ኢዮም ነቲ ናይ ምስራዝ ውሳነ ወሲዶም ዘለዉ። እቶም ኣዳለውቲ ነዚ ውሳነ ይግባይ ክብሉ ከምዝኽእሉ ውን ኣቲ ነዚ ኣመልኪቱ ዝተዘርገሐ ሓበሬታ የረድእ።

ዝሓለፈ ዓመት እቲ ዓመታዊ ዝካየድ ፈስቲቫል፡ ኣብ ከተማ ጊሰን ተኻይዱ ምንባሩ ዝዝከር ከይኑ፡ ኣብታ ከተማ ኣብታ ፈቲቫል ዝተኻየደላ ኣደራሽ፡ ሙዚቓዊ ምርኢት ንምክያድ ዝተገብረ ምድላዋት ዕግርግር ከምዘስዓበን፡ ብሰንኩ’ቲ እቲ ሙዚቃዊ ምርኢት ተሰሪዙ ምንባሩን ይዝከር።

ፈስቲቫል ኤርትራ ዓመታዊ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዝካየድ ኮይኑ፡ ካብዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ኣብ ኣውሮጳ ናዕቢ ዝተሓወሶ ተሪር ተቃውሞ ክገጥሞ ጸኒሑ ኣሎ። ኣብ ሕብራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ካናዳን ካልኦት ሃገራት ግን ብዘይዝኾነ ዕንቅፋት ተኻይዱ ፡ ኣብዝሓለፈ ዓመት። ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ድማ ኣብ ግዝኣት ዋሽንግቶን ከተማ ሲያትል ክካየድ መደብ ተታሒዙ ኣሎ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,375ደገፍቲLike
754ስዓብቲFollow
22,500ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles