ኣብ ስዊዘርላንድ ሕቶኦም ዝተነጽገ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቚባ ናብ ሳልሳይ ሃገር ክኸዱ ክግደዱ ምዃኖም ቤት ምኽሪ ግዝኣታት እታ ሃገር ኣፍሊጡ። እዚ ውሳነ ዝሓለፈ፡ ድሕሪ ‘ቲ ብሓደ ኣባል ናይቲ ቤት ምኽሪ ዝቐረበ እማመ ተቐባልነት ምርካቡ ከምዝኾነ መርበባት ሓበሬታ ስዊስ ጸብጽበን። እዚ ውሳነ ድማ ነቶም ናይ ዑቚባ ሕቶኦም ዝተነጽገ ኤርትራውያን ናብ ሳልሳይ ሃገር ናይ ምጒዓዝ ናይ ፈተነ ፕሮጀክት ከምዝኾነ ኢዩ ዝግለጽ።
ኣብቲ ዝቐረብ እማመ ሩዋንዳ ከም ኣብነት ከምዝተጠቕሰት ተፈሊጡ ኣሎ። እዚ ማለት ግን መስርሕ ምሕታት ዑቚባ ናብ ሳልሳይ ኣካል ክሰጋገር ዝገብር ከምዘይኮነ እቲ ዝተረኽበ ዜና፡ ነቲ እመም ዘቕረበ ኣባል ቤት ምኽሪ ብምጥቓስ ኣነጺሩ።
“እዚ ብዛዕባ ኣብ ስዊዘርላንድ ናይ ዑቕባ መስርሕ ዝሓለፉ፡ ሕቶኦም ድማ ዝተነጽጉን ኣህጉራዊ ሓለዋ ዘየድልዮምን ሰባት እዩ። እቶም ዝተጸልዉ ካብ ሩዋንዳ ናብ ካልእ ሃገር ክጓዓዙ ይኽእሉ እዮም” ይብል እቲ በቲ ቤት ምኽሪ ዝወጸ መግለጺ።
ሊዛ ማዞነ ዝተባህለት ኣባል ሓምላይ ሰልፊ ዝኾነት ፍልጥቲ ፖለቲከኛ ናይ’ታ ሃገር፡ ነዚ እማመ ዘይክውንነታዊ ክትብሎ ከላ፡ ኣስዒባ፡ ብብዝሒ ብኤርትራውያን ዝቐርብ ሕቶታት ዑቕባ፡ ድሕሪ ምውላድን ምጥርናፍ ስድራ ቤትን ካልኣዊ ሕቶታት ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኣብታ ሃገር ንነዊሕ እዋን ዝጸንሑ ኤርትራውያን ክሰርሑ ክፍቀደሎም ከምዘለዎ ኣስሚራትሉ።
እዚ ኣብ ቀረባ እዋናት ዝተራእየ ለውጥታት፡ ኣብ ኣባላት ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ስክፍታታት ከምዘኸተለ ውን ክፍለጥ ተኻእሉ ኣሎ። ብመሰረት ፌደራላዊ ካቢነ ሚኒስተራት ኮንፈደረሽን ስዊዘርላንድ፣ ናይ ዑቚባ ሕቶኦም ዝተንጽገ ኤርትራውያን፣ ናብ ሳልሳይ ሃገር ክለኣኹ ዝኽእሉ፣ ኣብኡ ምትእስሳር ምስ ዝህልዎም ጥራይ ከምዝኾነ ይጥቀስ። እቲ ቤት ምኽሪ ወሲኹ ነዚ ናይ ፈተነ ፕሮጀክት ንምዱጓም ሕጋዊ መሰረት ከምዘየለ ኣፍሊጡ።