መእተዊ:
ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ስትራተጂካዊ ኣቀማምጣ እትርከብ ኤርትራ፡ ምስ ቻይናን ሩስያን ሽርክነት ኣብ ምድልዳል ዘላ ትመስል። እዞም ዝምድናታት ብዝተፈላለዩ ጂኦፖለቲካዊ ረቛሒታት ዝቕረጹ ኮይኖም፡ ስትራተጂካዊ ረብሓታት፡ ተበጻሕነት ሃብቲ፡ ዞባዊ ምርግጋእን ዲፕሎማስያዊ ምትእስሳርን ዘንጸባርቑ እዮም። ኣብዚ ጽሑፍ እዚ፡ ንሽርክነት ኤርትራ ምስ ቻይናን ሩስያን ዝድርኹ ጂኦፖለቲካዊ ኣተሓሳስባታት ብምድህሳስ፡ ትርጉም ናይዞም ምሕዝነታት ክንዝቲ ኢና።
ጂኦፖለቲካዊ ረቛሒታት ምሕዝነት፤
- ስትራተጂካዊ ረብሓታት፡- ሰለስቲአን ወገናት -ቻይናን ሩስያን -ኣብቲ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ስትራተጂካዊ ረብሓታት ኣለወን። ኤርትራ ኣብ ጥቓ ኣገደስቲ ኣህጉራዊ መስመራት መራኽብ ምህላዋን፡ ኣፍደገ ኣፍሪቃ ክትከውን ዘለዋ ዓቕሚን፡ ንቻይናን ሩስያን ብስትራተጂካዊ መዳይ ትርጉም ዘለዋ ይገብራ።
- ተበጻሕነት ሃብቲ፡- ኤርትራ ከም ማዕድናት፡ ከምኡ’ውን ኣብ ባሕሪ ዘይተጠቕመሉ ዕቑር፡ ክቡር ጸጋታት ትውንን። ቻይናን ሩስያን ከም ዓበይቲ ተጠቀምትን ኣፍረይትን ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ መጠን፡ ቁጠባዊ ድሌታተን ንምምላእ፡ ነዚ ሃብቲ እዚ ኣብ ምምዝማዝ ፍሉይ ረብሓ ኣለወን።
- ጸረ-ሚዛን ንጽልዋ ምዕራባውያን፡- ኤርትራ ምስ ቻይናን ሩስያን እትገብሮ ሽርክነት፡ ምሕዝነታታ ምስዘን ክልተ ሃገራት ብምድልዳል፡ ኣብ ምዕራባውያን ሓይልታት ዝህልዋ ቀጠባዊ ይኹን ካልእ ትጽብታት/ጽግዕተኛነት ንምንካይን መገዲ ዝፈጥር ኢዩ። ኤርትራ ምስዞም ኣማራጺ መሻርኽቲ ብምትሕብባር ካብ ምዕራባዊያን ሃገራት ክመጻ ዝኽእል ቁጠባዊ ጸቕጢ ንምእላይ ትበቅዕ። ብፍላይ ድማ፡ ኤርትራ ካብቲ swift ዝፍለጥ ስርዓተ-ርክክብ ባንክታት ተገልላ ምሃላዋ፡ ምስ ቻይናን ሩሳያን እትፈጥሮ ዝምድና፡ ምስቲ ኣብዚ እዋን ዝቀላቀል ዘሎ ሓድሽ ዓለማዊ ስርዓትን ግጁለ ብሪክስን ብምዝማድ፡ ብሰንኪ እቲ እገዳ ካብዝህልዋ ፋይናንሳዊ ጾር ክትገላል ወይ ድማ ነቲ ጾር ከተፋዂስ ይሕግዛ።
- ዞባዊ ምርግጋእን ጸጥታን፦ ቻይናን ሩስያን ኣብቲ ብግርጭታትን ጸጥታዊ ብድሆታትን ዝልለ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምርግጋእ ኣብ ምዕቃብ ብጽሒት ኣለወን። ኤርትራ ምስ ሱዳን፡ ኢትዮጵያን ጅቡትን ዝዳወብ ኣቀማምጣ፡ ቻይናን ሩስያን ኣብ ዞባዊ ጸጥታዊ ተበግሶታት ክዋፈራን፡ ረብሓታተን ንምሕላው ወተሃደራዊ መዓስከራት ክምስርታ ዝኽእላሉን ዕድላት ዝፈጥር ኢዩ። ኤርትራ ኣብቲ ንሂንዳውን ኣትላንቲካዊ ውቅያኖስ ዘራኽብ መትረብ ስዊዝ ዝተዶኮነሉ ቀይሕ ባሕሪ ምህላዋ፡ ኣገዳስነታ ዝዛየደ ኢዩ። ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ዝተረጋገአት ኤርትራ ምህላዋ ኣብቲ መዓልታዊ ልዕሊ 100 መራኽብ ዝመሓላለፋሉ ቀይሕ ባሕሪ ወሳኒ ኢዩ። ንመጻኢ እዘን ክልተ ሃገራት ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ክህልወን ንዝብህጋኦ ጽልዋ ድማ፡ ንኤርትራ ኣገዳሲት ይገብራ።
- ዲፕሎማስያዊ ምትእስሳር፦ ቻይናን ሩስያን ከም ቀወምቲ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት መጠን ልዑል ዲፕሎማስያዊ ጽልዋ ኣለወን። ደገፈን ንኤርትራ ፖለቲካዊ ምትእስሳር ብምሃብ፡ ረብሓታታ ከተስጉምን ኣብ ኣህጉራዊ መድረኻት ብፍላይ ድማ ኣብ ዞባዊ ዳይናሚክስ ጽልዋ ከተሕድርን የኽእላ። እዚ ብሕልፊ፡ ኤርትራ ካብ ሕብራት መንግስታት ኣመሪካ ክገጥማ ካብ ዝኽእል እገዳ ውሕስነት ይሂባ። ኤርትራ ብግደኣ ኣብ ውድብ ሕብራት ሃገራት፡ ኣንጻር ኣብ ልዕሊ ቻይና ይኹን ሩስያ ክግበር ንዝኽእል እገዳ ድምጺ ክትሂብ ውን ትኽእል። በዚ ምኽንያት ድማ ርኡይ ዝኾነ ሓበራዊ ዲፕሎማስያዊ ምትእስሳር ብምፍጣር፡ ክተሓጋገዛ ይኽእላ።
- ቁጠባዊ ምትሕግጋዝን ወፍርን፡- ኤርትራ ካብቲ ቻይናን ሩስያን ዝቐርብ ቁጠባዊ ምትሕግጋዝን ዕድላት ወፍሪን ክትጥቀም ባይታ ይጣጥሕ። ፕሮጀክትታት ትሕተ-ቅርጺ፡ ንግዳዊ ሽርክነት፡ ከምኡ’ውን ፋይናንሳዊ ሓገዝ ኣብ ቁጠባዊ ምዕባለ ኤርትራ ኣበርክቶ ዝገብሩን ንሓድሕዳዊ ቁጠባዊ ዕብየት መገድታት ክኸፍቱን ድማ ዕድል ይሂብ።
- ጽልዋ ኣብ ጉዳይ ኣፍሪቃ፡- ኤርትራ ምስ ቻይናን ሩስያን ዘለዋ ሽርክነት ኣብ ጉዳይ ኣፍሪቃ ዘለዋ ጽልዋ ከዕብዮ ይኽእል ኢዩ። Belt and Road Initiative ተባሂሉ ዝፍለጥ ፕሮጀክት ናይ ቻይና፡ ኣብታ ኣህጉር እናዓበየ ምህላዉ፡ ምስቲ ኤርትራ ኣብ ዞባዊ ፖለቲካ ዝያዳ ጎሊሑ ተራ ክትጻወት ዘለዋ ባህጊ ዝሰማማዕ ኢዩ። ብተወሳኺ ሩስያ ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዋ ታሪኻዊ ምትእስሳርን ጽልዋን ንኤርትራ ሰፊሕ መርበብ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታትን ዞባዊ ምትሕግጋዝን ክትረክብ ትኽእል እያ።
ምልውዋጥ ቴክኖሎጂ፡- ቻይናን ሩስያን ኣብ ቴክኖሎጅን ምህዞን ብዝረኸብኦ ምዕባለ ፍሉጣት እየን። ኤርትራ ምስዘን ሃገራት ዘለዋ ሽርክነት፡ ምልውዋጥ ቴክኖሎጂ፡ ምስግጋር ፍልጠት፡ ከምኡ’ውን መደባት ህንጸት ዓቕሚ ከመቻችእ ይኽእል ኢዩ። እዚ ድማ ኤርትራ ናይ ገዛእ ርእሳ ናይ ቴክኖሎጂ ጽላታት ንምምዕባልን ኣብ ውሽጢ ሃገር ምህዞታት ንምንቅስቓስን ክትተባባዕ ክድርኻ ይኽእል ኢዩ።
ምትሕብባር ጸጥታን ምክልኻልን፡- ኤርትራ ምስ ቻይናን ሩስያን ኣብ ዓውዲ ጸጥታን ምክልኻልን ምትሕብባር፡ ንዞባዊ ጸጥታዊ ብድሆታት ኣብ ምፍታሕ ዓቕማ ክሐይል ይኽእል ኢዩ። ሓባራዊ ወተሃደራዊ ልምምዳት፡ ምልውዋጥ ስለያዊ ሓበሬታ፡ ከምኡ’ውን ምቕራብ ምዕቡል ወተሃደራዊ ናውቲ፡ ድልውነት ምክልኻል ኤርትራ ከዕቢን ኣብቲ ዞባ ምርግጋእ ክህሉን ኣበርክቶ ክገብር ዘኽእል ኩነታት ውን ክፈጥ ይኽእል።
ኣሰላልፋ ኣብ ዓለማዊ ጉዳያት፡- ኤርትራ ምስ ቻይናን ሩስያን ዘለዋ ሽርክነት ኣብ ዓለማዊ ጉዳያት ንምስምማዕ ዕድላት ዝፈጥር ኢዩ። እዘን ሃገራት እዚኣተን መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ኣህጉራዊ ጉዳያት ተመሳሳሊ ኣረኣእያ ኣለወን፣ ከም ምጉስጓስ ንብዙሕ ቐጽርታት ዓለም፣ ምውጋድ ምትእትታው ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ካልኦት ሃገራት፡ ነቲ ከም ምዕራባዊ ልዕልና ዝቖጽርኦ እንኮ ቐጽራዊ ዓለም ምቅዋምን ኣብ ዝምኣመሰሉ ጉዳያት ምትዕርራይ ይፈጥራ። እዚ ኣሰላልፋ’ዚ ንድምጺ ኤርትራ ኣብ ዓለማዊ መድረኻት ክስማዕን ኣብ ዝተፈላለየ ጂኦፖለቲካዊ ጉዳያት ዘለዋ መርገጺ ከዕብዮን ይኽእል ኢዩ።
እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ብመንጽር ረብሓ ክኸውን ከሎ፡ ብግልባጡ ድማ እዚ ኤርትራ ምስ ቻይናን ሩስያን ትሃንጾ ዘላ ጥቡቕ ዝምድና ናቱ፡ ናይ ሓጽርን ነዊሕን እዋን ኣሉታዊ ሳዕቤን ኣለዎ። ንኣብነት ዝኣክል እዞም ዝስዕቡ ብድሆታት ምርኣይ ይከኣል።
ጂኦፖለቲካዊ ሳዕቤናት ናይ’ዚ ሽርክነት
- ነንበይኖም ረብሓታት፦ ዘመዓራርዮም ጉዳያት ክህልዉ ይኽእሉ እኳ እንተኾኑ፡ ረብሓ ኤርትራ ግን ኩሉ ግዜ ምስ ረብሓታት ቻይናን ሩስያን ምሉእ ብምሉእ ዘይመዓራረ ክኽውን ይኽእል። ዝተፈላለዩ ቀዳምነታት ሚዛን ምሃብን ፍሉይ ድሌታትን ስክፍታታትን ኤርትራ ምርግጋጽን ኣብቲ ሽርክነት ብድሆ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።
ስክፍታታት ሰብኣዊ መሰላት፡- ቻይናን ሩስያን ዘሰክፍ መዝገብ ሰብኣዊ መሰላት ዘለወን ሃገራት ኢየን። ንባዕላ ሕማቕ መዝገብ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ዘለዋ ኤርትራ ምስዘን ሃገራት ዘለዋ ጥቡቕ ምትእስሳር ብዛዕባ ናይ ገዛእ ርእሳ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ኣሰራርሓን ምስቶም ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ብዘለዎም ኣቀራርባ ዝንቀፉ ኣካላት ዘለዋ ምትእስሳርን ስክፍታታት ምልዓሉ ዘይተርፍ ኢዩ። እዚ ድማ ኣብ ኣህጉራዊ ዝና ኤርትራን ምስ ካልኦት ኣህጉራውን ዞባውን ትካላት ዝህልዋ ዝምድናን ክጸልዎ ይኽእል ኢዩ።
ቁጠባዊ ጽግዕተኛነት፡- ንቁጠባዊ ምትሕብባርን ወፍርን ኣብ ቻይናን ሩስያን ካብ መጠን ንላዕሊ ምጽጋዕ ጽግዕተኛነት ከስዕብ ይኽእል። ኤርትራ ኣብዞም መሻርኽቲ ካብ መጠን ንላዕሊ ንኸይትምርኮስን ንነዊሕ እዋን ዘላቕነት ቁጠባኣ ንምርግጋጽን ቁጠባዊ ዝምድናታታ ብጥንቃቐ ከተመሓድር የድልያ። እቲ ዝፍጠር ቀጠባዊ ጽግዕትኘት ድማ፡ ዘይትገመቱ ሳዕቤናት ከኸትል ይኽእል።
ውድድር ምስ ዞባዊ ሓይልታት፡- ኤርትራ ምስ ቻይናን ሩስያን እትገብሮ ሽርክነት፡ ኣብ ኣፍሪቃ ብዘለዋ ዞባዊ ሓይልታት ብዓይኒ ጥርጣረ ክረአ ይኽእል ኢዩ፡ ብፍላይ ነዚ ሽርክነት እዚ፡ ከም ብድሆ ንናይ ገዛእ ርእሰን ጽልዋ ኣብቲ ዞባ እንተ ተራእዩ፡ ናብ ምትህላልኽን ግርጭታትን ከምርሕ ይኽእል። በዚ ድማ፡ ነዚ ዳይናሚክስ ምምራሕን ምስ ካልኦት ዞባዊ ተዋሳእቲ ምትሕብባር ምዕባይን ንኤርትራ ብድሆ ይኸውን።
ጂኦስትራተጂካዊ ኣገዳስነት፡- ምናልባት ቻይናን ሩስያን፡ ኣብ ኤርትራ ወተሃደራዊ ህልውና እንተ ኣረጋግጸን፡ እዚ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራትን ዞባዊ ሓይልታትን ስክፍታታት ከልዕል ይኽእል ኢዩ። ኣብ መንጎ ምዕቃብ ጸጥታዊ ምትሕብባርን ምውጋድ ወጥሪ ኣብቲ ዞባን ሚዛን ምሕላው ድማ ረቂቕ ዕማም ክኸውን ይኽእል ኢዩ ንኤርትራ።
ፖለቲካዊ ምንጽጻግ፡- ኤርትራ ምስ ቻይናን ሩስያን እትገብሮ ዘላ ሽርክነት፡ ካብተን ምስዘን ሓይልታት ዝሓንከረ ዝምድና ዘለወን ከም ብዓል ሕ.መ.ኣ ዝኣመሰላ ሃገራትን ዞባዊ መሻርኽተንን ወይ ኣህጉራዊ ትካላት ነቐፌታ ወይ ምንጽጻግ ክስሕብ ይኽእል ኢዩ። እዚ ድማ ኣብ ገለ መድረኻት ወይ ኣብ ሓበራዊ መድረኻት ዲፕሎማስያዊ ብድሆታት ወይ ተነጽሎ ከስዕበላ ይኽእል ንኤርትራ።
ነዚ ብድሆታት ከተማሓድር፡ ኤርትራ ምስ ቻይናን ሩስያን ዘለዋ ሽርክነት ብጥንቃቐ ክትግምግሞን ክትጓዓዝን፡ ሃገራዊ ረብሓታታን ዞባዊ ዳይናሚክስን ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ምርግጋእን ናጽነታን ንምርግጋጽ ሚዛናዊ ኣካይዳ ክትሕሉ ከድልያ ኢዩ። ዲፕሎማስያዊ ልዑላዊነታ ብምሕላው፡ ኣብ ዞባውን ኣህጉራውን መድረኻት ሓደጋን ነቔፋትን ከስዕበላ ዝኽእል ኩነታት ከይፍጠር፡ ዘመዛዝን ፖሊሲ ክትኽተል ኣገዳሲ ኢዩ። እቲ በዳሂ ሕቶ ግን እዚ ሕጂ ኣብ ስልጣን ዘሎ ውድብ፡ ነዚ ዘኽእል ምትዕጽጻፍን ድልውነትን ኣለዎ ዶ ዝብል ኢዩ። ብተወሳኺ፡ እዞም ምስ ቻይናን ሩሳያን ዝፍጠሩ ሽርክነታት ዝህልዎም ረብሓታት፡ ንኤርትራ ከም ሃገር ዝህልዎ ናይ ነዊሕን ሓጽርን ግዜ ረብሓ፡ ከምኡ ድማ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ጥራይ ዝሂቦ ረብሓን ፈላሊኻ ምርኣይ፡ ንክሎም ሮቛሒታት ኣብ መቃን ዘእተወ ኣጠማምታ ክነማዕብል ይሕግዘና ኢዩ።
መደምደምታ:
ኤርትራ ምስ ቻይናን ሩስያን ዘለዋ ሽርክነት ብዝተጠናነጉ ጂኦፖለቲካዊ ረቛሒታት ዝድረኽ ኢዩ። ስትራተጂካዊ ረብሓታት፡ ተበጻሕነት ጸጋታትን ዞባዊ ምርግጋእን ተኽእሎታት መኽሰብ ክህቡ እንከለዉ፡ ኣብ ግምት ክኣትዉ ዘለዎም ጉዳያት ኣለዉ፡።
ሓደጋ ልዕሊ ዓቐን ጽግዕተኛነት (ናይ ቻይና ናይ ዕዳ መጻወድያ) ብድሆታት ምዕቃብ ዞባዊ ሚዛን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ጉዳያት ሰብኣዊ መሰላት ክህሉ ዝኽእል ሳዕቤናት ዕሽሽ ዝበሃሎ ኣይኮነን። ኤርትራ ኣብቲ ዝምዕብል ዘሎ ዓለማዊ መልክዕ ምስ ቻይናን ሩስያን ዘለዋ ሽርክነት ንምድልዳል ኣብ ትሰርሓሉ ዘላ እዋን፡ ኣብ መንጎ ዝለዓለ መኽሰብ ምዕባይን ምሕላው ሃገራዊ ረብሓን ሚዛን ምሕላው (maintaining a balance of interests) ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ። ካብ ቁጠባዊ ጽግዕተኛነት ሓራ ዝኾነት፡ ዲፕሎማስያዊ ልዑላውነታ (Diplomatic Autonomy) ዝሓለወት ሃገር ንኽትክወን፡ ዲፕሎማስያዊ ሚዛን ምሕላው ወሳኒ ኢዩ። ምስ ገለ ዓበይቲ ሃገራት ተሻርኽካ ምስ ገለ ድማ ኣብ ተጻብኦ ምእታዉ፡ ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ ኣርባሕቲ ኣይኮኑን።
Very Brilliant analysis, It is Really Something a media should do.
Your analysis is perfect one thing you missed is the protection of Eritrea for unnecessary sanctions in the security council.