ውድብ ሕብራት ሃገራት፤ ነታ አብ ወደብ ሑደይዳ የመን፡ ንዓመታት ካብ ስራሕ ወጻኢ ኮይና ዝጸነሐት መርከብ ነዳዲ ናይ ምምርማር ስራሕ ክጅመር ኢዩ። ነዛ መርከብ ዝምርምር ጉጁለ ክእላታት፤ ሶኒ ካብ ጅቡቲ ብምብጋስ ንስባሒቱ ሶሉስ ኣብ ወደባዊት ከተማ ሑደይዳ ክበጽሑ ትጽቢት ይግበር።
ብመሰረት ኒው ዮርክ ታይሚስ ዘስፈሮ ዜና፤ እቲ ናይ ምምርማር መስርሕ ዕዉት እንተኾይኑ፤ ነቲ ኣብ’ታ መርከብ ዘሎ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን በርሚል ነዳዲ፤ ናብ ውሕስቲ መርከብ ምስግጋር ክከኣል ኢዩ። እዚ ድማ ነቲ ካብታ መርከብ ከይስዕብ ተሰጊኡ ዝነበረ ላሕዂ ነዳዲ ክገትኦ እዩ።
እዛ FSO ዝተባህለት መርከብ፤ ኣንሳፋፊ መኽዘን ነዳዲ ኮይና ከተገልግል ዝጸነሐት ኮይና፤ ብሰንኪ ኣብ የመን ዝተላዕለ ውግእ ሓድሕድ ግቡእ ክንክን ክግበረላ ብዘይ ምኽኣሉ፤ ዝኸፈአ ላሕዂ ነዳዲ ከይተስዕብ ዓቢ ስግኣት ኣኸቲላ ጽኒሓ። እታ መርከብ ጽዕናቶ ዘላ ነዳ ኣርባዕቲ ዕጽፊ ናይ’ቲ ብ 1989 አብ ግዝኣት ኣላስካ ሕብራት መንግስታት ኣመሪካ ከምዝኾነ ኢዩ ዝሕበር።
ብላሕዂ ነዳዲ ናይ’ዛ መርከብ ዝጽለዋ አብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝርከባ ኤርትራ ትርከኣን ሃገራት ከምዝኾናን፤ ንዓመታት ከባቢያዊ ብከላ ከኸትል ከምዝኽእል ድማ ኢዮም ክእላታት ከጠንቅቁ ጸኒሖም ዘለው። በዚ ድማ እንስሳታት ባሕሪ፡ ገፈፍቲ ዓሳን አብ ገማግም ባሕሪ ዝናበር ህዝብን ከምዝጽለዉን፤ ንወደባት ውን ክጸሉ ከምዝኽእልን ውን ኢዩ ክፍራሕ ጸኒሑ ዘሎ።