ቀዳም, ጥቅምቲ 25, 2025

ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ሓገዝ ተምሪ ን መንግስቲ ኤርትራ አበርኪቱ

ብመሰረት ጋዜጣ ሳዑዲ ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ዘስፈሮ ዜና፤  King Salman Humanitarian Aid and Relief Center (KSrelief)  ዝበርከቶ ሓገዝ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፤ ብመንገዲ ኣብ አስመራ ዝርከብ ኢምበሳደር ናይ’ታ ሃገር ሳቅር ቢን ሱሌማን ኣልቁራይሺ፤  ንመንግስቲ ኤርትራ 50 ቶን  ተምሪ፤ ብመልክዕ ህያብ፤ ብሶኒ 29 ግንቦት 2023 ከምዘረክቦ ተሓብሩ። አብቲ ናይ ምርኽኻብ ስነ-ስዓት አባላት  King Salman Humanitarian Aid and Relief Center (KSrelief) ተረኽቦም ምንባሮም ውን እቲ ዜና የረድእ።

እቲ ሓገዝ እቲ ንግስነት ብመንገዲ KSrelief ንሓያሎ ኣሕዋትን ፈተውትን ሃገራት ንምድጋፍ ዝህቦ ናይ ረድኤትን ሰብኣዊ ሓገዝን ኢዩ። ብተወሳኺ ንግስነት ብመንገዲ KSrelief ንኣሕዋትን ምሕዝነታውያንን ሃገራት ንምድጋፍ ዝጻወቶ ሰብኣዊ ተራ ዝምስክር ከምዝኾነ ኢዩ እቲ አብ ጋዜጣ ሳዑዲ ዓረብ ዝተባህለ መርበብ ዝገልጽ።

ብ King Salman Humanitarian Aid and Relief Center (KSrelief) ኣብሉ መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ፤  ብተመሳሳሊ ምኽንያት ተመሳሳሊ ናይ 25 ቶን ተምሪ ሓገዝ ንቱርኪሚኒስታን ከምዝገበረት እቲ ዜና ይጠቅስ።

ተዛማዲ ትሕዝቶ

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ማሕበራዊ መራኸቢ

7,388FansLike
959FollowersFollow
27,800SubscribersSubscribe

ካልእ ኣበርኪቶ ጸሓፊ