ብመሰረት CGTN ብ 12 ግንቦት ዘውጸኦ ሓበሬታ፡ መራሒ መንግስቲ ኤርትራ፡ ፕ.ቻይና ብዝገበረሉ ዕድመ መሰረት፡ ብሰንበት 14 ግንቦት ናብ ቻይና ከምርሕ ኢዩ። ፕ. ኢሳይያስ ናብ ቻይና ኣብዝበጽሓሉ፡ ናኡ እንቛዕ ድሓን መጻእኻ ኣቀባብላን ድግስን ክገብረሉ ከምዝኾነ ውን ተፈሊጡ ኣሎ። ክልትኦም መራሕቲ ዝርርብ ክገብሩ ከምዝኾኑ ውን ተፈሊጡ ኣሎ።
ወሃቢ ቃል ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ቻይና፡ ኤርትራ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣገዳሲት ሃገር ምዃናን፡ ክልትአን ሃገራት ዝጸነሐ ዝምድና ከምዘለወንን ከምዝገለጸ ኢዩ CHTN ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ ዘሎ። ኣብ 2022 ክልትኦም መራሕቲ ዝምድና ናይ ኤርትራን ቻይናን ናብ ስትራትጅካዊ ምህዝነት ክብ ከምዘብለዎ ውን እቲ ጸብጻብ ኣዘኻኽሩ።
ምብጻሕ ፕ. ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ቻይና፡ ነቲ ኩሉ መዳያዊ ዓሙቕ ዝምድና ኤርትራን ቻይና ድፍኢት ክህለዎን፡ ንምሕዝነታዊ ክልተኣዊ ዝምድና ሃገራት፡ ሓድሽ ምዕባለ ንምጉኑጻፍ ከደንፍዕ ተስፋ ከምዝግበረሉ ኢዩ CGTN ዝሕብር።
እቲ ጸብጻብ ወሲኹ፡ ኤርትራን ቻይናን፡ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ካብ ዝንስሪታ እዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት መበል 30 ዓመት ከምዝኾነ ብምትቃስ፡ ክልተአን ሃገራት ሓድሕዳዊ ምትእሚማን ኣንዳ እዕሞቓ፡ ኣብ ተግብራዊ ዝኾነ ምትሕብባር ፍረ ዘለዎ ውጽኢት ክረኽባ ከምዝጸነሓን፡ ኣብ ኣህጉራዊን ዞባዊን ጉዳያት ድማ ስጡም ርክብ ከምዘጽናሓን ገሊጹ ንወሃቢ ቃል ሚንስተር ወጻኢ ጉዳያት ቻይና ብምጥቃስ።
ሚንስተር ዜና ኤርትራ ሚንስተር የማነ ገብረመስቀል ኣብ ትዊተር ብዘስፈሮ ሓበሬታ መሰረት፡ መራሒ መንግስቲ ኤርትራ ፕ.ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ሎሚ ስዓት 5:00 ድ.ቀ ናብ ቻይና ነቂሉ። ፕ.ኢሳይያስ ናብ ቻይና 4 መዓልታት ወግዓዊ ዑደት ከምዘካይድ ውን ተፈሊጡ ኣሎ።
ፕ.ኢሳይያስ ንኤርትራ፡ ንዝሓለፈ 3ተ ዑቁዳት ብፍጹም ውልቀ ምልካዊነት ዝገዝእ ዘሎ መራሒ ኢዩ። ፕ.ቻይና ሺ ጂፒንግ ድማ ካብ 2013፡ ነታ ብሕሱም ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት እትፍለጥ፡ ንምልዮናታ ተኸተልቲ እምነት ኢስላም ናብ መዳጎኒ መዓስከራት ኣእትያ ትረከብ ቻይና ዝመርሕ ዘሎ ኢዩ።