back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ዋጋ እኽሊ ብዓለም ለኻዊ ደረጃ ከምዝቀነሰ፡ ውድብ መግቢ ዓለም ጸብጽቡ

ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዘወጸ ጸብጻብ ውድብ መግብን ሕርሻን ዓለም ከምዘመልክቶ፡ ብምሰረት እቲ ውድብ ዝጥቅውመሉ መዐቀኒ፡  ዋጋ እኽሊ ፡ ምስ ኣብ ወርሒ ለካቲት ናይዚ ዓመት ዝነበረ ዋጋታት ብምንጽጻር፡ ኣብ  ወርሒ መጋቢት 2023  ብ5.6 ሚእታዊት ከምዝነከየ ይሕብር። እዚ ምንቁልቋል ብቐንዱ ብሰንኪ’ቲ 7.1 ሚእታዊት ምቅናስ ዘርኣየ  ዋጋ ስርናይ ከምዝኾነ ኢዩ ዝሕበር። ኣብ መንጎ እኽሊ ንሰደድቲ ዘቕርባ ሃገራት ሓያል ውድድርን እኹል ዓለማዊ ቀረብን ከምዝተራእየ ውን እቲ ጸብጻብ የብርህ። ነዚ ምውሳኽ ቀረብን ምቅናስ ዋጋ እኽሊን ዝደረኹ ሮቛሕታት ድማ፡፡ ኣብ ሚያዝያ 2023 ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ዝተራእየ ልዑል ግምታት ምህርቲን ዝሓሸ ኩነታት ኣእካልን ኣብ ኣውስትራሊያን ከምዝኾነ ኢዩ ውድብ መግቢ ዓለም ዝገልጽ።

ኣህጉራዊ ዋጋታት ሩዝ እውን ብ3.2 ሚእታዊት ከምዝነከየ ተገሊጹ፣ እዚ ድማ ኣብ ከም ህንዲ፣ ታይላንድን ቬትናምን ዝኣመሰላ ዓበይቲ ሩዝ ነሰደድ ዘቕርባ ሃገራት ዝሓሸ ምህርቲ ስለ ዝነበረን ክህሉ ውን ተሳፋ ስለ ዝግበርን ኢዩ። ዋጋታት ስገምን ሚሸላን ብ6.7 ሚእታዊትን 5.7 ሚእታዊትን ከምዝነከየ ክፍለጥ ከሎ፡ ኣብ ኣህጉራዊ ዕዳጋታት ዕፉንን ስርናይን ድማ ድኻም ከምዝነበረ ይሕበር።

ብተወሳኺ ጸብጻብ ውድብ መግቢ ዓለም፡ ኣብ ደቡብ ኣመሪካ ጽቡቕ  ኩነታት ቀውዒ ምባሩ፡ ዝበለጸ ምህርቲ ኣብ ብራዚልን ምስ ምንዋሕ ተበግሶ እኽሊ ጸሊም ባሕሪን ተደሚሩ፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት ዋጋ ዕፉን ዓለም ብ4.6 ሚእታዊት ከምዝነከየ ኣብ ጸብጻብ ኣስፊሩ ኣሎ።

ብሓፈሻ ኣብ መጋቢት 2023 ዓለማዊ ዋጋታት እኽሊ ምንካይ፡ ነተን እኽሊ ካብ ወጻኢ ዓዲገን ዘእትዋ  ሃገራት ገለ እፎይታ ክህበን ከምዝኽእል ውድብ መግቢ ዓለም ይእምት። ይኹን እምበር እቲ ኩነታት ካብ ሃገር ናብ ሃገርን ኣብ ዓይነት እኽልን ክፈላለ ይኽእል እዩ። ውድብ መግቢ ዓለም ዓለምለኻዊ ዕዳጋታት እኽሊ ምክትታልን ከም ኣድላይነቱ እዋናዊ ሓበሬታ ምሃብን ክቕጽል ከምዝኾነ ይሕብር።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
912ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles