back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ሚስጥር ጽሕፍቶና

ንዕድልና ዝዝውሮ መን’ዩ?

ዕድል፥ግንባር፥ጽሕፍቶ መብዛሕትና ኣብ ሂወት ንዘጋጥሙና ብርክት ዝበሉ ክስተታት እንገልጸሎም ቃላት’ዮም።በዓል ተረካቢ ዘረባ “ነስረዲን” ብዕድል ይኣምን እንተኾይኑ ምስ ተሓተተ ” ከመይ ደኣ”ይብል።”ከምኡ እንተዘይ ኮይኑ ደኣ ዓወት ዝጸልኦም ሰባት ካበይ መጺኡ ክብል?” ብምባል ይዋዘ።ናፖልዮን ቦናፖርተ ድማ “ካብ በሊሕ ወይ ቆራጽ ጀነራል ነየናይ ትመርጽ?” ምስ ተበሃለ ” ዕድለኛ እንተዝርከብ ምሓሸ” ከም ዝብል ይንገረሉ።

ንምዃኑ’ባ ዕድል ፥ግንባር፥ ዕጫ፥ጽሕፍቶ እንታይ ኢዩ?።ሓደ ሓደ ሰባት ኣዚና ዕድለኛታት ኢና ክብሉ ይስምዑ።ካልኦት ድማ ዕድል ሕቖኣ ከም ዝሃበቶምን መከረኛታት ከም ዝኾኑን ይዛረቡ።ከም  ኣዝዮም ዕድለኛታት ከም ዝኾኑ ዝዛረቡ ዕዉታትን ሕጉሳትን ሰባት፥ኩሉ ግዜ ኣማረርቲ ዝኾኑ ዕድል ኣልቦ ኢና እናበሉ ዝቑዝሙ’ውን ብዙሓት’ዮም።

እዚ ግን ከመይ ኢሉ ኮይኑ? ካብ ቁጽጽርና ወጻኢ ኮይኑ ኣብ ጎደና ሂወት ንዘጋጥሙና ነገራት ዝውስን “ጽሕፍቶ” ዝበሃል ነገር ኣሎ ድዩ?።እንተሎ ኸ ዓቕሙ ክሳብ ክንደይ ኢዩ?።ንምንታይ ኢዩ ኸ ነቲ ሓደ  ጃሕጃሕ ኢሉ እንክዘንብ ኣብቲ ሓደ ዘይኻፊ? ወይ እዚ’ውን ጉዳይ ጽሕፍቶ’ዩ?።

ናይዚ ናይ ጽሕፍቶ ነገር ብዝምልከት ንዘለዎ ኣረኣእያ ፥ ንመምህር ዩኒቨርሲቲ ኸርት ፎርድሻየር ፕሮፌሰር ዋይስማን ዘስደመመ’ዩ።ብዛዕባ ጽሕፍቶ ዝምልከት ዓሰርተ ዓመት ዝወሰደ ውጺኢት መጽናዕቲ’ውን ፥ “the lucky factor ,the scientific study of the lucky mind” ኣብ ዝተሰመየት መጽሓፉ ዕላዊ ጌርዎ’ዩ።ፕሮፌሰር ዋይስማን ነቲ ጉዳይ ብዕምቆት ንምርዳእ ፈተነታት ጌሩ’ዩ።ኣብዚ ፈተነ’ዚ ንገዛእ ርእሶም ዕድለኛ’የ ወይ ድማ ዕድል ኣልቦ’የ ኢሎም ንዝሓስቡ ሰባት ኣወዳዲሩ’ዩ።

እቲ ፕሪፌሰር ካብ ዝፈተሾም ነገራት እቲ ሓደ “ሎተሪ”ዩ። ውጽኢት ፈተንኡ ከም ዘረድኦ፥ ኣብ መንጎ ንዕጫ ሎተሪ ብምዕዋት ዕድለኛታት ኢሎም ዝሓስቡን ፥ዕድለኛታት ኣይኮናን ኢሎም ዝሓስቡን ዋላ ሓንቲ ፍልልይ ኣይተረኣየን።እዚ ውጽኢት’ዚ ትጽቢት ብዙሓት ስለ ዝኾነ ዘገርም የብሉን።ምኽንያቱ ድማ ንዕጫ ሎተሪ ዘውጽኦ ማሽን ዕጫታት ነቲ ቁጽሪ ብሃውሪ ( randomly) ስለ ዘውጽኦ ፥ኣብ መንጎ እቶም ዕድለኛታት ኢና በሃልትን ዕድል ኣልቦ ኢና በሃልትን ንዕዉታት ዕጫታት ኣብ ምርካብ ዋላ ሓንቲ ፍልልይ ክረአ ኣይክእልን’ዩ።

እቲ ፕሮፌሰር ኣብ ዝገበሮ ካልእ ፈተነ፥ሓደ ኣደናቒ ዝኾነ ክስተት ኣርኣየ።ኣብዚ ፈተነ’ዚ እቲ ፕሮፌሰር ንተሳተፍቲ እቲ መጽናዕቲ ጋዜጣ ብምዕዳል፥ኣብቲ ጋዜጣ ንዘለዉ ምስልታት ክፈቕድዎም ሓተቶም።ኣብ ካልኣይ ገጽ ናይቲ ጋዜጣ ግን ኣብ ፍርቂ ገጽ ብመልክዕ ምልክታ ኣብ ጎኒ ሓደ ስእሊ ብዓበይቲ ፊደላት ” ምፍቃድ ኣቋርጽ።ኣብዚ ጋዜጣ ዘለዉ ምስልታት ብዝሖም 43’ዩ”።

ብዘገርም ኩነታት መብዛሕትኦም እቶም ንነብሶም ዕድለኛ’ያ ኢሎም ዝገልጽዋ ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ሰባት ነዚ ጽሑፍ’ዚ ሪኦሞ’ዮም።ብርክት ዝበሉ ዕድለኛታት ኣይኮናን በሃልቲ ግን ነዚ ብዓበይቲ ፊደላት ዝተጸሓፈ ሓበሬታ ኣይረኣዩዎን። እዚ ተመሳሳሊ ሓበሬታ ድሕሪ ውሑዳት ገጻት’ውን ኣብ ካልእ ገጽ ሰፊሩ ኔሩ።ሕጂ’ውን ብርክት ዝበሉ ዕድለኛታት ኢና በሃልቲ ከስተውዕሉሉ እንከለዉ ፥መብዛሕትኦም እቶም ዕድል ኣልቦ ኢና በሃልቲ ሕጂ’ውን ከይረኣዩ ሓለፍዎ።ነቲ ምስልታት ቀልጢፍካ ፈቒድካ ምውዳእ ሽልማት ዘውህብ ኔሩ እንተዝኸውን ነቲ ሽልማት ዝዕወትሉ በዓል መን ከም ዝኾኑ ርዱእ’ዩ።

ነዚ ኣደናቒ ኩነታት ኣመልኪቱ ፕሮፌሰር ዋይስማን ከምዚ ይብል።”ሓደ ሓደ ዓይነታት ዕድል ፥ንኣብነት ሎተሪ፥ካብ ቁጽጽርና ወጻኢ ክኸውን እንከሎ ፥ ካልኦት ኣብ ሂወትና ዘጋጥሙና ዕድላት ግን፥  ኣብ ናይ ገዛእ ርእስና መዋቕር ስነ ልቦና ዝውሰኑ ኢዮም።ካብዚ ፈተነ’ዚ ብግልጺ እንርድኦ፥ ዕድለኛታት ኢና ኢሎም ዝሓስቡ ሰባት፥ ንከባቢኦም ብንቕሓት ብምክትታል ፥በዚ’ውን ከባቢኦም ዝቕርበሎም ዕድለኛ ኣጋጣሚታት ንምጥቃም ዝተዳለዉ ኢዮም።ብኣንጻሩ እቶም ዕድለኛታት ኣይኮናን በሃልቲ ኣብ ከባቢኦምን ዙርያኦምን ንዝርከቡ ክስተታት ጓናታትን ዕጹዋትን ስለ ዝኾኑ ዕድለኛ ኣጋጣሚ ዋላ ይቀረበሎም፥ ከይረኣዩዎ ወይ ድማ ከይረኸብዎ ከም ዘምልጦም ዘመልክት’ዩ።

ፕሮፌሰር ዋይስማን ንነብሶም ከም ዕድለኛ ኣብ ዝቖጽሩዋ ሰባት ዝገበሮ መጽናዕቲ ሓደ ሓደ ፍልይ ዝበሉ ባህርያት ኣስተውዒሉ’ዩ።ንኣብነት ካብ ካልኦት ብዝበለጸ ኣዝዮም ልዙባትን ተረዳዳእትን ፥ ካብ ጭንቀት ዝረሓቑ፥ ሓደስቲ ሓሳባት ንምቕባል ድሉዋትን ጽቡቕ ጎኒ ነገራት ዘስተውዕሉን ኮይኖም ረኺብዎም’ዩ።ብርግጽ ድማ እዞም ባህርያት እዚኣቶም ኣብ ከባብን ናብራን ንዘጋጥሙ ክስተታት ብንቕሓትን ብብሩህ መንፈስን ዝከታተል ባህሪ ስለ ዘጎናጽፉ ጽቡቓት ኣጋጣሚታትን ዕድላትን ንምስትብሃል ንቑሓት’ዮም።

መሰረታዊ ክስተት ዕድል ኣጋጣሚ ስለ ዝኾነ፥ ንገዛእ ርእሶም ዕድለኛ’ያ ኢሎም ዝሓስቡ ሰባት ብመንጽር ካልኦት ፥ ንቑሓት ተሳተፍቲ ናብራን ፥ንሂወት’ውን ብጽቡቕ ሸነኻ ዝጥምቱ ከም ዝኾኑ እቲ መጽናዕቲ የረድእ።እዞም ባህርያት እዚኣቶም ድማ ፥ንጽቡቕ ዕድል ዝህሉ ተኽእሎታት የስፍሕዎ።ምስዚ ብዝተኣሳሰረ  ዕድለኛታት ካብ ካልኦት ሰባት ብዝተዓጻጸፈ ሰሓቕትን ንገዛእ ርእሶም ዕድል ኣልቦ ኢና ኢሎም ካብ ዝሓስቡ ሰባት ብዝለዓለ ኣብ እዋን ዝርርብ “ምርእኣይ ዓይኒ ምስ ዓይኒ” ( eye contact) ከም ዝገብሩ ተፈሊጡ’ዩ።

መጽናዕቲ ፕሮፌሰር ዋይስማን ካብ ዕጫ ሎተሪ ወጻኢ ንዘለዉ ዕድላትና ኩሉ ስነ ልቦናዊ ይገብሮ።ስለዚ ድማ ዕድልና ኣብ ኢድና’ዩ ዘሎ ይብለና ፕሮፌሰር ዋይስማን።ንጽቡቕ ዕድል ዘለና ቦታ  ንምስፋሕ ድማ ሲዒብና እንሪኦም ኣርባዕተ መርሖታት ጠቐምቲ ኢዮም።

1 ኣጋጣሚታት ኣስፍሕ ወይ ድማ ኣብዝሕ፥

ዕድለኛታት ሰባት ንኣጋጣሚታት ምስትብሃል ኣድላዪ ምስ ዝኸውን ድማ  ምፍጣር ይኽእልሉ’ዮም።ነዚ ድማ ምስ ሰባትን ኩነታትን ብምቅራርብ ፥ መርበብ ርክቦም ብምስፋሕ ፥ ንሂወት ብዝተዛነየ መልክዕ ብምርኣይን ንኩነታት ርእሶም ክፉት ብምግባር ፥ዕድለኛ ዝኾኑ ኣጋጣሚታት ንምፍጣር መንገዲ የጣጥሑ።

2  ውሽጥኻ ዝነግረካ ስማዕ፥

ዕድለኛታት ሰባት ብጽሞና ብምስማዕ ውሳኔታት የሕልፉ።እዚ ጥራይ ዘይኮነስ ነዚ ውሽጣዊ ድምጺ ብዝበጸ ንምስማዕን ብቕዓቶም ንምድራዕን ብተመስጦ (meditation)ን ንኣእምሮ ካብ ዕግርግር ሓሳባት ብምንጻህ ተወሳኺ ጻዕሪ ይገብሩ፡፡

3  ኩሉ ግዜ ጽቡቕ በረኸት ተጸበ፥

ዕድለኛታት ሰባት ጽባሕ ካብ ሎሚ ዝሓሸት መዓልቲ ከም እትኸውን ርግጸኛታት ኢዪም።ከምዚ ዓይነት ሓሳብ ንገዛእ ርእሱ ዘዐውት ትንቢት( self fulfilling prophecy)  ብምዃኑ ፥ዋላ ኣብ ግዜ ጸገም ፥ካብቲ ጸገም ጽቡቕ ኣጋጣሚ ፈጢሮም ንኽጥቀሙ ምስ ነገራት ዘለዎም ዝምድና ብጽቡቕ ዓይኒ ንኽርእዩ ይገብሮም።ውጽኢት ናይዚ ድማ ብሩህ’ዩ።

4  ንሕማቕ ዕድል ናብ ጽቡቅ ዕድል ቀይሮ፥

ዕድለኛታት ሰባት ንዘጋጥሞም ጸገም መኪቶም እቲ ጸገም ንዝፈጠሮ ኣጋጣሚ ፥ስለ ዝሰልጠኑሉ ናብ ዝሓሸ ኣጋጣሚ ናይ ምቕያር ስነ ልቦናዊ ዝንባለ ኣለዎም።ንኣብነት ብዙሓት ዕድለኛታት ንዘጋጥሞም መከራ “ካብዚ ዝኸፍአ’ውን ክኸውን ይኽእል ኔሩ’ዩ” ኢሎም ብምሕሳብ ፥ ነቲ ዘጋጠመ ኩነታት ብጸጋ ተቐቢሎም ብኣንጻሩ ናብ ዝሓሸ ኣጋጣሚ ክቕይርዎ እንከለዉ ይረኣዩ።

ክቡራት ስድራ ሞዛይክ ባህሊ ፥ንስኻትኩም ከ ንምንታይ ……ይብል ነዚ መጽናዕቲ ዘካየደ ፕሮፌሰር ዋይስማን።ወይ ድማ ክትፍጠሩ ከለኹም ምስቶም ዕድለኛታት ዝበሃሉ ኢኹም።ርእይቶኹም ኣብ ቦታ ርእይቶ ኣቐምጡ።

ፕሮፌሰር ዋይስማን ኣብዚ መጽናዕቲ’ዚ ተመርኲሱ ጥበብ ዕድለኛነት ዘምህረሉ ቤት ትምብርቲ ከፊቱ ኣሎ።ውጽኢት መጽናዕቱ ዕድለኛ ንምዃን ቀንዲ ኢዮም ዝበሎም ኢሉ ካብ ዝጠቐሶም ፥ ጽቡቕ ምሕሳብ(optimism)ን እወታዊ ኣመለኻኽታን(positive thinking)ን ኢዮም።እዚኦም ድማ ኣብ ብርክት ዝበሉ መጻሕፍቲ “self help psychology” ተደጋጊሞም ዝተጠቐሱ ሓቅታት ስለ ዝኾኑ ብመንጽር’ዚ ናትካ መጽናዕቲ ዘምጽኦ እንታይ ሓድሽ ነገር ኣሎ? ኢሎም ዝምጉትዎ ኣይተሰኣኑን።መልሲ ፕሪፌሰር ዋይስማን ከምዚ ይመስል።

” እቲ መጽናዕቲ ንዝተጠቐሱ ሓቅታት ፥ ጽቡቕ ምሕሳብን እወታዊ ኣመለኻኽታን ፥ ከመይ ከም ዝሰርሕ ብግልጺ ዘርኣየ ኢዩ”።

ኣንገሶም ተስፋሚካኤል

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles