back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ብስእነት ዕድል ትምህርቲ ኣይተመኽኒ – ገዛእ-ነብስኻ ክትምህር ትኽእል ኢኻ

ኣብ ገለ ዘይተሓስበ መዓልቲ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣስተብሂልካሉ ዘይትፈልጥ ኣደናቒ ሓስብ ኣብ ኣእምሮኻ ቅጅል ይብለካ ይኸውን። ከምዚ ዓየነት ሓሳብ ክቀላቕለካ ከሎ ሱቕ ኢልካ ኣይተሕልፎ – ምኽንያቱ በዓል ኣርኪመዲክስን ኣይዛክ ኒውትንን፡ ብኸምዚ ኣገባብ ንዝመጽዎም ሓሳባትኣጥቢቕዕም ብምሓዞም’ዮም፡ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ዓቢ እወታዊ ጽልዋ ዘሕደሩ። ‘ዞም ሰባት ‘ዚኦም፡ ነቲ ስሩዕ ትምህርቲ ከይተጸበዩ፡ ባዕሎም ካብ ዘንቀድዎ ሓሳባትን ትዕዝብትን ብምብጋስ’ዮም ንነብሶም ምሂሮም፡ ንዓና’ውን ብሉጽ ህያብ ዘውረሱና። ንሕና‘ውን  ብኸምዚ ኣገባግብ ንዝመጹና ሓሳባት ብግቡእ እንተደኣ አአንጊድና’ዮም፡ ደርጃታቱን መጠን ጽልዋታቱን ብዘየገድስ ኣብቲ ዝተለምና‘ዮ ዘይንበጽሓሉ ኣብነት የለን።

ኣብዚ ቀንዲ ክትኮረሉ ተደልዩ ዘሎ ሓሳብ፡ በዚ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ ኣገባብ ንነብስኻ ከመይ ገይርካ ትምህር ዝብል ሕቶ’ዩ። ሱቕ ኢልካ ናይ ትምህርቲ ዕድል ብኻልእ ኣካል ክምጠወልካ ኣይተጸበ – ባዕልኻ ንባዕልኻ ብምምሃር ‘ቲ ትሓልሞ ክትረክብ ከም’ትኽእል ኣሚንካ፡ ንገዛእ’-ርእስኻ ኣብ ምምሃር ጥራይ ትኹረት ግበር። ኣብ ሕልምን ተስፋን ጥራይ ኣይትንበር፡ ግብራዊ ስጉሚ ውሰድ – ተመሃር – ዘለኻዮ ቁጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ መፈሳውን ባህርያውን ኩነታት ክቕይር ኣብ ዝኽእል ትምህርቲ ኣተኲርካ ስራሕ። ከምዚ ክበሃል ከሎ ግን፡ ነቲ ስሩዕ ትምህርቲ ትረኽበሉ ኣጋጣሚታት ጎኒ ንጎኒ እንዳካይድካ ክኸውን ኣለዎ።

ዝተመሃርካዮን ዝፈልጥካዮን ኩሉ ኣብ ግብሪ ከይተውዕሎ ኣይትኽእልን ኢኻ፡ ትገብሮ ዘበለ ኹሉ ግን ብርግጽ ትፈልጦ ኢኻ። ኣብ መወዳእታ ዕምርኻ፡ ካብቲ ሓሊምካዮ ዘነበርካን ብክለሰ-ሓሳብ ዝተመሃርካዮን ሓደ ዕስሪት ጥራይ ኣብ ግብሪ ከምዘውዓልካዮን፡ ‘ቲ ዝተረፈ ትሽዓተ ዕስሪት ግን ከምዘይተጠቀምካሉ ክስቆረካ ይኽእል’ዩ። እዚ ኹሉ ብኽነት ዝስዕብ ግን ንዘጋጠሙኻ ዕድላት ከይተጠቀምካ ብምትራፍካ ዝመጸ ጥራይ ዘይኮነ ፡ እንተላይ ‘ቲ ዝድለ ሓበሬታ ብዘይምርካብካ ዝሰዓበ ክኸውን ይኽእል’ዩ።

ካብ’ቶም ጠንቂ ሕጽረት ሓበሬታታት ድማ፡ ‘ቲ ዝድለ ተግዳስነትን ኣቓልቦን ብዘይምርኣይካ ዝስዕቡ’ዮም። ተግዳስነትካን ኣቓልቦኻን ከምቲ ህጻናት ሓደስቲ ነገራት ንኽፈልጡ ዘርእይዎ ህንጡይነት ክኸው ኣለዎ – ምኽንያቱ  ‘ቲ ተፈጥሮኣውን ሓቀኛን ህንጡዩነት እዚ ኣብ ህጻናት ዝርአ ህንጡዩት’ዩ። ህጻናት፡ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ’ዮም ከባቢኦም ዝድህስሱን ኣሽሓት ሕቶታት ዝሓቱን።  ከምኡ ስለዝኾኡ’ዮም ከኣ፡ ካብ ኣብ ዝኾነ ክሊ ዕድመ ዝርከብ ሰብ ንላዕሊ፡ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ኣዝዩ ብዙሕ ዘየነበሮም ተምክሮን ሓበሬታን ዝእክቡ። ብኸምዚ መልክዕ ህንጡዩነት እተአሕዲርካ ድማ በዞም ዝስዕቡ ኣገባባት ‘ቲ ዝድለ ለውጢ ክተምጽእ ትኽእል ኢኻ፦

ሀ. ምንባብ – ዝበዙሑ ዕውታት ሰባት ኣንበብቲ’ዮም፣ ከምዘንብቡ ዝድርኾም ድማ ኣብ ምፍላጥን ለውጢ ኣብ ምምጻእን ህጡያት ስለዝኾኑ’ዩ። ብዘምቁራጽ’ዮም ዘንብቡ። ካብ ናይ ገዛእ-ርእስኻ ተመኩሮ ክትመሃርን ገለ ፍልጠት ክትቀስምን ትኽእል’ኳ እተንኾንካ፡ ካብ ተምኩሮ ካልኦት ሰባት ዝርከብ ፍልጠት’ውን ኣብ ህይወትካ ዓበይቲ ለውጥታት ክተምጽእ ይሕግዘካ’ዩ። ምኽንያቱ፡ ማዕረ ’ቲ ኣብ ሓምሽተ ዓመት ክትረኽቦ ትኽእልይ ና ገዛእ-ርእስኻ ናይ ህይወት ተመኩሮ፡ ሓንቲ መጽሓፍ ብምንባብ ‘ቲ ዝድለ ፍልጠት ክትቀስም ትኽእል ኢኻ – ምኽንያቱ ኣብ ሓንቲ መጽሓፍ ናይ ሓምሽተ ወይ ናይ ዓሰርተ ዓመት ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይ ምሉእ ዘመን ተመኩሮ ህይወት ኣሽሓት ዕዉታት ሰባት ሰፊሩ ኢኻ ትረኽቦ። ከምዚኦም ዓይነት መጽሓፍቲ ተንብብ እተደኣ ኮይንካ፡ ነብሰ-ምትእምማን ከምተማዕብል ኣብ ርእሲ ዘሕድሩልካ ድርኺት፣ ወሳኒ፡ መዳሪ፡ መራሕን ጸላውን ከም’ትኸው ስለዘብቁዑኻው’ን ብሉጽ ስብእና ከምትሃጽ’ዮም ዝገብሩኻ።

‘ቲ ዘሕዝን፡ ከምዚኦም ዓይነት መጽሓፍቲ፡ ስማዊ ብዝኾነ፡ ወይ’ው ብጥሩሑ ኣብ ከባቢና ረኺብና ክነምብቦም ብዘይምኽኣልና፡ ኣብ ውሽጦም ንዝርከብ ቅዱስ ሃብቲ ከይተቛደስና ምትራፍና’ዩ። ከምዚ ንዝኣመሰለ ጸጋ ዘይምንባብ ብዋላ ሓደ ክምኽነ ኣይክእልን‘ዩ። ንዘይምንባብ ካብ ዝቐርቡ ልሙድ ምኽንያታት ሓደ ጻዕቒ ስራሕ’ዩ። ብዘይ ስራሕ’ሞ ህይወት’ውን መቐረት የብላን ጥራይ ዘይኮነ ብዓብዩው’ን ክትሰርር ዳርጋ ኣይትኽእልን‘ያ። ሰብ ናይ ግደን ክሰርሕ ኣለዎ። እተኾነ፡ ካብ ከምዚኦም ዓይነት መጽሓፍቲ ክኽዕበት ንዝኽእል መኽሰብ፡ ኣብ መዓልቲ 30 ደቒቕ ክውፊ ዘይኽእለሉ ኣብነት የለን – ሕመቕ እንተዘይኮይኑ። ኣብ መዓልቲ 30 ደቓቕ ኣነቓቓሕቲ፡ መበቆላዊ(Original)፡ በዳህት፡ ብቑዓት ናይ ህይወት መምሪሒታት ዝሓዙ መጽሓፍቲ ብምንባብ ንስራሕ ዝሕግዝ እምበር ፍጹም ዝሃሲ ኣይኮነን።

ለ. ነብስ-ወከፍ መዓልታት ተጠቐመለን – መዓልታዊ፡ ብዉሑዱ 30 ደቓይቕ ከየንበብካ ካብ ምውዓል ከይተመሳሕካ ምውዓል ይሓይሽ። ከምቲ ቅዱሳ መጻሕፍቲ፡ “ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ዝወጽእ ቃል እምበር፡ ብእንጀራ ጥራይ ኣይነብርን’ዩ” ዝብልዎ፡ ቃላት  ወይ ፍልጠት ብህይወት ምስ ምንባርና ዝተኣሳሰሩ ኣገደስቲ ባእታታት’ዮም። ሰብ ካብ ካልኦት እንሰሳታት ካብ ዝፍልዩዎ ዓበይቲ ረቛሒታት ሓደ፡ ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታቱ ቃላት ምጥቃሙ’ዩ። ከምቲ መግቢ ንኣካላታና ዝሃንጾ፡ ኣብ ህንጸት ኣእምሮና፡ ዝዓበየ ግደ ዘለዎም ቃላት’ዮም። ስለዚ፡ መግብን ቃላትን ኣብ ሓጎስናን ጥዓናናን ዘይትካእ ተራ’ዩ ዘለዎም ክበሃል ይከኣል። ከምቲ ዝድለ ዘይነንብብ እተደኣ ኮይንና፡ ኣእምሮና መኣዛታት ይጎድሎ’ሞ “ዕብራን ኣእምሮ” ይጋጥመና። ቀንዲ ፈውሲ “ዕብራን ኣእምሮ”  ምንባብ’ዩ – ብዉሕዱ መዓልትዊ 30 ደቓይቕ።

ሓቂ’ዩ ገለገለ ሰባት ከንብቡ ዝጽገሙ ኣለዉ፣ እዚ ማለት ግን፡ ኣእሞሮኦም ካብቲ ንቡር ስርሑ ኣቋሪጹ ወይ ደስኪሉ ማለት ኣይኮነን፣ እንታይ ደኣ፡ ካብቲ ትጽቢት ዝግበረሎም ንታሕቲ’ዮም ዘንብቡ ማለት’ዩ። ስለዚ ‘ቲ ቀንዲ ዕማም ምንባብ ደኣ እምበር ክንደይ ገጽ ኣንቢብካ ኣይኮነን። ከምዚ ክብሃል ክሎ ግን፡ ኣብ ዝተወሰነ ሰዓት፡ ኣብ ሞንጎ ብዙሕ ምንባብን ውሑድ ምንባብን ዘሎ ፍልልይ ኣብ ቦትኡ ፡ከሎ’ዩ – ምኽንያቱ፡ መዓልታዊ ሓደ መጽሓፍ ዘንብብ ሰብ፡ ኣብ ህይወቱ ከምጽኦ ዝኽእል ለውጢ ርኡይን ዓብን’ዩ። ‘ቶም ተንብቦም መጽሓፍቲ ድማ ህይወትካ ብኹሉ ኣንፈት ዝቕይሩ ክኾኑ ይግባእ – ስለዚ ትሕቶ ‘ቶም ተንብቦም መጽሓፍቲ ብዝተኻእለ መጠን ኹሉ ዓውድታት ዘጠቓልሉ እንተዘኾኑ ይምረጽ-(ጆግራፍ፡ ቁጠባዊ፡ መፋሳዊ፡ ሞራላዊ ስነ-ኣእምሮዊ፡ ታሪኽዊ፡ ፖሊቲካዊ ቴክኖሎጂካውን ካልእ ዕውድታትን ዝድህስሱ ክኾኑ ይምከር)።

ስለዚ ቀቀልጢፍካ ኣንብብ ኣይተንብብ፣ ሓፈሻዊ ናይ ምንባብ ጸገም ይሃልኻ ኣይላኻ፡ በዘየገድስ ሱቑ ኢልካ ኣንብብ። ኣብዚ፡ ክስመረሉ ዘለዎ ሓደ ነገር ኣሎ – ምንባብ ማለት ክቡር መዓድን ኣብ ዝርከቦ ቦት ኩዕታ ከም ምክያድ’ዩ ዝሕሰብ። እተኾነ፡ ብዙሓት ሰባት ንዘይምንባብ ምኽያታት ሃሰው ኣብ መባል’ዮም ዝሃልኩ። ‘ቲ ስሩዕ ትምህርቲ ወሲደ’የ፡ ወይው’ን እወስድ ኣለኹ ኢልካ፡ ካብ ምባብ ኣይትቆጠብ፡ ምኽንያቱ፡ ካብ ስሩዕ ትምህርቲ ፍሉጥን ምጡንን ውጽኢት ኢኻ ትረክብ። እተኾነ፡ ኪኖ ፍሉጥን ምጡንን ፍልጠትን ውጽኢቱን ሰጊርካ ናይ ምኻድ ዓቕሚ ኣለካ – አዚ ከኣ፡ ካብቲ ስሩዕ ትምህርትኻ ወጻኢ ብተካይዶ ምንባብ ኢኽ ክተኻዕብቶ ትኽእል።  ብኸምዚ ኣገባብ ኢኻ  ድማ ገዛእ-ነብስኻ ክትምህር ትኽእል።

ካብ’ቶም ተንብቦም መጽሓፍቲ፡ ደጋጊምካ ምስ ኣንበብካዮም ዝያዳ ዝምቅሩኻን ዝያዳ ዝርዱኡኻን ክህሉዉ’ዮም። ንበነት ብናፖሊዮ ሂል ዝተጻሕፈት Think And Grow Rich ትብል መጽሓፍ  ደጋጊሞም ምስ ኣንበብዎ ዝያዳ ዘስተማቐርዋ ሰባት ኣለዉ። እዚ ድማ ‘ምድግጋም ኣደ ጥበብ’ያ’ ንዝብል ኣበሃህላ ዘጉልሕ’ዩ። ጥቕሚ መጽሓፍቲ ኣጸቢቑ ምስተረድኣካ ፡ ዋጋ መጽሓፍ ዘይኮነ ከገድሰካ ክሳብ ክንደይ ክጠቕመካ ከምዝኽእል ኣብ ግምት አእቲ ኢኻ ትዕድግ። ንፉዓት ኣንበብቲ እምበኣር፡ ንሓከ መጽሓፍ ብዋጋኡ ዘይኮነ ብትሕዝቶኡን ብዝህቦም ጥቕምን‘ዮም ዝመዝንዎ።

ሐ. ወርትግ ኩለንተናዊ ዓቕምኻ ኣጎልብት – ገለ ሰባት ንይ ፊዚዮሎጂ ጥዕናዊ ጸገም ከጋጥሞም ከሎ ብእኡ ኣቢሉ ድማ ኩለንተናዊ(እተላይ ናይ ምሕሳብን ናይ ምግዛብን) ሓይሎም ይጎድል። ስለዚ፡ ንኣካላውን ፊዚዮሎኪካውን ጥዕናኻ ኣጥቢቕካ ክትከታትል ኣለካ ። እዚ ክትትል ‘ዚ ካብ ኣመጋግባ ክሳብ ኣክላዊ ምንቅስቓስ ዝምልከት’ዩ። ስለዚ፡ ማዕረ ማዕረ ‘ቲ ኣእምሮ ብስሩዕን ብዘይስሩዕን ኣገባብ ትምህርቲ ክተማዕብሎ ዘለካ፡ ንኣካላውን ፊዝዮሎጂካውን ጥዕናኻ ኣብ ምሕላው’ውን ጥንቁቕን ጽኑዕን ኣመጋግባን ስሩዕ ኣካላዊ ምቅስቓስን ከድልይካ‘ዩ።

ኣብዚ ነዚ ኣካልውን ፊዚዮሎጂካን ጥዓና እግረ-መንገና ኣልዒልናዮ እምበር፡ ‘ቲ ኣትኲራና ንርእዮ ዘለና ብዛዕባ መጽሓፍት ምንባብ‘ዩ። መጽሓፍቲ ሕላገት ስልጣነ‘ዮም። ዝበዝሐ ግዜ፡ ሰብ በቶም ዘንብቦም መጽሓፍቲ’ዩ ዝምዘንን መንነቱ ዝግለጽን – ስለዚ’ዩ ድማ እንታይ ከንብብ ከምዘለዎ ብጥቃቐ ክምርጽ ዘለዎ – ምኽንያቱ፡ ዝብርዝሐ ክፋል ኣተሓስባኡን መንነቱን ብዘንብቦም መጽሓፍቲ’ዩ ዝቕረጽ።

መ. ጽን ኢልካ ምስማዕ – ንዕዉታት ሰባት ጥራይ ዘይኮነ፡ ንዝወደቑን ዝጠፈሹን ሰባት’ውን ክትሰምዖም ኣለካ። ካብ ዕዉታት፡ ካብቲ እወታዊ ተመኩሮኦም ክትመሃር ከለኻ፡ ካብ ዝጠፈሹን ዝተዓንቀፉን ሰባት ድማ ካብቲ ኣሉታዊ ተመኩሮኦም ተመሃሪካ(ንሶም ኣብ ዝተኸተልዎ ስነ-ሓሳብን፡ ንስነ-ሓሳቦም ንዝደረኻ መጽሓፍትን ብዘይምትኳር) ንስኻ’ውን ብተመሳሳሊ መገዲ ከይትጥፍሽ ከይትዕቀፍን ናይ መጠንቀቕታ ደውል ክትሰምዕ ኢኻ። ምስማዕ፡ ብላዕሊ ላዕሊ ክርአ ‘ከሎ ቀሊል’ዩ ዝመስል። ብዙሕ ሰብ፡ ካብ ምስማዕ ምዝራብ ከምዝቐልሎ ኣይፈልጥ ‘ዩ። ናይ ምስማዕ ልምምድ እተደኣ ገይርካን መሊኽካዮን ግን፡ ካብ ዘይተጸባኻዮ ኩርናዕ፡ ዘይተጸበኻዮን ኣዝዩ ዝጠቕመካን ሓሳባት ክትሰምዕ ኢኻ። ዕዉት ሰብ፡ ኣብ ዝረኸብካሉ ኣጋጣሚ፡ ዝኸፈል መስዋእቲ ከፊልካን ክንዲ ዝህበካ ግዜ ውሲድካን ክትሰምዖ ኣለካ – ምኽንያቱ እታ ግዜ ሂቡ ዘዛራርበካ ሰዓት፡ ዝዓበት ህያብ ይብርከትልካ ከምዘሎ ተረዳእ።

ሰ. ተዕዝብታትካ ኣበርኽ(ኣስተብህል) – ካብ ትዕዝብትታትካ ጥራይ ብዙሓት ሓሳባትን ፍልጠትን ኣብ ኣእምሮኻ ክቀላቐሉ’ዮም – ዕዉታት ሰባት ኣብ ዝርከብሉ ቦታ ብምኻድ፡ ተዓዘብን ኣስተብህልን። ምኽንያቱ፡ ኣብኡ እወታዊ ስምብራት ዓወት፡ ብቐሊሉ ክትርኢ ኢኻ። ዕዉታት ሰባት፡ መዓልታዊ ደጋጊሞም ዘዝውትሩወን ነገራት ኣለዋ፣ ትኩር እተደኣ ኮይንካ ድማ ነዘም ዘደጋግምወን ነገራት ክተስተብህለለን ትኽእል ኢኻ። ትዕዝብትታትካ፡ ካብዛ ሕሞት ‘ዚኣ ክትጅምር ትኽእል ኢኻ – ይጽንሕለይ ዝበሃል ጉዳይ ኣይኮነን። ንትርኢት(Sight) ኣስተብህሎን(Insight) ግን ፈላሊኻ ክትርእየን ኣለካ – ብዓንኻ ክትርኢ ከለኻ፡ ጉኡዛት ነገራት ኢኻ ትርኢ፣ ብሓንጎልካ ክትርኢ ከለኻ ግን መልሲ ‘ቲ ብዓይኒ ዝርአኻዮ ክተስተብህለሉ ኢኻ። ስለዚ ዓይንኻን ሓጎልካን ኣወሃሂድካ ኣስርሓዮም። ንትርኢትን ኣስተብህሎን ብምዝማድ ዕዉት ግንዛብ ክትረክብ እተኾይንካ ከኣ፡ ኣብቲ ጉዳይ ዓሚቑ ትኹረት’ዩ ዘድልየካ – ኣብ ሞንጎ ሃጓፍ ከይትገድፍ ምጥቃቕ ከድልየካ’ዩ። እዚ ብቓላት ክተቐምጦ ቀሊል’ኳ እትንተመሰለ፡ ኣብ ግብሪ ክትውዕሎ ግን ብዙሕ ጻዕሪ’ዩ ዘድልዮ። ምኽንያቱ፡ ሰብ ምስ ውንኡ ክሳብ ዝህለወ፡ ኣእምሮኡ ዕረፍቲ ዝበሃል የብሉን – ኣብ ቀጻሊ ስራሕ’ዩ ዝጽመድ። ካብዚ ዘየቋርጽ ስራሑ ኣሊኻ፡ ኣብቲ ብዓይንኻ ትርእዮ ዘለኻ ጉዳይ ጥራይ ከምዘተኩር ንኽትገብሮ ኣበርቲዕካ ክትቃለሶ’ለካ።

‘ዘን ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሳ ምስ ኣማላእካ፡ ናብ ስራሕ ኢኻ ክትሰግር ዘለካ። ብመሰረት ‘ዞም ዝተጠቕሱ ኣገባባት ስራሕካ ክተሰላስል እንትኾይንካ ግን መደብ ስራሕ ከድልየካ’ዩ። ‘ዚ መደብ ስራሕ ከኣ ኣብ ወረቐት ክሰፍር ኣለዎ። ድሕሪ’ዚ’ዩ ድማ  ‘ቲ ኣብ ላዕሊ ዝረኸብካዮ ኩሉ ዓይነት ተመኩሮ ምርኩስ ገይርካ ስርሕካ ኣብ ባይታ ክተውርዶ ትኽእል። ‘ዚ ኩሉ ምድላዋት ገይርካ ግን ‘ቲ ዝመደብካዮ ስራሕ ናይ ግድን ኣብ ግብሪ ክተውዕሎ ኣለካ። ኣብ ግብሪ ክተውዕሎ እንተኾይንካ ድማ ብዘይ ተስፋ ምቕራጽን ብትኹረት ክትዓዪ ኣለካ(ንኣብነት፡ ‘ቲ ስራሕካ ቴለፎን ክትድውል ዘገድደካ እንተኾይኑ፡ ኣብ ብዙሕ ቦታ ብዙሕ ግዜ ደውል፣ ከምኡው’ን ገዛ ገዛ መዕጾ እንዳኳሕኳሕካ ዝዕዬ እንተኾይኑ፡ ኣብ ብዙሓት ገዛውቲ እንዳኸድካ ብዙሓት መዓጹ ኳሕኩሕ፣ ወ.ዘ.ተ.።) እዚ ኣብ መዓልታዊ ስራሕ ክተዘውትሮ ዘለካ ኣገዳሲ ተግባር’ዩ።

ነዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ነጥብታት መሰረት ገይርካ፡ ኣብቲ ዝድለ ዓወት ንምብጻሕ ‘ቲ ዝድለ ቀመር(Formula) ብቓላት ምቕማጡ ቀሊል’ዩ – “ቅቡል ሓሳብ ሒዝካ ብምሉእ ሓይሊኻ ግብሪ ኣውዕሎ” ‘ዩ ድማ ዝብል። ጽቡቓት ሕሳባት ሒዝካ ኣብ ግብሪ ዘይተውዕሎም እንትኾይንካ፡ በሊሕ ግን ድማ ድኻ ኮይንካ ኢኻ ትተርፍ። ትምህርትኻ ናብ ፍልጠት ጥራይ ዘመርሓካ እንተኾይኑ፡ በሃም ኢኻ ትኸውን፣ ትምህርትኻ ናብ ተግባር እንተምሪሑ ግን ‘ቲ ትደልዮ ሃብቲ ክተጥሪ ኢኻ።

ብጂም ሮን

ትርጉም ሩፋኤል ተስፋሚካኤል

 

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles