back to top
ሮቡዕ 22 ጥሪ, 2025

ኣሃዛት ኣይኮኑን፡ ሰባት’ዮም።

ካብታ ኣብ ታሪኻ ካብ መግዛእቲ ተላቒቓ ዘይትፈልጥ ኤርትራ፣ ስደት ሓድሽ ተርእዮ እኳ እንተዘይኮነ፣ኣብዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ዝተራእየ፣ዘይንቡር ፍልሰት ዜጋታታ ግን፣ነታ ሃገር ናብ ፍጹም ቅልውላው ዝሸመመን፣ ማሕበረሰብ ዓለም ዘዛረበን ክኸውን ኣኽኢልዎ እዩ።እዚ ንስድራቤታት ኤርትራ፣ናብ ፍጹም ጽንተትን ምብትታንን ዝዳረገ ዘይንቡር ፍልሰት’ ዚ፣ምንጩ እቲ ዋንነት ነብስኻ ኣሕዲጉ፣ሕልምኻን ራእይካን ከሎ ገና ቖጽዩ ፣ተስፋ መጻኢኻ ኣጸልሚቱ፣ርእሰ ተኣማንነትካ ኣጥፊኡ፣ንጥፍኣትን ሞትን ከም ምርጫ ክሳብ ትርእዮም ዝፈታተነካ፣ ኣብታ ሃገር ዘሎ ምሕደራ ፍጹም ውልቀምልክነትን ንሱ ዝኽተሎ ጨቋኒ ፓሊሲታትን፣ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን እዩ።

ንመንእሰይ፣ኣብ ክንዲ ክመሃር ፣ክመራመር፣ መጻኢኡ፣ብኡ ኣቢሉ ከኣ መጻኢ ሕብረተሰቡን ሃገሩን ከውሕስ ዕድል ምፍጣር፣ሃገር ኣብ ቀጻሊ ስግኣት ከምዘላ ዘምስል ፕሮፖጋንዳ እንዳጋዋሕካ፣ኣብ ገደብ ዘይብሉ ወተሃደራዊ ዕስክርናን፣ምዝመዛ ነጻ ጉልበትን ምእታው፣ እቲ ቀንዲ ምኽንያት ናይዚ ፍልሰት ምዃኑ እዩ ዝግለጽ።

ዓመታዊ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን፣ዶብ ብምስጋር ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ኢትዮጵያን ሱዳንን ይኣትው።ካብዚ ድማ ነቶም ኣብ ንግዲ ደቂ ሰባት ተዋፊሮም ዘለው ሰምሰርቲ ኣሽሓት ዶላራት ብምኽፋል፣ሰሃራን ማእከላይ ባሕሪን ተሳጊሮም ናብ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ክኣትው ይፍትኑ።

ኣብዚ ግዜ እዚ እዮም ከኣ ፣ዕጫ ሞትን ህይወትን ኣብ ቅድሚኦም ከምዘሎ እንዳፈለጡ፣ ካብ ሓርነት ዘይብሉ ሂወት ዝኸፍእ ከምዘየለ ብምድምዳም፣ ንሓደገኛ ጉዕዞ ሳሃራን ባሕርን ክጋፈጥዎ ዝመርጹ።

በዚ ከኣ ምድረበዳ ሰሃራ፣ቦታ ሕልፈትን ስቓይን ብዙሓት ኤርትራውያን፣ ብሓፈሻ ከኣ ቀንዲ ማእከል ንግዲ ኣካላት ወዲሰብ ኮይኑ ኣብ ታሪኽ ተመዝጊቡ ክሓልፍ እንከሎ፣ ማእከላይ ባሕሪ ከኣ ብኡ ንዝሓልፉ ትንፋሳት ናይ ርግጫ ግብሪ ምኽፋል ተተሓሒዝዎ ይርከብ።

ጥቅምቲ 3 2013 ግን፣ ማእከላይ ባሕሪ ፣ ንኤርትራውያን ዝሓተተቶ ግብሪ ሰፍ ዝብል ኣይነበረን።

ብዕለት 1 ካብ ሚስራታ ዝተባህለ መሬት ሊብያ ዝተበገሰት ጀልባ፣ ደጊም፣ውግእን ወረ ውግእን፣ ጭውያን ጥምየትን፣ ግፍዕን፣መግረፍትን፣ ጾታዊ ዓመጽን ከብቅዓሎምን፣ብሰላም ኣብ ዓዲ ሰብ ኣትዮም ንቡር ክረኽቡን፣ዝተመነዩ ዝበዝሑ ኤርትራውያንን ሶማላውያንን ዝርከብዎም ስደተኛታት ሒዛ እያ ተበጊሳ።

እታ ነዞም 80 ደቀንስትዮ፣ክልተ ካብኣተን ጥኑሳትን፣12 ህጻውንቲን ዝርከብዎም ልዕሊ 500 ዝኾኑ ስደተኛታት ሒዛ ዝተበገሰት ጀልባ፣ባህጎም ተረዲኣ ልኡኻ ብእምነት እተብጽሕ ክትመስል ክልተ መዓልቲ ክይድ ውዒላ ክይድ ምስ ሓደረት ግን፣ 3 ጥቅምቲ ኣብ ሰዓታት ወጋሕታ ፣ኣብ ማእከል ድቕድቕ ጸላም ዝወረሶ ባሕሪ ቂም ኢላ ደው በለት። ተሳፈርቲ ዝርእይዎ ዝነበሩ መብራህትታት ፣ ናይታ ካብኦም 800 ሜትሮ ጥራይ ርሒቓ ዝነበረት ደሴት ላምፔዱሳ ፣ተስፋ ስለዘስነቖም ፣ ደጋጊሞም እኳ ሞተር ከተስኡ ዝከኣሎም እንተፈተኑ ጀልባ ግን ፣ነቶም ሒዛቶም ዝነበረት ኣማኢት ትንፋስ ዝኸውን ጭላንጭል ተስፋ ተሳእና።ቅድሚ ምብጋሶም ፣ሒዞመን ዝነበሩ ተንቀሳቓሲ ቴሌፎናት ከምዝሕደጉ ስለዝተገብረ፣ናብ ዝኾነ ኣካል ጻውዒት ክገብሩሉ ዝኽእሉ ዕድል ኣይነበሮምን። ኣቓልቦ ኣብ ከባቢኦም ዘሎ ሓለዋ ባሕሪ ወይ ዝሓልፋ መራኽብ እንተረኸቡ ብምባል ከኣ ገለ ኮበርታ ስሒቦም ብምቅጻል ሃልሃልታ ሓዊ ፈጠሩ። እንተኾነ እቲ ፍታሕ ሒዙሎም እንተመጸ ኢሎም ዝፈጠርዎ ቁልዒ ሓዊ ንክፍሊ ኣካል ነዳዲ ናይታ ጀልባ ስለዝተንከፈ ፣ሓያል ባርዕ ተፈጥረ።እዚ ኩነታት ዘርዓዶም ገለ ካብቶም ተሳፈርቲ ነብሶም ንምድሓን ናብቲ ባሕሪ ክዘሉ እንከለው፣ ገለ ከኣ ናብ ሓደ ሸነኽ እታ ጀልባ ተጸግዑ። እታ 20 ሜትሮ ዝቑመታ 35 ተሳፈርቲ ጥራይ ክትሕዝ ዝግብኣ ልዕሊ ዓቕማ ዝተጻዕነት ጀልባ ግን ነዚ ከተመዛዝን ዓቕሚ ስኢና፣ ንእለት ቁልቁል ኣፋ ተገምጠለት። ኣብ ካልኢታት ዘይመልእ ግዜ ድማ ኩሎም ኣብታ ጀልባ ዝነበሩ ትንፋሳት ኣብቲ ሰፊሕ ዝዕምቆቱ ባሕሪ ኣትዮም ጨብረቕረቕ ክብሉ ጀመሩ ። እቶም ሓንቢሶም ዝኽእሉ፣ ነብሶም ንምድሓን ዝዓቕሞም ፈተነ ክገብሩ እንከለው፣ እቶም ዘይክእሉ ከኣ ነቲ ክውሕጦም ዝሸባሸብ ዝነበረ ባሕሪ ተቓውሞኦም ንምርኣይ ፈንጠርጠር ክብሉ ጀመሩ። ኣዴታት፣ ህጻናት ደቀን እንዳራኣይኦም ማይ ክውሕጦም ተዓዘባ።ከይንጠላለም ተባሃሂለን ቃልኪዳን ዝተኣታተዋ ኣእዳው ተፈላለያ፣ ዘየቋርጽ ኣውያትን፣ድምጺ ጨብረቕረቕታን።

በቲ ከባቢ ጀላብኦም ሒዞም ዝወፈሩ፣ገፈፍቲ ዓሳ፣ ሰዓት 6 ንግሆ ኣብቲ ቦታ ክበጽሑ ከለው ገለ ውሑዳት ደኺሞም አብ ጻዕሪ ሞት ዝነበሩ ትንፋሳት ረኺቦም ከድሕኑ ከኣሉ። አቲ ናይ ሂወት ኣድሕን ስራሕ ካልኦት ኣካላት፣ ተሓዊሶሞ ብዕቱብ ቀጸለ። እንተኾነ ካብዚኣቶም እቶም 155 ጥራይ ብሂወት ክድሕኑ ብምኽኣሎም፣እቲ ሬሳታት ናይ ምድላይ መስርሕ እቲ ዝዓበየን ዝኸበደን ኮነ።መዓልታት ድሕሪ ብዙሕ ጻዕሪ ከኣ ሬሳታት 366 ሰባት ተኣከበ።እቶም ሬሳታት፣ኣብ ሓደ ሰፊሕ ህንጻ ኤርፖርት ምስ ተገደሙ ግን፣ እቲ ንቡር መጸውዒ ኣስማቶም ተሪፉ፣እቲ ኣብ ሳንዱቕ ሬስኦም ዝተቐመጠ ኣሃዛት መጸውዒዖም ኮነ።እቶም ከም ዕድሚኦም ክጻወቱን፣ክዘሉን ዘይተዓደሉ ግዳይ ናይታ መዓልቲ ዝኾኑ ህጻናት ኣብ ፍሉይ ጸዕዳ ዝሕብሩ ሳናዱቕ፣ተዓሺጎም ብዕንበባታት ወቀቡ። እታ ቁጽሪ 92 ዝመጸውዒኣ ህጻን፣በቲ ክትጻወተሉ ዘይተዓደለት ንሬስኣ ዘድመቐ ሰማያዊ ክዳን ዝለበሰ ባንቡላ ልብን ዓይንን ሰብ ተቖጻጸረት ።

መቕርብ ግዳያት፣ ካብ ዝተፈላለየ ክፋል ዓለም ናብቲ ቦታ ወሓዙ።ልቢ ዝስንጥቕ ኣውያትን ዋይዋይታን ተጋውሐ። እቶም ውጻእ መዓት ናይታ መዓልቲ እዉን እንተኾኑ፣ሓዘን እቶም ዝተረፉ ብጾቶምን፣ ዝኽሪ እቲ ዘስካሕክሕ ፍጻሜን ኣብ ኣእምሮኦም እንዳተመላለሰ ከሳቕዮም ደኣ እምበር ብሂወት ምትራፎም፣ንዕድሎምን ንኣምላኾምን ከመስግኑ ዝድርኾም ኣይነበረን።

እቲ ህሞት ፣ ነቲ ጎድኑን ወዲ ሃገሩን ዝኸሰረ ኤርትራዊ ጥራይ ዘይኮነ ፣ ነታ መዓንጣ ዘይቆጸሩ ዕሸላት ኣብ ባሕሪ ጸንበለል ክብሉን፣ ዕትብቲ መዳሕንታ ምስ ዝወለደቶ ዕሸል ዝተተሓሓዘ ፣ንቡር ስኢና ኣብ ዕምቆት ባሕሪ ዝወለደት ኣደን፣ ዝረኣየት ዓለም ዘስካሕከሐ ፍሉይ ትራጀዲ ኮነ።

መራሕቲ ሃገራት ነዚ ጉዳይ ኣልዒሎም ክዝትዩ ተኣከቡ። ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝኽተልኦ ፓሊሲ፣ብ ትካላት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰል ኣዘራራቢ ኮነን ተነቕፈን ።ጥልያን ድሕሪ መዓልታት ጥልያን እቶም ሬሳታት ካብቲ ደሴት፣ ተላዒሎም ኣብ ከተማ ሲሲሊ፣ ኣብ ሓደ መካነ መቓብር ክቕበሩ ኣዘዘት። ድሕሪ ክልቸ ሰሙን ድማ ሰበስልጣን እታ ሃገር ኣብ ዝተረኽቡሉ ስነስርዓት ዝኽሪ ግዳያት ኣካየደትን፣ ባንዴራኣ ኣብ ፍርቂ ዘንጊ ብምስቃል 3 ናይ ሓዘን መዐልታት ኣወጀትን።ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሮም ኣባ ፍራንሲስ፣ምስ ላዕለዎት ካርዲናላት እታ ቤተክርስትያን ብምዃን፣ ናብቲ ቦታ ብምብጻሕ ሐዘኖም ገለጹን ጸሎት ፍትሐት ገበሩን። ሕብረት ኣፍሪቃን ገለ ሃገራት ኣፍሪቃን ውን ባንዴርኦም ኣብ ፍርቂ ዘንጊ ሰቐሉ፣ናይ ሓዘን መዓልታት ኣወጁ።

እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምምሕዳር ግን፣ እቲ ብሂወቶም ከለው ዘሕደጎም ሓርነትን ሰብኣዊ ክብርን ከይኣክል፣ መንነቶም ኣሕዲጉ፣ ዘይሕጋውያን ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ሓደጋ ባሕሪ ኣጋጢምዎም ዝብል ተራ ዜና ኣጋውሐ ። እቲ ንቡር ስነስርዓት ዝኽርን ደበስን ይትረፍ፣ ክሳብ እዛ ሰዓት እዚኣ ፣ ሬስኦም ናብ መሬት ዓዱ ክኣቱ ስለዘይተፈቕደ፣ንቡር ዕረፍትን፣ ሓመድ ዓዶምን ተሓሪምዎም ፣ ኣብ መኽዘናት ዓዲ ጓና ይርከቡ።

ዘስካሕክሕ መቕዘፍቲ ላምፔዱሳ፣ንኤርትራውያን፣ናይ ጥፍኣቶምን ሓዘኖምን መወዳእታ ኣይነበረን። እንሆ ክሳብ እዛ ዕለት እዚኣ ከኣ፣ዋሕዚ ስደትን፣ ዜና ህልቂትን ከምኡ ኢሉ ይቕጽል ኣሎ።

እንተኾነ ኣብዚ ግዜ እዚ ፣ ሃገራት ኤውሮጳ ነቲ ንስደተኛታት መሰል ዑቕባ ኣብ ምሃብ ዝኽተልኦ ዝነበራ ፓሊሲታት ዳግማይ ብምኽላስ፣ ተረርቲ ሕግታት የታኣታትዋን ዶባተን ብምዕጻዎ ፣ንሓይሊ ባሕሪ ሊብያ ዘድሊ ሓገዛት ብምድጓም ንመሬቶም ዝኣቱ ስደተኛ ከይህሉ ኣብ ምቁጽጻርን ፣ ኣብ እዋን ህጹጽ ሓደጋ ባሕሪ፣ ህይወት ኣብ ምድሓን ንዝነጥፉ ኣካላት ኣብ ምእጋድን ኣበርቲዔን ክሰርሓ ይርከባ

ነዚ ህልው ኩነታት ብምርዳእ እምበኣር ዝኾነ ሰብ ካብ ግዝያዊ ሽግር ንምህዳም፣ ካብቲ ንሂወትካ ናብ ሓደጋን ሞትን ኣቃሊዕካ ዝግበር ስደትን ጉዕዞ ማእከላይ ባሕሪን ክቑጠብ ነዘኻኽር።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,374ደገፍቲLike
754ስዓብቲFollow
22,500ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles