ኤርትራውያን ናይ ኣሰላልፋ ጸገም ኣሎና !
ኣብ ሃገርና ፡ ርኡይ ናይ ኣሰላልፋ ጸገም ኣሎ ። ብዙሕ ግዜ እዚ ዓንቃጺ ኣካይዳ’ዚ ስለ ዘሎ’ዩ ድማ ስራሕ ሓደ ተራ ዜጋን ስራሕ መንግስትን ኣብ ዘይፈሊ ሳጹን ኣቲኻ ኣብ ዘይቦታኻ ዕንክሊል ኣብ ምባል ዝርአ ። እንተኾነ ነዚ ጉዳይ’ዚ ካብቲ ከተረድኣሉ ትፍትን መገዲ ንላዕሊ ዝያዳ ከረድእ ዝኽእል ኣጋጣሚታት ስለ ዝኽሰት : ነቲ ትዕዝብቲ ክትዕድሎን ብቀሊል ክሓልፍን ዘለዎ ተኽእሎ ገፊሕ ‘ዩ :: ምስዚ ዝቐነየ ኩነታት ብምትሕሓዝ ሓሳበይ ከቐምጥ ክፍትን:: ንኺድ !
ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት ኢሰያስ ንኣርባዕተ ተኻታተልቲ ቃለ መሕተት ምካያዱ ይፍለጥ:: እቶም ኣድላይነቱ ዝተራእየና ዜጋታት ተዓዚብናዮ ኣሎና ። ሽሕ’ኳ ትሕዝቶታቱ ካብቲ ኣቐዲሙ ክብሎ ዝጸንሐ ዝፈሊ ነገር ተዘይነበሮ ንኣርባዕተ ግዜ ብምምልላስ ሓሳቡ ከቐምጥ ምፍታኑ ግን ምስቲ ኣቀቐዲሙ ሓንሳብ ኣብ ሞንጎ ሓንሳብ ንነዊሕ ከይተራእየ ክሃድሞ ዝጸንሐ ግዜ ኣነጻጺርካ እንታይ ዓይነት ስምዒታት ሒዙ ምንባሩ ክትርዳእ ዘጸግም ኣይነበረን ።
መጽሓፍየይ ምኽንያት ኢሰያስ እንታይ ኢሉ ብዝብል ነቲ ኣብዚ ዝሓለፈ ቃለ መሕተት ተዛረቦ ንምትንታን ዘይኮነስ ኢሰያስ ካብ ነዊሕ ብመገዲ ቃለመሕተቱ እንታይ’ዩ ክብል ዝደሊ ዝብል ካብ ኣባህላታቱን ኣጋላልጽኡን ዝብገስ ስምዒታት ብምውሳድ’የ ስምዒታተይ ከቐምጥ መሪጸ ። ኢሰያስ ከም ኩሎም መንግስትታት ሓደ ንኡስ ሓይሊ ብምሓዝ ነቲ ገዚፍ እኩብ ሕብረተሰብ ዝመርሕ ዘሎ ውልቀሰብ ኢዩ ። ሓደ መራሒ ሃገር ድማ ነቲ ዘሎ ሃገራዊ ግድላት መፍትሒ ይኸውን’ዩ ዝብሎ ሓሳብን ተግባራዊ ዕዮን ሒዙ ብምምጻእ’ዩ ናብ ህዝቢ ዝቐርብ ።
ኢሰያስ በንጻሩ !
ኣብ ነፍሲወከፍ ቃለመሕተቱ ነቲ ከም ጸገም ኮይኑ ዝረኣዮን ዝዛረበሉን ግድላት መፍትሒ ተሳኢንዎ ኢሉ’ዩ ከማርር ይረአ ።
ኣብዚ እቲ ብንቡር ክሓስብ ዝኽእል ርእሲ ዜጋታት ኣብ ስልጣን ድኣ እንታይ ክትገብር ተኾዲምካ ኣሎኻ ዝብል ግብረመልሲ’ዩ ንቦትኡ ከዛኻኽሮ ዝኽእል ሓሳብ ዝመጾ ። እንተኾነ ኣብዚ’ውን በንጻሩ ኢዩ ዘሎ ። ብዝኾነ ግን ካብ ኣዘራርባ ኢሰያስ እንታይ ኢና ንዕዘብን ክንዕዘብ ንኽእልን ?
ኣብ ሰውራ ኤርትራ ሓደ ልሙድ ኣካይዳ ኔሩ ።ንሱ ድማ ንሓለፍቲ ወይ ፈጸምቲ ኣካላት ጥራይ ዘይኮነስ ንኹሉ ተጋዳላይ ሓላፍነት ዘሰክም ኣጋባብ ኣካይዳን ኣዛራርባን ተጠቂምካ ዝኾነ ይኹን ሰብ ካብ ተሓታትነት ክሃድምሉ ዘይክእል ኣካይዳ ተቐምጥ:: እዚ ረቂቕ ሜላ ኣብ ውሽጢ ስምዒታት ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንሱ ዘይቆጻጸሮ ክንሱ ግን ድማ ክሕተተሉ ዝኽእል ብዘምስል ስልቲ ዝያዳ ውሽጡ ሓላፍነትን ንምጽዓን’ዩ ።
እዚ ኣካይዳ እዚ ኣብ ቃልሲ ኣድማዒ ውጽኢት ኔርዎ ። ኣድማዒ ክገብሮ ዘኽኣሎ ነገር እንተድኣ ኣሎ ድማ ኣብቲ ግዜ እቲ ንቃልሲ ዘቕንዐ ውድባዊ ኣካይዳ ድኣ እምበር ህዝቢ ዝመርሕ መንግስታዊ ትካል ስለ ዘይነበረ ኢዩ ።
ኢሰያስ ጽን ኢልና ምስ ንሰምዖ ሓደ ቃለ መሕተት ክገብር ዝመጸ መራሒ ሃገር ዘይኮነስ ሓደ ኣብ ኣኼባ ርኢትኡ ከቀምጥ ዝመጸ ዜጋ ኮይኑ ኢዩ ክቀርብ ዝፍትን ። ኣብ ኩሉ ቃለ መሕተቱ ድማ ከም ተራ ዜጋ ሓሳቡ ብምሃብ’ዩ ንዘሎ ጉድለታት ነቒፉ ዝምርቀፍ ።
ይገርም !
እቲ ዝጥቀመሉ ስልቲ ግን ቀሊል ስልቲ ኣይኮነን ። ኣብ ርእሲ ዜጋታት ብብዙሕ መገዲ ክንበብን ብዙሕ ስእሊ ክህብ ተባሂሉ ዝገብርን ዝድርበን ኣገባብ ኣካይዳ ‘ዩ ።
እዚ ዓይነት ኣገባብ እዚ ኢሰያስ ጥራይ ዝጥቀመሉ ኣገባብ ዘይኮነ ኣብ ትሕቲኡ ዝርከቡ ኩሎም ሰበስልጣን ዝኽተልዎ ኣገባብ’ዩ::
እዚ ባህሊ’ዚ ካብቲ መራሕን ተመራሕን ዝብሃል ነገር የለን ። ኩልና ሓደ ኢና፡ ዝብል ስነ ኣእምራዊ ሕጽቦን ፕሮፖጋንዳዊ ቅኒትን ዝብገስ ኮይኑ ቀጠፍቲ ዝሕብኡሉ ተኣፋፊ ሰፈር ኢዩ ።
ኣእምሮ ሓደ ህዝቢ በዚ ሓሳብ’ዚ ምስ ዝሕጸብ ክዓብን ተጠቃሚ ክኸውንን ዘለዎ ተኽእሎ ጸቢብ ኢዩ ።
ህዝብን መንግስትን!!
ሕብረተሰብ !
ብሕጽርን ቅልልን ዝበለ ኣገላልጻ ክኾነልና ሓደ ህዝቢ ብድምር ውልቀሰባት ዝቐውም እኩብ’ዩ ። እዚ እኩብ’ዚ ብብዙሕ ዝተፋላለየን ተማሳሳልን ድሌታት ዝቖመ’ዩ ። እዚ እኩብ’ዚ ግን ኣብ መዓልታዊ ሂወቱ ብዛዕባ እዞም እኩባት እዚኦም ምሕሳብ ዘይኮነስ ብዛዕባ ተራ ነብሱን ማሕበራዊ ሂወቱን ምሕሳብ’ዩ ስርሑን ሓላፍነቱን ። ስለዚ’ዩ ካብቲ እኩብ ዝወጸ ንኡስ እኩብ በቲ እኩብ ጥራይ ዝሓስብ ካልእ ዝያዳ ሓላፍነት ናይቲ ገዚፍ እኩብ ዝስከም ተሓታቲ ኣካል ዘድሊ ። እዚ ድማ መንግስቲ ይብሃል ።
መንግስቲ !
እዚ ብዝተፋላለየ መገዲ ማለት ብሓይሊ ይኹን ብምርጫ ናብ ስልጣን ክመጽእ ዝኽእል ሓይሊ’ዩ ::
ስርሑ ኸኣ ሓንቲ !
ስርሑ ብዛዕባ እቲ ህዝቢ ምሕሳብን ዘለዎ ግድላት ምእላይ ወይ መቅላል’ዩ :: (እዚ ኣብ ኤርትራ ንሓያለ ዓመታት ብኩራት ኣርእዩ ኣሎ )
ትንተና !!!
ሓደ መንግስቲ ወይ ገዛኢ ሓይሊ ካብ ተሓታትነትን ቀጥታዊ ነድራዊ ስምዒታት ህዝቢ ከምልጥ እንተኾይኑ ተማላላኢ ኣካይዳ ድኣ እምበር ሓላፍነት ዝስከም ፍሉይ ኣካል ከም ዘየለ ዘድምጽ ኣባህላታት ብምጥቃም’ዩ ነቲ ዘለዎ ጥቅምን ሓይልን ከይርአ ካልእ ስእልን ምስልን ኣብ ሕብረተሰብ ክንስንስ ዝፍትን። እዚ ስልቲ’ዚ ብዝተፋላለየን ኣድማዒ ተባሂሉ ተሓስበ ኣጋባብ ስለ ዝንዛሕ ነቲ ሕብረተሰብ ሓቂ ኮይኑ ክረኣዮ ናብ ዘኽእል መገዲ’ዩ ዘውድቆ ።
ነዚ ጉዳይ እዚ ውልቀሰባት ድኣ’ምበር ኩሉ እቲ ሕብረተሰብ ብዓሚቅ ትዕዝብቲ ድሌትን መስርሕን ናይቲ ገዛኢ ሓይሊ ብእኩብ ርድኢት ክበጽሖ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚ ኣይረኣይን ። ስለዚ’ዩ ኣብ ብዙሓት ካልኦት ሃገራት ከይተረፈ ብተማሳሳሊ እቲ እኩብ ገዚፍ ሕብረተሰብ በቲ ንኡስ ገዛኢ ሓይሊ ዝዕድሎ ስምዒታት ተዋሒጡ ብምርጭኡ ኣብ ማሕለኻ ንኡስ ሓይሊ ዝወድቅ ። (ዲክታተር ይፍጠር)
ሓደ ሕብረተሰብ ኣብዚ ጸወታ እዚ ምስ ዝውሓጥ መን እንታይ ክገብር ይግበኦ ክዕቅን ዘኽእል መትኑ ብቱኽ’ዩ ። ንገዛርእሱ ክድንገጸሉ ዝግብኦ ክነሱ ንኽድንገጸሎም ዘይግብኦም ክድንግጽ ይረአ :: ክድንግጽ ስለ ዝፍትን መን’ዩ ናይዚ ጉዳይ እዚ በዓል ጉዳይ ብምባል ብልክዕ ከቀምጥ ኣብ ዘይክኣል ኩነታት ስለ ዝወድቕ ናብ ካልእ ዝመጥጥ መገዲ’ዩ ዝውሓጥ ። ብሕጽር ዝበለ ሓንቲ ድኻን ደቃ ዝሰኣነትን ኣደ ንኢሰያስ ክትድንግጸሉ ዘኽእል መገዲ ይጣጣሕ ። ብኻልእ ኣዘራርባ እዚ ማኒፕላስዮን ይብሃል ። ሓደ ኣቦ ውን ከምኡ ። ንሱ ኩሉ ዘይብሉን ስኡንን ክንሱ ብዕርቃን ድኽነትን መራሒኡ ከስቆርቁር ዘኽእል ስእልን ስምዒትን ከሕድር ዘኽእል ምስልታት ይዕደል።
እዞም ስሚዒታት እዚኦም ተሰከመ ህዝቢ ሓደ መንግስቲ ከምኡ ውን ህዝቢእንታይ’ዩ ስርሖምን ጉቡኦምን ኢሉ ብፍሉይ መልሲ ክረክብ ዘኽእል ስምዒታቱ ሕጹር ‘ዩ ። ኣብ ኣቐዲሙ ምስ ሕልንኡ ብዝተኣሳሰር መገዲ ጌርካ ክጽቀጥ ተዋደደ ሓዲድ ስለዝጎዓዝ ፡ስርሑ ይኹን ስራሕ መንግስቲ ክፈሊ ኣብዘይክእል ዕኑድ ኣካይዳ’ዩ ዝወድቅ ። ( ሕጽቦ) ሓደ ህዝቢ ሓላፍነት’ኳ እንተሃለዎ ሓላፍነቱ ግን ድሩት ኢዩ።
ስርሑ ድማ ፍሉጥ!
ሓደ ህዝቢከምቲ ኣቐድም ኣቢልና ዝበልዮ ብድምር ውልቀሰባት ዝቀውም ገዚፍ እኩብ’ዩ ። ስርሑ ድማ ነቲ ኣቐዲሙ ተሳማመዐሉ ቀያዲ ሕጊ ብዝምርኮስ ኣካይዳ ተኸቲሉ ማዓልታዊ ውልቃዊ ማሕበራዊ ሂወቱ ዝማሓየሸሉ መገዲ ምጥጣሕ ኢዩ ። ህዝቢ ብዝተፋላለየ ኣራእያታትን ስምዒታትን ዝውንን እኩብ ሓይሊ ኮይኑ ኣብ ማዓልታዊ ማሕበራዊ ሂወቱ ፍታሕ ንምርካብ ነቲ ካብ ውሽጡ ብምውጻእ ንኡስ ኣቃውማ ፈጢሩ ብዛዕብኡ ክሓስብ ኣብ ስልጣን ዝርከብ መንግስቲ ኢዩ ዝውከስ ። መንግስቲንህዝቢ ተጠቃሚ ክኸውን ዝኽእለሉ መገዲ ምስ ዘይፈጥርን ዘየጣጥሕን ድማ ህላውነቱ ባዶሽ ኢዩ ።
ስለዚ ኣብ ኤርትራ እዚ ዓይነት ከቢድ ማሕለኻን ስነ ኣእምራዊ ሕጽቦን ስለዘሎ’ዩ እቲ መንግስቲ ተሓቲቱ ክምልሶ ዝግባእ ዜጋታት ከም ሃገራውነት ስለ ዝቆጽርዎን ከምኡ ዓይነት ስምዒት ክፈጥረሎም ስለ ተገብረ ንሕቶ መንግስቲ ውልቀ ሰባት ክምልስዎን ግብረመልሲ ክህብሉን ክፍትኑን ዝርአ ። (ፕሮፖጋንዳ ዝፈጥሮ ናይ ኣሳላልፋ ጸገም )
ሕቶ ዜጋታት !!!
1) ቅዋም ተግባራዊ ይኹን ፡፡
2) ሕብረተሰብ ካብ መንግስታዊ ድጎማን
ትጽቢታቱን ብምውጻእ ንቡር ማሕበራዊ ሂወት ዝጅምረሉ መገዲ ይፈጠር።
3) እሱራት ብንጹር ክስን ከሳስን ኣካል ናብ ቤት ፍርዲ ይቐርቡ።
4)ኣብ ሃገርና ሓታትን ተሓታትን ኣካል ዝንጽረሉ መገዲ ይፈጠር።
5) ውሕስነት ዜጋታት ካብ ኢድን ሕርያን ውልቀሰባት ብምውጻእ ብሕግን ሕጋውነትን ይዳነ።
ንዝብሉ መሰረታውያን ሕቶታት እቲ መንግስትን ተሓታቲን እቲ መንግስትን ተሓታቲ ኣካልን ክምልሶም ዝግባእ ሕቶታት ተራ ዜጋታት ኢዮም ብዘዝመስሎም ምኽንያታት እናሃቡ ኽሸፋፍንዎምን ከም ሙሉእ ኣፍልጦ ናይቲ ጉዳይ ዘለዎምን ተሓተትን ግብረመልስታት ክፈጥርሎም ዝፍትኑ ።
ልክዕ’ዩ እቶም ዜጋታት እቲ ነዚ ዓይነት ግድላት ክምልሱ ከለዉ ዝስምዖም ስምዒት ካብ ሓልዮት ሃገርን ሃገራውነትን ዝብገስ ዝመስሎም ወኒ እኮ እንተኾነ እቲ ስምዒት ግን ኣቀዲሙ ነዚ ስምዒት እዚ ክፍጠር ብዝተዋደደ መገዲ ተፈጥረ ኢዩ ።
እዚ ዓይነት ቅኒት ድማ ስርሑን ስራሕ ካልኦትን ብዕቱብ ከለሊ ዘለዎ ተኽእሎ ከቢድ ኢዩ ። ንሓንቲ ሃገር ድማ ዓቢ ሃጋፍን ከቢድ ተጽዕኖን ኢዩ ።
እምብኣር ኢሰያስ ! ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቃለ ምሕተቱ ንጉድለታት መንግስቲ ከም ድኻም ካልኦት ክኸስስ ዝድርኾ ምኽንያት ነዚ ኣእምሮ እዚ ወርትግ ንምምጋብ ኢዩ ።