ኲናትን ሰላምን ዝነጻጸሉ ኣይኮኑን። መወዳእታ ናይ ኩሉ ኲናት ምኩሕኳሕ ማዕጾ ሰላም’ዩ። ኣርዓድትን ኣንቀጥቀጥትን ዝኾኑ ውግኣት መወዳእታኦም ኣዝዩ ዘስካሕክሕ እኳ እንተኾነ መፈጸምታኦም ሰላም ንምምጻእ’ዩ። ውጽኢቶም ሕማቕን ሓዘንን መከራን ውርደትን ድኽነትን ዝኾኑ ውግኣት ዘንበድብዱ ጽጋባታት ኣብ መወዳእታ ኣብ ትሕቲ ጽላል ሰላም ከጽልሉ’ዮም ዝደልዩ። ንሰላም ብዝጋምቤቲ ኣውዲቖም ብፈረስ ጽልኢ ዝጋልቡ ኩሎም መወዳእታኦም ምምሕጻን ኣፍደገ ሰላም’ዩ። ግን ግዜ ይሓልፎም’ሞ ካብ ሰላም ዝርከብ ማና ከስተማቕሩ ኣይክእሉን’ዮም። ንሰላም ተጨኒቕካ ተጣቢብካን ኣቀባጢርካን እንተዘይ ሒዝካያ ንምውናና ኣብ እትደልየሉ እዋን እናዝለቐት’ያ ትርሕቕ። ኣጽናትን ኣውዳምን ዝነበረ ኣዶልፍ ሂትለር ዘጎሃሃሮ 2ይ ኲናት ዓለም ድሕሪ 4 ዓመት ጠጠው በለ። ንሚልዮናት ቀቲሉ ውብ ሰልሚ ስቓይ ኣጥሒሉ ኣኽተመ። ጀርመን ውርደት ተጎልቢባ ተማረኸት። መራሕቲ ናዚ ሳጽዮምን ዓቢሮምን ብክሳዶም እናንተንጠልጠሉ ተኣረዩ። ስልጣነ ዘፍረዮም ነገራት ዓነዉ። ስለዚ ድማ ንሰላም ዝመልስ መሳርሒ ኣድለየ። ሰበ ስልጣን ናዚ ጀርመን ህርፋን ስልጣንን ሱሱዕ ሸውሃቶምን ኣጎምጂዎም ንዓለም እንተዘይ ገዚእናያ በሉ።
ካብ ሩስያ ክሳብ እንግሊዝ ንዘለዋ ሃገራት ኣውሮጳ ወረሩ። ኣብ ዝወረርወን ሃገራት ንዘለዉ ዜጋታት ብዘይ ንሕስያ ኣርገፍዎም። ኣፈናቐልዎም። ኣብ ቤተ ጋዝ እናእተዉ ኣምከኽዎም። እቲ ግዜ ንሰማይ ብእግርና እንተዘይ ዘቢጥናዮ ዝብልሉ ግዜ ስለ ዝነበረ ኣይፋልኩምን ንዝበሎም ዝሰምዕ እዝኒ ኣይነበሮምን። ኣብቲ ግዜ’ቲ ካብ ሂትለር ንላዕሊ መንግስቲ ዘሎ ኣይመሰሎምን። ብጀክኦም ካልእ ጅግና ብጀክኦም ካልእ ኪኢላ ኲናት ብጀክኦም ካልእ ጥበበኛን ሓያልን ዘሎ ኣይመሰሎምን። ስለዚ ሕልናኦም በደል ኣብ ልዕሊ በደል እናፈጸመ ከም ድላዩ ክኸውን ኣፍቀድሉ። መወዳእትኦም ግን ኣይጸበቐን። ብዘይካኦም ካልእ ሓያል፥ ካልእ ጅግና፥ ካልእ ሓየትን ጥበበኛን ከም ዘሎ ፈለጡ። ኣይኮነን ዶ ዝወረርወን ሃገራት ሒዞም ክጸንሑ፥ ሕጋዊት ንዝኾነት ሃገሮም ጀርመን ውን ከድሕንዋ ኣይከኣሉን። ኣይኮነን ዶ ንጀርመን ፥ ንነብሶም’ውን ከድሕኑ ዘይኽእሉ ኮኑ’ሞ ወዮም ሓርማዛት ኢና በሃልቲ ካብ ማንቲለ ዝንእሱ ኮይኖም ተረኽቡ። ንመሬት ንምርጋጽ ዝጽየፉ ዝነበሩ ሓመድ ኣብ ልዕሊኦም ተነስኒስዎም ብጭቃ ተለዋዊሶም ምሩኻት ኮኑ። ኣሳደድቲ ናዚ ተሳዳዶ ኮኑ። ወተሃደራቶም በቲኖም ብዝረኸብዎ ነዃል ዝሃድሙ ኮኑ። መእተውን መውጽእን ግን ጠፍኦም።
መሬት ክትጠልም ከላ ኣይረድ’ዩ። ብወተሃደራዊ ልብሲ ማዕሪጎም ፥ደረቶም ነፊሖም ብዓጀብቶም የማነ ጸጋም ተኸቢቦም ዝዕበዩላ ዝነበረት ጀርመን መሕብኢ ዝኸውን ባዓቲ ሰኣነትሎም። ኣይኮነን ዶ ተዛሪቦም ብጠመትኦም ጥራይ ዝድህሉ ዝነበሩ ሹመኛታት ጀርመን፥ ካብ ዝርእያኦም ዝነበራ እዒንቲን ዝሰምዓኦም ዝነበራ ኣእዛንን ንምህዳም የማነ ጸጋም በሉ። ዘርኢ እናፈለዩን ሕብሪ ዓይኑ ደስ ዘይበሎምን በዘይ ሕቶ ዘጨፍጭፉ ዝነበሩ ሰበ ስልጣን ናዚ ጀርመን ኣብ ቤተ ክርስትያን ከም ዝኣተወ ዕቡድ ከልቢ ዝሕብረሎም በዝሐ። ውሑዳት በደሎም ዝተሰወጦምን መውጽኢ የብልናን ዝበሉን ነብሶም ኣጥፍኡ። እቶም ዝበዝሑ ግን ሴፍ ሞት እናርዓዶም ኣብ ቅድሚ ጸላእቶም ተንበርከኹ። ኣብ ኢድ ዝነዓቝዎምን ዝጸልእዎምን ጸላእቶም ወደቑ። ካልኦት ንምቕታል ቱታ እናበሉ ዝፍክሩ ዝነበሩ ሰብ መዚ ናዚ ቀስቲ ኲናት ናብኦም ምስ ተገልበጠ ዓለም ሕርብት በለቶም። ምስ በርጌሳት ተመሳሲሎም ምስ ምሩኻት ተራ ወተሃደራት መሲሎም ንምህዳም ፈተኑ። ብዙሓት ብገበን ኲናት ዝደለዩ ዝነበሩ ግን ንሰዓርቶም ኢዶም ሃቡ። ብሃፈጽታ ኲናት ዝተለብለበት ዓለም ቁሩብ እፎይታ እኳ እንተረኸበት ነቲ ዕግርግር ምክልባትን ጥፍኣትን ዝፈጠሩ ገበነኛታት እንታይ ይኹኑ ዝብል ሕቶ ክለዓል ዝጀመረሉ ግዜ ግን ቅድሚ’ቲ ኲናት ምዝዛሙ’ዩ። ገሊኦም ኣብ ዝተረኸቡሉ ከም ዕቡድ ከልቢ ተቐጥቂጦም ይቀተሉ ክብሉ እንከለዉ ገሊኦም ድማ ኣብ ዘይሻራዊ መጋብኣያ ቀሪቦም ዓለም ጉዶም ፈሊጣቶ ተኸራኺሮምን ተማጒቶምን እንተዝውሰነሎም መምሃሪ ምኾነ በሉ።
እዚ ርእይቶታት እዚ ኣባላት ሃገራት ቃል ኪዳን ንዝኾና ኣሜሪካ ሕብረት ሶቬት ፈረንሳን እንግሊዝን ውን ኣዘራሪብወን’ዩ። ኣብ መጋብኣያ ቀሪቦም ከከም ገበኖም ክውሰነሎም ድማ ተሰማማዓ፡፡ ኲናት ምስ ተዛዘመ ድሕሪ 3 ኣዋርሕ ንጉዳይ ገበነኛታት ኲናት ናዚ ዝርኢ መገባኣያ ተመስረተ። “መጋብኣያ ኑረምበርግ” እናተበሃለ ዝፍለጥ መጋብኣያ ክሲ ናይ ፈለማ ክሱሳት ዝኾኑ 22 ገበነኛታት ንምርኣይ ተሰየመ።
ወተሃደራዊ ሓይሊ ጀርመን እናተዳኸመን እናተሰዓረን ካብ ትሕዝቶታቱ ክብንቆር እንከሎ ፕረዚደንት ሩዝቬልት ቀዳማይ ሚኒስተር ቸርችልን ቀዳማይ ጸሓፊ ስታሊንን ድሕሪኡ ክግበር ብዛዕባ ዘለዎ ነገር ተማኸሩ። ገበነኛታት ኲናት ናዚ ናብ ፍርዲ ክቐርቡ ተሰማምዑ። ብዛዕባ ናብ ፍርዲ ዝቐርቡሉ ኣገባብ ግን ዝተፈላለየ ሓሳብ ነበሮም። ቸርችርን ስታሊንን ኣብ ኲናት ስለ ዘለና ብገበን ኲናት ዝድለዩ ኣባላት መንግስቲ ጀርመንን መሪሕነት ሰልፍን ኣብ ዝተረኸቡሉ ክቕተሉ ድሌቶም ከም ዝኾነ ተዛረቡ። ፕረዚደንት ሩዝቬልት ግን ተኸሲሶም ኣብ መጋብኣያ ቀሪቦም ገበኖም ብዕሊ ተነጊሩ ብሕጊ ክቕጽዑ ከም ዘለዎም ሓሳቡ ኣቕረበ። ፕረዚደንት ሩዝቬልት ዕጫ ሰብ መዚ ናዚ ብመጋብኣያ ክውሰን ዝደለየሉ ምኽንያት ከረድእ እንከሎ “ቀዳማይ ብዝተረኸብዎ እንተደኣ ተቐቲሎም ፥ዓለም ዝሰርሕዎ ግፍዒ ኣይክትፈልጥን’ያ። ብጽልእን ከይተረጋገጸን ዝተቐተሉ ክመስል’ዩ። ካልኣይ ውልቀ መለኽቲ ዝፍጽምዎ ኣስካሕካሒ ፍጻመ ህዝቢ ንክመሃረሉ ይጠቅም’ዩ ዝብል ነበረ። ኢንግሊዝን ሕብረት ሶቬትን መጥቃዕትን ወራርን ጀርመን ኣዝዩ ዝሃሰየን ስለ ዝኾና ዘሕለፍኦ ስቓይ ብቀጥታ ናብ ቅትለት ዝብል ውሳነ እንተመርሐን ዘገርም ኣይኮነን። ሃልሃልታ ኲናት ናዚ ጀርመን ከምአን ዘይለብለባ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ጀርመናውያን ፍርዲ ይወሃብ ዋላ’ኳ እንተበለት መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ዝፈጸመትላ ጃፓን ግን ቦንባ ኒኩሌር ካብ ምዝናብ ኣይመለሳን። በዚ ኮይኑ በቲ ቸርችልን ስታሊንን ብሓሳብ ሩዝቬልት ተሰማምዑ።
ቅድሚኡ ኣህጉራዊ ዝኾኑ ገበነኛታት ኲናት ዝፍረድሉ መጋብኣያ ተሰይሙ ኣይፈልጥን’ዩ። ዳያኑ ብኸመይ ይረቑሑ ኣብ ዝብል መኸሩ። እንግሊዝ ፈረንሳ ሕብረት ሶቬትን ኣሜሪካን ከክልተ ዳያኑ ከዋጽኣን ኣካብነት ናይቲ መጋብኣያ ድማ ንእንግሊዝ ተወሃበ። ዋና ኣኽባርነት ሕጊ ንኣሜሪካ ኮይኑ ኩለን ሃገራት ተሓጋጋዚ ኣኽባሪ ሕጊ ሰየማ። መጋብኣያ ዝረኣየሉ ገበን ኣብ ዝተፈጸመላን ሰልፊ ሶሻሊስት በዓል ሂትለር ኣብ ዝተመስረተላን ከተማ “ኑረምበርግ” ክኸውን ተሰማምዑ። ሰብ ሞያ ሕጊ ንገበነኛታት ኲናት ከመይ ብዝበለ ጥፍኣት ከም ዝሓትዎም ኣጽኒዖም “ቻርተር ሎንደን” ዝብልዎ ሕጊ ደንገጉ። እቲ ክሲ ገበን ኲናት ኣብ ልዕሊ ውልቀሰባትን ትካላትን ክምስረት ኣብ ስምምዕ ተበጽሐ። መንግስቲ ሂትለር ንዝፈጸሞ ገበን መጋበርያ ብምዃን ዘፈጸሙ ትካላትን መራሕተንን ከም ዝሕተቱ ተደንገገ።
ክሱሳት ክሲ ዝምስረቶም ኣብ ሰለሰተ ፍጻመታት ገበን ዝተሳተፉ እንተ ኾይኖም’ዮም። ቀዳማይ ሰላም ብምዝራግ ነዚ ‘ውን ትልሚ ኣውጺእካን ተዳሊኻን ኣብ ልዕሊ ሉኡላዊት ሃገር ወራር ምፍጻም ወይ ድማ ብኲናት ኣህጉራዊ ስምምዓት ናይ ምጥሓስ ገበን፥ካልኣይ ብሕጊ ኲናት ወይ ድማ ብልማድ ዝስራሕ ሕጊ ዝጎሲ ገበን ኲናት፥ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባትን ምሩኻት ኲናትን ዘይግባእ ተግባር ምፍጻም። ሳልሳይ ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ዝፍጸም ገበን። ንሰላማውያን ስባት ብፖለቲካ ብሃይማኖት ብዘርኢ ፈሊኻ ምቕታል ብባርነት ክተሓዙን ካብ ሃገር ብምስጓግ ገበን ዝተሳተፉ ክኽሰሱ ተወሰነ። እቲ ክሲ ነዚ ተግባር ንዝፈጸመ በርጌስ ይኹን ወተሃደር ዝምልከት’ዩ። በዚ መሰረት 24 ውልቀሰባትን 6 ትካላትን ኣብቲ ናይ ፈለማ መጋብኣያ ኑረምበርግ ክቐርቡ ትእዛዝ ተወሃበ።
ቀዳማይ ክሱስ ብምኽንያት ሕማም ኣብ ቅድሚ መጋብኣያ ደው ክብል ዘይክእል ብምዃኑ ፥እቲ ካልኣይ ድማ ንገዛእ ርእሱ ብምጥፍኡ እቶም 22 ክሱሳት 20 ሕዳር 1945 ዓ ም ኣብ መጋብኣያ ኑረምበርግ ቀረቡ፡፡ ነቲ መጋብኣያ ኣኽባሪ ሕጊ ኮይኑ ክመርሖ ዝተመረጸ ኣሜሪካዊ ኣኽባሪ ሕጊ ሮበርት ጃክሰን’ዩ። ሮበርት ክሲ ግበነኛታት ኲናት ናዚ ንክምስርት ዝመረጾ ፕረዚደንት ሃሪ ትሩማን ዩ። ጃክሰን ነቲ ትእዛዝ ተቐበለ። ዳንነት ካብ ኮነ ግን ንምምሳል ዘይኮነስ ብሕጊ ጥራይ ክስራሕ ከም ዘለዎ ድሌቱ ገለጸ።ምቕታል ሹመኛታት ናዚ ኣካል ፖሊሲና እንተደኣ ጌርናዮ፥ እዋን ኲናት ስለ ዝኾነ ብቐጥታ ምቕታል ይከኣል ዩ። ግን ነዚ ነገር’ዚ ኣብ ትሕቲ ጽላል መጋብኣያ ምግባር እንተደኣ ተደልዩ ኣይቅበሎን’የ” ከም ዝበለ ኣብ መጽሓፉ ተገሊጹ’ዩ።
ከይዲ ፍርዲ ኣብ ሙሉእ ናጽነት ክሱሳት ብምስክርነት ሰነድን ሰብን ዝተረጋገጸ ክኸውን ተጌሩ፥ እቲ ውሳነ ሕጊ ተኸቲሉ ከም ዝተፈጸመ ጃክሰን ይተኣማመነሉ’ዩ። ሮበርት ጃክሰን ብሕጊ ክትዳነ ኢኻ ንዝተበሃለ ሰብ ፥ዳንነት ሕጊ ብዝፈልጦ መንገዲ ጥራይ ክሳብ ክንደይ ኣድላዪ ከም ዝኾነ ኣጥቢቑ ዝኣምን በዓል ሞያ ሕጊ’ዩ። ንክሱሳት ገበን ኲናት ናዚ፥ዝተኸሰስሉ ገበን “ምጥፋእ ዘርኢ ደቂ ሰብ “ዝብል ስያመ ዝሃበ ኣሜሪካዊ ሩፋኤል ላምኪ’ዩ። “ጄኖሳይድ” ዝብል መግለጺ ፍጻመ ኣብ ስራሕ ዝወዓለ ፥መጋብኣያ ኑረምበርግ ከም ዝተመስረተ ድሕሪ ምፍላጡ’ዩ። ኣማኻሪ ኣኽባሪ ሕጊ ሩፋኤል ላምኪ ፥ዘርኢ ወይ ድማ ሕብሪ ወይ ድማ ብገለ ነገር ዝተኣሳሰረ ማሕበረሰብ ምጥፋእ “ምጥፋእ ዘርኢ” ዝብል ስም ተዋሂብዎ ፥እቲ ድንጋገ ብዝምጥኖ ደረጃ ክኸውን ተጌሩ’ዩ። መበቆሉ ግሪኽ ኮይኑ”ጄኖስ”ማለት “ዘርኢ” ወይ ድማ ዓሌት ክኸውን እንከሎ ሳይድ ድማ ብላቲን ቅትለት ማለት’ዩ። ብምኽንያት ዘርኦም ጥራይ 50 ዝኾኑ ኣዝማዱ ዝተቐትልዎን ኣይሁድ ዝኾነን ላምኪ፥ ነቲ ቃል ክምህዝ እንከሎ እቲ ቃል ነቲ ፍጻመ ዝገልጾ ከም ዝኾነ ዘረጋግጽ መጽናዕቲ ጌሩ’ዩ። እቲ ቃል ክሳብ ሕጂ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣካል ድንጋገ ሕጊ ብምዃን ልዕል ዝበለ ዓንቀጽ ጥፍኣት ኮይኑ ይስረሓሉ ኣሎ።
ኣብ መጋብኣያ ኑረምበርግ ኣብቲ ግዜ’ቲ ሓድሽን ኣደናቕን ዝተበሃለ ርኽበት ቴክኖሎጂ ስራሕ ትርጉም ዘቀላጥፍ መሳርሒ ተራእዩ’ዩ። ኣብቲ መጋብኣያ ደያኑን ክሱሳትን ዝጥቀሙሉ ቋንቋ እንግሊዝኛ ፈረንሳይኛ ሩሲያኛን ጀርመንኛን ክኸውን እንከሎ ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ክስምዑ ተደልየ። ትካል IBM ኣተርጎምቲ ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ንእርባዕቲኦም ቋንቋታት እናተርጎሙ ንተጠቀምቲ ዘብጽሕ መሳርሒ ሰሪሑ ኣቕረበ። ኣብ እዋን ትርጉም ንተርጎምቲ ብዘጸግም ኩነት ቀዲሙ ዝዛረብ እንተደኣ ኮይኑ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ መጉልሒ ድምጺ ቢጫ ይውልዕ። ቀይሕ እንተደኣ ወሊዑ ድማ እቲ ተዛራባይ ከቋርጽን ከም ብሓድሽ ክጅምር ከም ዘለዎን ዘመልክት ኮይኑ ዝተሰርሐ መሳርሒ’ዩ። እዚ መሳርሒ’ዚ ኣብ ግዚኡ ኣደናቒ ርኽበት ተባሂሉ ተዘሪብሉ’ዩ። እቲ መሳርሒ ቅድሚኡ ይስረሓሉ ካብ ዝነበረ እናተጸበኻ ዝትርጎመሉ ዝነበረ ኣሰራርሓ ብ4 ዕጽፊ ከም ዘቀላጠፎ ኣብ ግዚኡ ተነጊሩሉ’ዩ።
መስርሕ እቲ ክሲ ኣብ ክፉት መጋብኣያ ተኻየደ። ተኸሰስቲ ኪሒዶም ተማጎቱ። ኣብ ፈቐዶ ካምፕታት ዝነበሩን ወዲ ሰብ ይጻወሮ’ዩ ንዘይበሃል መከራን ስቓይን ዝተቐበሉ ብተኣምር ዝተረፉን ብኣካል ቀሪቦም መስከሩ። ኣካላቶም ንቤተ ፈተነ ዝግፈፍ ዝነበረ ፥ኣብ ቤተ ጋዝ ዝሃለቑ ፥ ብጥይት ዝተቐትሉ ፥ካብ ከባቢኦም ክፈናቐሉ ናይ ዝተገደዱ ሰባት መሰኻኽር ዓይኒ ብምዃን መስከሩ። ዓለም ግናይ ግብሪ ውልቀ መለኽቲ ሰምዐት። ገለ ካብቲ ናይ ሽዑ ምስክርነት።
“ጸጉርና ብምልጻይ ኣብ ጸጋማይ ኢድና ወቂጦሙና።ኣብ ሓደ ዓቢ ገዛ ብምእታው ብዝሑል ማይ ከም ንሕጸብ ገበሩና። ኣብ ቅድሚ ደቂ ተብዕትዮን ኣንስትዮን ኣኽበርቲ ጸጥታ ዕርቃንና ደው ከም ንብል ገበሩ”። ትብል ሓንቲ ናይ ዓይኒ ምስክር።
“መን’ዩ ነቲ ትእዛዝ ቅትለት ዘመሓላለፈ ? ኣነ ነቲ ትእዛዝ ኣየንበብኩን። ኣብቲ ግዜ’ቲ ኣብቲ ከባቢ ዝተዘራረብናዮ ፥እቲ ሓሳብ ናይ ሂትለር ሓሳብ ከም ዝኾነ’ዩ። ነቲ ሓሳብ’ቲ ናብ ትእዛዝ ዝለወጠ መን ምዃኑ ድማ ዝፈልጦ ነገር የብለይን። ምሩኻት ኲናት ሩስያ ንክቕተሉ ዝተኣዘዘ ብጽሑፍ ድዩ ኔሩ? ኣነ ዝርደኣኒ እቲ መልሲ እወ’ዩ። ግን ባዕለይ ኣይረኣኹን ኣየንበብኩን።”
“ብሕብረት ሶቬት ብፍላይ ብፊልም ዝተቐረጸ ጉድ ካምፕ ኦሽዊትዝ ንዓለምን ነቲ መጋብኣያን ወግዓዊ ምስ ኮነ ፥ዘንቀጥቅጥን ዘንፈጥፍጥን ስምዒት ኣሕደረ። እቶም ክሱሳት ንገዛእ ርእሶም ኣብቲ ፊልም ንዝረአ ኩምራ ሬሳታትን ብኣዕጽምቲ ጥራይ ዝኸዱ ሰባትን እናረኣዩ ተጨነቑ”። ይብል ኣኽባሪ ሕጊ ዊትኒ ሃሪስ። ስንባደኦም ንገበኖም ምሕባእ ከምዘይክእል ምስ ተረድኦም ገሊኦም ንዝፈጸምዎ ንምእማን ከም ዝተዳለዉ ይዝክር። ሃሪስ ጃክሰን ኣለን ዶልፍ ንዝተበሃለ ሓላፊ ጸጥታ ዝሓተቶ ይዝክር።
“ኣለን ዶልፍ!ኣብ ግዜ ኲናት ስራሕካ እንታይ ኔሩ ምስ በልኩዎ ፥ሓላፊ ጸጥታ ‘የ ኔረ ኢልኒ። ክንደይ ዝኾኑ ደቂ ተባዕትዮን ኣንስትዮን ህጻናትን ቀቲልካ ?ኢለዮ፥90 ሽሕ ይኾኑ’ዮም ኢሉ መሊስለይ። ኣብ ቃልዕ ቦታ ኣብ ጎልጎል ከም ዝቐተሎም ተዛረበ። ን76 መዓልታት ክስማዕ ዝጸንሐ ቃል ምስክርነት ተጠናቐቐ። ክሱሳትን ኣኽበርቲ ሕግን ናብ ፍርዲ ዝቐርብ ርእይቶ ክህቡ ተፈቕደ። ድሕሪ ናይ ኣስታት 300 መዓልታት ምጉት 21 መስከረም 1947 ዓ ም ፍርዲ ተወሃበ። ብገበን ኲናት ካብ ዝተኸሰሱ ኣብ ልዕሊ እቶም 11 ፍርዲ ሞት ብማሕነቕቲ ክውሰነሎም እንከሎ ኣብ ልዕሊ እዮም 7 ድማ ፍርዲ ሕልፈት ማለት ዕድመ ልክዕ ተፈረዶም። 3 ድማ ብነጻ ተፋነዉ፡፡ ገለ ካብቲ ሽዑ ዝተወሃበ ብይን፥
” ሃርመን ጎረ ብዝተኸሰስካሉ ገበን ኣህጉራዊ ወተሃደራዊ መጋብኣያ ብማሕነቕቲ ክትመውት ወሲኑ’ሎ”።
” ክሱስ ሩዶልፍ ፈስ ብዝኸሰስካሉ ገበን ኣህጉራዊ ወተሃደራዊ መጋብኣያ ብማእሰርቲ ክሳብ ሕልፈት ክትቅጻዕ ወሲኑ’ሎ”። እቲ ውሳነ ብከምዚ ኣገባብ ተፈጸመ። ብማሕነቕቲ ክቕጽዑ ካብ ዝተወሰነሎም 11 ክሱሳት ኲናት እቲ ሓደ ንገዛእ ርእሱ ኣቐዲሙ ብምጥፍኡ መዋረዲ’ዩ ካብ ዝተበሃለ መቕጻዕቲ ነብሱ ኣድሓነ። ሓላፊ ሚስጥራውያን ፖሊስ ሂትለርን ኣዛዚ ሓይሊ ኣየርን ብመዝነት ደድሕሪ ሂትለር ዝስራዕ ዝነበረን ሄርማን ጎሪንግ መቕጻዕቱ ካብ ብማሕነቕቲ ንጥይት ክኾነሉ ሓቲቱ ኔሩ።ኣይተፈቐደሉን። 15 ጥቅምቲ 1947 መቕጻዕቲ ሞት ካብ ዝፍጸመሉ ግዜ ቅድሚ ሓደ ሰዓት ጽቡቕ ጌሩ ዘተኣናግዶ ንዝነበረ ወተሃደር ኣሜሪካ ቅድሚ ምሟቱ መዘከርታ ስእሊ ንክሰኣል ቦርሳ ከቐብሎ ሓተቶ። እቲ ወተሃደር ቦርሳ ከቐብሎ ገጹ ምስ ጠወየ ቦሪንግ ኣእዳዉ ኣብ ኣፉ ክገብር ረኣየ። መድሃኒት ክሕዘሉ ኣብ ዝተፈቕደሉ ቦርሳ ለካ ከኒና መርዚ ሳይናይድ ኔሩ’ዩ። ነቲ ሳይናይድ ወሓጦ።ድሕሪ ዝተወሰነ ደቓይቕ ከይተሰቕለ ሞተ። ኣብ ዝጸሓፎ መዘክር፥
” ብጸላእተይ ብኣስካሕካሕን መዋረድን ኣገባብ ቅድሚ ምሟተይ ሂወተይ ባዕለይ ከጥፍእ ወሲነ’የ” ዝብል ጽሑፍ ተረኸበ። ሬሳኡ ምስ ዝተሰቕሉ ብጾቱ ዓረፈ። ምጥፋእ ገዛእ ርእሱ ዘሰንበዶም ሓለውቲ ኣብ ኢድ እቶም ዝተረፉ ሰንሰለት ኣእተዉሎም። ካህን ብህጹጽ ከናዝዞምን መቕጻዕቶም ብኣጋ ክፍጸምን ውን ገበሩ። ስቕለት እቶን 10 ፍሩዳት ዝተፈጸመሉ ቦታ ኣብቲ መጋብኣያ ዝቖመሉ ህንጻ ኣብ ዝርከብ ጂምናዚየም’ዩ። ቅድሚኡ መጻወቲ ኩዕሶ ሰኪዔት ወተሃደራት ኣብ ዝነበረ ቦታ 13 ደረጃ ደይብካ ዝርከብ ሰገነት ተዳለወ። 3 መስቀሊ ኣዕጻው ኣብ ማእከል ኣብቲ ሰገነት ዘሎ ባይታ መደገፊኡ ክሰሓብ እንከሎ ዝኽፈት’ዩ።
ኣብቲ ኣዳራሽ ዝተፈቐደሎም ወተሃደራውያን መኮንናትን 8 ጋዜጠኛታትን ጥራይ’ዮም ተረኺቦም ዘለዉ። ስርሑ ምፍጻም ፍርዲ ሞት ዝኾነን ንብዙሓት ፍሩዳት ዝሰቐለን ሰርጌንቲ ጆን ዉድስ ፥ረጒድ መስቀሊ ገመድ ውብ ኢዱ ሒዙ ኣብ ጎኒ’ቲ መስቀሊ ዕንጨይቲ ደው ኢሉ ኣሎ። ፈለማ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጃኦኪም ቮን ሪበንትሩፕ ቀረበ። ዝተኣሰረሉ ሰንሰለት ተፈትሓሉ’ሞ ናብቲ መስቀሊ ንዘብጽሕኦ 13 ደረጃታት ደየበን። መሸንቆቓ ገመድ ሰርጌንቲ ጆን ኣብ ክሳዱ ኣእተወሉ’ሞ፡ ንመወዳእታ ግዜ ዝዛረቦ እንተለዎ ሓተቶ።ሪበንትሩፕ ድማ” ናይ መወዳእታ ትምኒተይ ምብራቕን ምዕራብን ብስኒት ሓቢረን ክነብራ’ዩ። ጀርመን ንዘልኣለም ትንበር” በለ። ነዚ ዘረባ’ዚ ክዛረብ እንከሎ ፥ኩሎም ነቲ ፍጻመ ዝከታተሉ ዝነበሩ ካብ መቐመጢኦም ተንሲኦም ባርኔጣኦም ካብ ርእሶም ኣውጺኦም ጠጠው ክብሉ ነበሮም። ዘረባኡ ምስ ወደአ ሰርጌንቲ ጆን ነታ መሸንቆቓ ኣትረራ። ኣብ ጎኑ ዝነበረ መራሒ ሃይማኖት ጸሎት ጌሩ ምስ ወደአ ተሓጋጋዚ ሰርጌንቲ ጆን ነቲ ተኸፋቲ ባይታ ምስ ከፈቶ ሪበንትሩፕ ናብ ታሕቲ ጥሒሉ ሰለል በለ።
ንነገር ነገር የምጽኦ ከም ዝበሃል ፕረዚደንት ሳዳም ሑሴን ኣብ ዝተሰቐለሉ ግዜ ፥ናብ ፈጣሪኡ ከብጽሖ ዝደለየ ጸሎት ከይወድአ’ዩ ተሰቒሉ ተባሂሉ ኣብ ልዕሊ’ቶም ኣፈጸምቲ ስቕለት ዓቢ ወቐሳ ኣኸቲሉ’ዩ። ፕረዚደንት ሳዳም ጸላእቱ ዝኾኑ ዒራቓውያን ሹማምንቲ ሺዓ ሕግን ስርዓትን ዝተኸተለ ስቕለት ብግቡእ ክፍጸም ብዘይ ምግባሮም ንቀዳማይ ሚኒስተር ኑሪ ኣልማኒኪ ኣሜሪካ ከይተረፈት ተቓዊማቶ’ያ። ብሕጊ ቤት ማእሰርቲ ፍሩድ ክብሎ ዝደለየ ከይወድአ ቅትለት ኣይፍጸምን’ዩ።
ንዓሰርቲኦም ፍሩዳት ሰቒልካ ንምውዳእ ብዝሕ ዝበለ ደቓይቕ ወሰደ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ገሊኦም ትንፋሶም ከይሓለፈት ልዕሊ 10 ደቒቕ ስለ ዝጸንሑ’ዩ። ሓለቓ ስታፍ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ እዚ ጀርመን ዝነበረ ዊሃል ሚከትል ንልዕሊ 24 ደቃይቕ ትንፋሱ ከይሓለፈት ጸኒሑ’ዩ።ልዕሊ 347 ሰባት ዝሰቐለን ብስርሐይ ኣዚየ’የ ዝኾርዕ ዝብል ሰርጌንቲ ጆን ውን ከይተረፈ ናይታ መዓልቲ እቲኣ ኣጋጣሚ ኣዝዩ ኣጨናቒ መንፈስ ከም ዝፈጠረሉ’ዩ ተዛሪቡ።ኣብቲ ስነ ስርዓት ተረኺቡ ዝነበረን ድሒሩ justice at Nuremberg ዝብል መጽሓፍ ዝጸሓፈ ሮበርት ኬንት ከምዚ በለ።
“ኣዝዩ ኣጨናቕን ከቢድን ትርኢት’ዩ ኔሩ። ግን ብማህረምትን ስቓይን ንዝሓለፉ ሰባት ደቂ ተባዕትዮ ክንጥልጠሉ ደቂ ኣንስትዮ ክቑረጻ ህጻናት ድማ ኣብ ክፍልታት ጋዝ ክውርወሩ ንዝረኣየ ሰብ ከይዲ’ቲ ስቕለት ናይ ርውየትን ፍትሒ መጽሓፍ ቅዱስን’ዩ ዝመስል ኔሩ።” በለ።
መቕጻዕቲ እቲ ስቕለት ብኣዒንቶም ርእዮም ክጽብጽቡ ዝተፈቐደሎም ጋዜጠኛታት ሬድዮን ጋዜጣን ክኾኑ እንከለዉ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ግን ምቕዳሕ ኣይተፈቐደን። ጋዜጠኛ ሬድዮ ኣሜሪካ ኣብ ዘመሓላለፎ ሪፖርት፥
“ድሕሪ’ቲ መቕጻዕቲ ኣስከሬን ናይቶም 11 ሰባት ብሓዊ ተቓጺሉ ሓሙኽሽቱ ኣብ ሩባ ኢስ ከም ዝብተን ተገበረ።”
“ድሕሪ መጋብኣያ ኑረምበርግ ኣብ ዝነበራ ተኸታተቲ 3 ዓመታት ገበነኛታት ኲናት ናዚ ጀርመን ናብ ፍርዲ ንምቕራብ ልዑል ጻዕሪ ተገብረ። ካብቶም ቀንዲ ኣዘዝቲ ብተወሳኺ ስቓይ ዝፈጠሩን ንሚልዮናት ዘቕተሉን ዘሳደዱን ዝዘረፉን ገበነኛታት ናይ ምህዳንን ናብ ፍርዲ ናይ ምቕራብን ስራሕ ተዓሚሙ’ዩ።
ኣብ ዝቐጸለ ፍጻመ ፍርዲ፥ ንወዲ ሰብ መፈተኒ ምርምር ዝገበሩን ጃምላዊ ህልቂት ንምፍጻም ንሞያኦም ዝተጠቐሙሉ 23 ሓካይም ናዚ ፥ንወዲ ሰብ ብዘርኡ እናፈለዩ ፥ንጹሃን ዘርኢ ካብ ዝብልዎም ወጻኢ ኣሰቃቒ ቅትለት ክፍጸም ዝእዝዙ ዝነበሩ 16 ደያኑ ፥ንወዲ ሰብ ብደረጃ ባርነት ንመኽሰብ ፋብሪካታቶም ኢሎም ዘስርሑ ዝነበሩ ወነንቲ ፋብሪካታት 21 ሚኒስተራት 14 ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት 14 ኣፈጸምቲ ምጽጻይ ዘርኢ ሰብን ሰፈራን ካልኦትን ከካብ ዝተሓብእሉ በዓትታት እናተሃደኑ ናብ ፍርዲ ቀሪቦም ብሞትን ብዕድመ ልክዕን ብናይ ዓመታት ማእሰርትን ከም ዝቕጽዑ ተገበረ። ኣብ 3 ዓመት ብሓፈሻ 3887 ክስታት ቀሪቡ 489 ንዝኾኑ ጥርዓናት እቲ መጋብኣያ ሪኡ’ዩ። ክሲ ካብ ዝተመስረቶም 1672 ክሱሳት 1416 ገበነኛታት ተባሂሎም። 200 ዝኽኑ ክሱሳት መቕጻዕቲ ሞት ክፍጸሞም እንከሎ ኣብ 279 ክሱሳት ድማ ብይን ክሳብ ሕልፈት ተበየነሎም። ከም ኢክማን ዝኣመሰሉ ንሓያለ ዓመታት ብምስዋር ካብ ናይ ሽዑ ፍርዲ ዋላ’ካ እንተምለጡ ተሃዲኖም ተታሒዞም ‘ዮም። ብብዙሕ ኣስካሕካሒ ቅትለት ተሓታቲ ዝኾነ ኢክማን ን15 ዓመታት ኣብ ቦነስ ኣይረስ ተሓቢኡ ድሕሪ ምጽናሕ፥ እስራኤላውያን ሃዲኖም ብምሓዝ ናብ ፍርዲ ኣቕረብዎ። ብቅትለት ኣይሁዳውያን ኣብ መጋብኣያ እስራኤል ዝተዳነየ ናይ ፈለማ ጀርመናዊ ገበነኛ ኲናት’ዩ ኢክማን።
ናይ ፈለማ ገበነኛታት መጋብኣያ ኑረምበርግ ድሕሪ ምፍራዶም ዝተኸሰሱ ገበነኛታት ኲናት ዝፍለዩሉ ነጥቢ፥ እቲ መጋብኣያ ኣብ ኣሜሪካ ብምክያዱ ጥራይ’ዩ። ንሓይሊ ናዚ ጀርመን ብሓባር ድሕሪ ምድርዓሞም 3 ኣባላት ሃገራት ቃል ኪዳን ክሰማማዓ ኣይከኣላን። ብፍላይ ሕብረት ሶቬት ኣብ ዝሓዘቶ ግዝኣት ጀርመን ዘለዋ መርገጺ ከም ዝሓለፈ ብሓባር ንክሰርሓ ኣየኽኣለንን። ኣሜሪካ ንበይና ንገበነኛታት ፍርዲ ክትህብ ጸንሐት። ኣሜሪካ ንበይና ንገበነኛታት ኲናት ናዚ ጀርመን ንምድናይ ዝኸኣለት፥ ሰለስቲኤን ኣባላት ሃገራት ቃል ኪዳን ንናይ ጀርመን ጥልያንን ጃፓንን ገበነኛታት ኲናት በብውልቀን ንፍርዲ ከቕርባ ከም ዝኽእላ ድሕሪ ምስምምዐን’ዩ።
መጋብኣያ ኑረምበርግ ኣብ ልዕሊ ገፋዕትን ውልቀመለኽትን ዝተወሃበ ፍርዲ ከም ዝኾነ’ዩ ዝቑጸር። መጻእቲ ወለዶታት ክመሃርሉ ፥ውልቀመላኽነትን ስሰዐን መወዳእታኡ ከም ዘይጽብቕ መርኣዪ’ዩ ተባሂሉ ተኣሚንሉ ኔሩ። ከምቲ ዝተሓሰበ ግን ኣይኮነን። ድሕሪኡ ኣብ ዘሎ ግዜ ውን ውልቀመለኽቲ እናተንስኡ ህዝብታት ከም ዝጸንቱ ጌሮምን ይገብሩን ኣለዉ። ንእዝኒ ንምስምዑ ዘይጥዕም መከራ ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ክወርድ ይረአ’ሎ፡ ሎሚ’ውን ስልጣንን ረብሓን ኣስቢሑ ዘዕወሮም ውልቀመለኽቲ ህልቂትን ስቓይን ካብ ምዝራእ ኣይተቖጠቡን። ሓደ ሓደ ግዜ ዝወሃቦም ፍርዲ ኣዝዩ ከቢድ እኳ እንተኾነ ምስ ዘውረድዎ ጥፍኣት ዝመጣጠን ኮይኑ ኣይርከብን’ዩ።ዓለምና ካብ ጊጋኣ ክትመሃር ኣይከኣለትን።
ትርጉም ኣንገሶም ተስፋሚካኤል