back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

እቲ ጸሊም ሉል፡ ንጉስ ኩዕሶ እግሪ ዓለምና ፔለ፡ ዓሪፉ

ህቡብ ብራዚላዊ ተጻዋታይ ዅዕሶ እግሪ ዓለምና ፔለ፡ ብ23 ጥቅምቲ 1940 ዝተወልደ ኮይኑ፡ ምሉእ ስሙ ኤድሰን ኣራንተስ ዶ ናስሲመንቶ ኢዩ። ኣብ ዘመኑ፡ ኣብ ዓለምና እቲ ኣዝዩ ውሩይ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ምናልባት እውን እቲ ዝበለጸ ደሞዝ ዝኽፈሎ ዝነበረ ስፖርተኛ ምንባሩ ኢዩ ዝግለጽ። ብራዚል ብ1958፡ 1962ን 1970ን ዋንጫ ዓለም ክትዓትር ከላ፤ ፔለ ምስቶም ነታ ሃገር፡ ነዚ ዓወት ዘብቅዕዋ ደቂ ሃገሩ ኮይኑ ዝተጻወተ ልሉይ ተጻዋታይ ነበረ።

ፔለ ቅድሚ ዓለም ለኻዊ ተፈላጥነት ምርካቡ፡ ኣብቲ እዋን፡ ኣብ ግዝኣት ሳኦ ፓውሎ ብራዚል ኣብ ዝርነበራ ንኣሽቱ ጋንታታት’ዩ ዝጻወት ነይሩ። ንሱ በተን ኣብ ከተማ ሳኦ ፓውሎ ዝነበራ ዓበይቲ ከለባት ኲዑሶ እግሪ ብተደጋጋሚ ከምዝተነጽገ ውን ይንገር። ይኹን እምበር ድሕሪ ክንደይ ጻዕሪ ብ1956 ምስ ሳንቶስ ተባሂላ ትፍለጥ ዝነበረት ክለብ ኵዕሶ እግሪ ተጸምቢሩ። ፔለ ብጸጋማይ ሸነኽ ኣብ ቕድሚት ተሰሊፉ ትሽዓተ ግዜ ሻምፕዮን ሺፕ ሳኦ ፓውሎ ተዓዊቱ። ብ1962ን 1963ን ከኣ ካፕ ሊበርታዶረስን ኢንተርኪንታንታል ተባሂለን ኣብ ዝጽዋዓ ዝነበራ ውድድራት ተዓዊቱ። ፔለ ሓደ ሓደ ግዜ ጸሊም ሉል ተባሂሉ ይጽዋዕ ምንባሩን ሃገራዊ ጅግና ብራዚል ክኸውን ከምዝበቐዐን ሰነዳት ይሕብሩ። ሓያል ኲዑሶ ናይ ምቅላዕ ክእለትን፡ ብልክዕ ምንቅስቓስ ናይ ካልኦት ተጻወቲ ቀዲሙ ናይ ምልላይ ዘደንቕ ክእለት ከምዝነበሮ ድማ ይሕበር። ድሕሪ እቲ ብ1958 ዝተኻየደ ዋንጫ ዓለም፤ ፔለ ካብ ክለባት ኣውሮጳ ክወሃብ ዝኽእል ህያባት መታን ንምዕጋት፡ ኣብ ብራዚል ምእንቲ ኺጸንሕን ብመንግስቲ ብራዚል ሃገራዊ ግምጃ ከም ዝዀነ ተኣወጀ። ብ19 ሕዳር 1969 ኣብ መበል 909 ናይ ቀዳማይ ደረጃ ውድድሩ መበል 1,000 ሸቶ አመዝገበ።

ፔለ ብ1957 ወዲ 16 ዓመት ከሎን አብዝቀጸለ ዓመት ኸኣ ኣብ ሽወደን አብ ዝተኻየደ ውድድር ዋንጫ ዓለምን፤ አብ ፍጻመ ብምጽዋቱ፤ ተፈላጥነት ረኺቡ። አብቲ እዋን ኣካያዲ ስራሕ ብራዚላዊት ጋንታ ዝነበረ፡ ኣብ ፈለማ ነቲ ኰዀብ ተጻዋታይ ንምጽዋት ሰጋእ መጋእ ኢሉ ምንባሩ ይንገር። ኣብ መወዳእታ ፔለ ኣብቲ ሜዳ ምስ ወረደ ቅጽበታዊ ተጽዕኖ ከሕድር ጀሚሩ። ኣብ ሓውሲ ፍጻመ ምስ ፈረንሳ አብ ዝተገብረ ውድድር ብልሓት ብምርኣይ ኣብቲ ብራዚል ንሸወደን 5-2 ዝሰዓረትሉ ናይ ፍጻመ ውድድር ከኣ ክልተ ሸቶ አመዝገበ።

አብ 1962 እተኻየደ ዋንጫ ዓለም ኣብ ናይ ፍጻሜ ውድድር ፤ ፔለ ኣብቲ ኻልኣይ ውድድር ጭዋዳ ሰለፉ ተጨዲዱ ነቲ ዝተረፈ ኽፋል እቲ ውድድር ኮፍ ኢሉ ክዕዘብ ተገዲዱ። ይኹን እምበር ብራዚል ካልኣይ ዋንጫ ዓለም ዓተረት። ኣብ ቐዳመይ እብረ ናይቲ ውድድር ዝነበረ ከቢድ ጸወታን ሞጕዳእትን ነቲ ናይ1966 ውድድር ዋንጫ ዓለም ብራዚልን ፔሌን ከቢድ ነይሩ። ብስነኪ’ዚ ፔለ ድማ ካብ ውድድር ዋንጫ ዓለም ጡረታ ኺወጽእ ተማቲኡ ምንባሩ ይሕበር።

ብ1970 አብ ዝተሰለፎ ውድድር ዋንጫ ዓለም ምስ ጃርዚንዮን ሪቨሊኖን ዚበሃሉ መንእሰያት ከዋኽብቲ ተሻሪኹ፤ ብራዚል ንሳልሳይ መዓርግን ቀዋሚ ዋንነትን እቲ ጁለስ ሪሚት ዝፍለጥ ሽልማት ክትውንን አብቀዓ። ፔለ ኣብ 14 ጸወታታት ዋንጫ ዓለም 12 ሸቶታት ብምምዝጋብ ናይ ጸወታ ዘመኑ አብ ዋንጫ ዓለም ዛዘሞ ።

ዘደንቕ ጸወታትን መስተንክር ሸቶታት ፔለን፤ ኣብ መላእ ዓለም ኰዀብ ዝኸውን ኣኽኣሎ ። ሳንቶስ ዝተባህለት ጋንታኡ ህቡብነቱ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኺጥቀም ብምባል ኣብ መላእ ዓለም ጕዕዞ ገበረት። ብ1967 ንሱን ጋንትኡን ናብ ናይጀርያ ኸዱ። ጸወታ ናይቲ ህቡብ ተጻዋታይ ንምዕዛብ ድማ፤ ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዝነበረ ውግእ ሓድሕድ ን48 ሰዓት ዝኣክል ደው ኢሉ።
ፔለ ብ1974 ጡረታ ከም ዝወጸ እኳ እንተ’ፈለጠ፤ ብ1975 ግን ምስቲ ኣብ ማሕበር ኵዕሶ እግሪ ሰሜን ኣመሪካ ዝርከብ ኒው ዮርክ ኮስሞስ ንሰለስተ ዓመት 7 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ ዝኣክል ውዕል ክገብርን ነቲ ጸወታ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከስፋሕፍሕን ተሰማምዐ። ብ1977 ንኮስሞስ ናብ ውድድር ጋንታ ድሕሪ ምምራሕ ጡረታ ወጸ ።

አብ 1978 ድማ ፐሌ ተሸላሚ ኣህጉራዊ ሽልማት ሰላም ኮነ። ብ1980 ብለኲፐ ተባሂላ ትፍለጥ ጋዜጣ ስፖርት ፈረንሳ ኣትለት ናይ ዘመንና ተባሂሉ ተጸውዐ። ብ1999 ከኣ ካብ ኣህጉራዊ ኮሚተ ኦሎምፒክ ተመሳሳሊ ኽብሪ ረኸበ ። አብ 2014 ቤተ – መዘክር ብስሙ ኣብ ሳንቶስ፡ ብራዚል ተኸፍተሉ። ኣብ ርእሲ እቲ ኣብ ስፖርታዊ ውድድራት ዝሓፈሶም ዓወታት ብዙሕ ዝርጋሐ ዝረኸቡ ታሪኽ ህይወት ሓዘል መጻሕፍቲ ከሕትም ውን ክኢሉ ኢዩ ፔለ። ኣብ እተፈላለየ ዕዉታት ሰነዳዊ ሓውሲ ሰነዳውን ፊልምታትን’ውን ተዋሲኡ። ነታ ፔለ (1977) ዘርእስታ ፊልም ሓዊስካ እተፈላለየ ናይ ሙዚቃ ቅዳሓት ኣዳለወ።
ፔለ አብ መበል 82 ዓመቱ ብሓሙስ 29 ታሕሳስ 2022 ኢዩ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ።
ጽንዓት ንመላእ ቤተሰብ ስፓርት ዓለምና

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles