“ንኩሉ እንቋዕ ኣርከብኩሉ” ትብል ደርፊ ኣቦና ነፍስሄር ተኽለሚካኤል (ወዲ ገብሩ) ንመን ትግበኦ እንተደኣ ኢልና ፥ንናይጀሪያዊ መራሒ ነበር ኦሊሰጉን ኦባሳንጆ ዝወዳደሮ የለን። ኦባሳንጆ ዘይኮኖን ዘይረኣዮን የለን። ንሽግርን ክብረትን ከከም ኣመጻጽእአን ዘአንገደ ሰብ’ዩ። ንውትህድርና፥ ሕርሻን ስልጣንን ሪኢዩ’ዩ። ዲፕሎማሲን መንጎኝነትን’ውን ኣይተረፎን።ዝተወሃቦ ነዊሕ ዕድመ ፥ ንሃገሩ ጥራይ ዘይኮነስ ንኣፍሪቃ’ውን ሂብዋ’ዩ። ኣብ መበል 85 ዓመት ዕድሚኡ ፥ካብ ሓንቲ ሃገር ናብ ካልእ ሃገር ብብራኸ ነጥቢ 35000 ጫማ እናበረረ ንፍትሒ ሃሰው ይብል። ጉልበተይ ደኺሙ ዓይነይ ኣብዩኒ ኣይወጾን’ዩ። “ሰብ ማለት ሰብ ኣብ ዝጠፍኣሉ ግዜ ሰብ ዝኸውን’ዩ ” ከም ዝበሃል ፥ሃገሩ ናይጀርያ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ኣብ ዝነበረትሉ፥ ሰብ ትደልየሉ ኣብ ዝነበረትሉ ግዜ ፥ ሓድነታ ክገማማዕ ኣብ ዝተቓረበሉ እዋን፥” ኣነ እናሃለኹ ሓመድ በፍንጫይ ከይወጸ፥ ቀላጽመይ ከይተተርኣስኩ ሃገረይ ኣይተፈርስን ኢኺ” ብምባል ተቓሊስላ። ካልኦት ሃገራት ብዕግርግርን ግጭትን ክናወጻ እንከለዋ “ተረጋግኣ” ብምባል ይዓርቕን ይሽምግልን።
ኦሊሰጉን ኦባሳንጆ ናይ ዋላ ሓንቲ ነገር ስሰዐ የብሉን። ስልጣንን ገንዘብን ኣብ ኢዱ ብርክት ኢሉ ምስ ኣተወ፥ ብክቱር ስሰዐ እዚ ዶ ድሕሪ ሕጂ ካብ ኢደይ ወጺኡ ብምባል ከም ዝሕንግዱ ሰባት ኣይሕቆንን’ዩ። “ነዚ ስልጣን ውሰድዎ።ካብኡ ዝርከብ ረብሓ ኣየድልየንን’ዩ” በሃላይ’ዩ። ምስኡ ዝተሃላለኹ ክመስሉ ግን ስልጣንን ገንዘብን ወትሩ ደድሕሪኡ ምስ ሰዓቡ’ዮም። ኣብ ግዜ ውትህድርናኡ ሒዝዎ ንዝነበረ ስልጣን መሪሕነት ፥ይኣኽለኒ ውሰድዎ ብምባል ንበርጌስ መንግስቲ ዘረከበ ሰብ’ዩ።
ድሕሪ ናይ ዓሰርተ ዓመት ሲቪላዊ ሂወት ፥ ወዮ ስልጣን ተመሊሱ ናበይ ደሊኻ ስለ ዝበሎ ዳግማይ መራሒ ናይጀርያ ኮነ። ገደብ ዕድመ ስልጣኑ ምስ ኣብቀዐ ድማ ተሰናበተ። ህዝቢ’ታ ዓባይ ኣፍሪቃዊት ሃገር “ኣቦ ናይጀርያ”ኢዩ ዝብሎ። ሕቡራት ሃገራትን ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ፍሉይ ሉኡኽና ኢኻ ይብላኦ። ፈጣሪ ንኣንደበቱ ምቁር ንግንባሩ ድማ ሕፉር ስለ ዝገበረሉ እንተተዛረበ ዝስማዕ ፥ኣበይ እባ ኣለኻ ተባሂሉ ዝድለ፥ ሰናይ ግብሪ ደራሪቡ ዝሓዘ ሰብ’ዩ ኦሊሰጉን ኦባሳንጆ።
ወለዲ ኦባሳንጆ ትሸዓተ ቆልዑ ወሊዶም ዝተባረኹሎም ናይ ፈለማ ውላዶም ዝኾነ ኦባሳንጆን ሓብቱ ኣሊ ኦሌንን ‘ዮም።ካብ ዓሌት ዩርባ ዝተወለደ ኦባሳንጆ ፥ዝዓበየሉ ቁሸት ኣቡበን ኣለቡን ትሑት እቶት ዘለዎም ሓረስቶት ዝነብሩላ ቁሸት’ያ።ስብከት ሚስዮን ኣሜሪካ ዝስበኸላ ስለ ዝኾነት ኦሊሰጉን ብእምነት ክርስትና ተጠሚቑ’ዩ። ኣብታ ቁሸት ክርስትያን ጥራይ ዘይኮኑስ ሞስሊም’ውን ይነብሩ’ዮም። ሓብቱ ኣሊ ኦሌ ድሒራ ሞስሊም ዝኾነ ሰብኣይ ንክትምርዖ ምስልምና’ውን ተቐቢላ’ያ። ኣተዓባብያኡ ድኻም ዝበዝሖን ኣሸጋርን’ዩ። ወዲ 11 ዓመት ኮይኑ ዘመናዊ ትምህርቲ ረኺቡ ክሳብ ዝኣቱ፥ ኣብ ስራሕ ሕርሻ’ዩ ኔሩ።
ኣብ ናይ ባፕቲስት ትምህርቱ ንፉዕን ውጽኢታውን ስለ ዝነበረ ፥ኣብቲ ግዜ’ቲ ንናይጀርያ እትገዝኣ ብዝነበረት ብሪጣንያ ፥ናይ ትምህርቱ ወጻኢታት እናተኸፍለሉ’ዩ ተማሂሩ። ካብ ናይ ቀዳማይ ደረጃ ትምህርቲ ንላዕሊ ክቕጽል ግን ኣይከኣለን። ኣብኡ ንሰበይቱን ደቁን ገዲፉ ስለ ዝኸደ ድኽነት ኣብ ቤቶም ኣኹደደት። ኣርዑት ምጥዋር’ታ ስድራ ኣብ ልዕሊኡ ወደቐ፡፡ ንክፍሊት ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱን ንናብራ’ታ ስድራን ንምሽፋን፥ ኣብ ሕርሻ ኮክን ምግፋፍ ዓሳን ተዋፊሩ ዕንጨይቲ ብምእራይን ሑጻ ብምሻጥን ፥ብዝረኸቦ ገንዘብ ጌሩ ምስ ናብራ ድኽነት ፊት ንፊት ገጢሙ’ዩ። ናይ ካልኣይ ደረጃ ፈተና ጌሩ ጽቡቕ ውጽኢት ዋላ’ኳ እንተምጸአ ብሰንኪ ክፍሊት ክቕጽል ኣይከኣለን። ስለዚ ብሞያ ምምህርና ተቖጸረ። ኣብ ከምዚ ኩነታት እናሃለወ’ዩ ኣብ መበል 21 ዓመ፥ ንናይ መጻኢ ሂወቱ ኣንፈት ናብ ዘትሓዞ ሰራዊት ምክልኻል ናይጀርያ ዝተጸምበረ። ኦሊሴጉን ኦባሳንጆ ብመዓርግ ምክትል ተለንተ ተመሪቑ ኣባል 5 ይቲ ቦጦሎኒ ኮነ።
ኦኪሴጉን ኦባሳንጆ ኣባል ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ብምዃን ናብ ኮንጎ ብምዝማቱ ንስምዒት ኣፍሪቃውነቱ ከም ዘጎሃሃሮ ይዛረብ። ብመዓርግ ተለንተ ናብ ኮንጎ ምስ ዘመተ ፥ንዕዑን ምስኡ ዝተዋፈሩ ወተሃደራት ነይጀርያን ዝተወሃቦም ተልእኾ ፥ንምንቅስቓስ ኣብ ልዕሊ ፓትሪስ ሉሙምባ ዝዓመጹ ወተሃደራት ምግታእን በርጌስ ምሕላውን’ዩ ኔሩ። ንተልእኾኡ ፈጺሙ ምስ ተመለሰ ፥ናብ ሃንደሳ ተቐይሩ።ኣብ ወተሃደራውያን ኣብያተ ትምህርቲ ኢንግሊዝን ህንድን ኮርስ መኮንንነት ተኸታቲሉ ፥ካብ ሓላፍነት ናብ ሓላፍነት ካብ መዓርግ ናብ መዓርግ ተሰጋገረ። ኦባሳንጆ ኣብ ሂወት ውትህድርናኡ ብቕዓቱ ኣርእዩሉ’ዩ ተባሂሉ ዝምስገነሉ ፥ብመዓርግ ኮሌነልነት ንሰራዊት ፌደራል ብምምራሕ ምስ ሰራዊት ምግንጻል ግዝኣት ቢያፍራ ብምኩሻሕ ዝረኸቦ ዓወት’ዩ።
ን4 ዓመት ዝቐጸለ ኣስካሕካሕን ኣዕናውን ውግእ ሕድሕድ ናይጀርያ፥ንፍልልይ ዓሌትን ሃይማኖትን መሰረት ብምግባር ዘስካሕክሕ ህልቂት ኣውሪዱ’ዩ። ፍልልይ ዓሌትን ሃይማኖትን ኣብ ውሽጢ ሰበ ስልጣን መንግስትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን’ውን ሰሊኹ ብምእታዉ ሴፍ ክሳብ ምምዛዝ ኣብጸሖም። ሃገር ንክከላኸሉ ተባሂሎም ኣብ ሓደ መደበር ታዕሊም ወተሃደራት ተጠላሊሞም ቃታ ተሰሓሓቡ። ደለይቲ ስልጣን ንስልጣኖም ሃነፍነፍ ክብሉ እንከለዉ ፥ንሃገር ዘይኮነስ ብዛዕባ ቁሸትን ሃይማኖትን ዓሌትን ዝሓስቡ ወተሃደራት ደገፎም ንኣባል ዓሌቶም ዝኾነ በዓል ስልጣን እናሃቡ ተሃናኾቱ።
ኣብ ናይጄርያ 250 ዝኾና ዓሌታት ክህልዋ እንከለዋ ካብዚአን እተን ዝበዝሐ ህዝቢ ዘለወን ድማ 3 ኢየን። መብዛሕትኦም ሞስሊም ዝኾኑ ዓሌት ሃውሳ ብሰሜን፥ መብዛሕትኦም ክርስትያን ዝኾኑ ዓሌት ኢግቦ ብደቡብን ምብራቕን ክፋል ናይታ ሃገር ዘለዉ’ዮም። ኣብ 1960 ናጽነት ረኺቦም ንገዛእ ርእሶም ምምሕዳር ምስ ጀመሩ ኣብ ምክፍፋል ስልጣን ኣይተሰማምዑን ። ኩሎም ኣብ ነናይ ገዛእ ርእሶም ሕጓ ዓሌትነት ተሸጎጡ።
ኣብቲ ሲቪላዊ ምምሕዳር እቲ ፕረዚደንት ዋላ’ኳ ናይ ኢግቦ ክርስትያን እንተኾነ ፥ካብ ቀዳማይ ሚኒስተር ጀሚርካ ኣብ ካልእ ዘሎ ኣገዳሲ መዝነታት ፥ሞስሊም ብዝኾኑ ዓሌት ሃውሳ’ዩ ተታሒዙ ፥ንዝብል ፍልልይ እናንበድበዱ ናብ ትካላት ሓይሊ ምክልኻል ናይጄርያ ኣስፋሕፍሕዎ። ንሃገር ብሓባር ንክሕሉ ዝተመስረተ ትካል ምክልኻል ፥ዓሌትን ሃይማኖትን ንዝቴማኦም ውልቀሰባት ሰዓብቱ ገበሮም። ሃገር ንምክልኻል ዝተደኮነ ሓይሊ ምክልኻል ኣዳኻሪ ዓሌትነትን ሃይማኖትን ኮነ።ና ይጄርያ ንከምዚ ዓይነት ሕማቕ ሓሳብ ዘጓሃህር እምበር ዘጥፍእ ፥ኣርሒቑ ዝሓስብ ሰብ ስለ ዘይነበራ ሃልሃልታ ኲናት ዘነባ።
ግናይ ሓሳብ ልዕልና ዓሌትነትን ምግባት ስልጣንን ዘስረጹ ፥ ኣባላት ዓሌት ኢግቦ ዝኾኑ ወተሃደራት ብሜጀር ካሉና ኒዝጉሉ እናተመርሑ ኣብ ልዕሊ ሲቪላዊ መንግስቲ ዕልዋ ገበሩ። ንቀዳማይ ሚኒስተር’ታ ሃገርን ካልኦት ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን ፥መብዛሕትኦም ካብ ዓሌት ሃውሳፉላኒ ዝኾኑ ሰበ ስልጣን መንግስትን’ውን ረሸንዎም። ሓለቓ ስታፍ ዝነበረ ጀኔራል ኣቡ ኤርዎንሲ’ውን ስልጣን ካብ ሲቪላዊ መንግስቲ ተረኪበ’የ ብምባሉ ናይጄርያ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ሰራዊት ኣተወት።
በቲ ጉዳይ ዝተበሳጨዉ ምሁራትን ኣባላት ሰራዊትን ዝኾኑ ሰሜናውያን ዓሌት ሃውሳ’ውን ካልእ ዕልዋ መንግስቲ ገበሩ። ጀኔራል ኣቡ ኢሮንሲ ንዑደት ናብ ዩሮባ ኣብ ዝኸደሉ ግዜ፥ ኣብኡ ዝነበረ ኣዛዚ ሰራዊት ንኣባላት ዓሌት ሃውሳ ዝኾኑ ወተሃደራት ወዲቡ ቀተሎ። ዕልዋ መንግስቲ ከም ዝተገበረ ምስ ተሰምዐ ፥ኣባላት ኢግቦ ንዝኾኑ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ከካብ ዘለዉዎ ሃደንዎም። ኣብ ግዝኣት ሃውሳ ዝነበሩ መዓስከራት ሰራዊት ዝነብሩ ዝነበሩ ኣባላት ዓሌት ኢግቦ ዝኾኑ ወተሃደራት ኣኣብ ዘለዉዎ ተጨፍጨፉ። ምስኦም ሓቢሮም ብዝተዓለሙ መባልዕቶምን መዳቕስቶምን ዝኾኑ ኣዕሩኹቶምን ብጾቶምን ፥ክርስትያንን ዓሌት ኢግቦን ብምዃኖም ጥራይ ብጭካነ ኣቃበጽዎም። ኣብ ሃውሳ ፉላኒ ዝነብሩ ዝነበሩ ሲቪል ኣባላት ዓሌት ኢግቦ’ውን ይነብሩለን ካብ ዝነበራ ቁሸታት ንብረቶም ገዲፎም ክወጹ ተኣዘዙ። ኣብ ቁሸታትን ፈቐዶ መንገድታትን ተቐተሉ ። እቶም ብዕድል ክወጹ ዝኸኣሉ ድማ ናብ ደቡባዊ ግዝእት ኢግቦ ከዱ።
እዚ ግፍዒ’ዚ ኣብ ግዝኣት ደቡባዊ ምብራቕ ምስ ተሰምዐ፥ ኣብኡ ዝነበሩ ኣባላት ዓሌት ኢግቦ ዝኾኑ ኣባላት ሰራዊትን ኣዘዝቶምን ከም ሕሱም ተቖጥዑ። ካብቲ እዋን’ቲ ኣትሒዞም ድማ ንግዝኣት ደቡባዊ ምብራቕ ብምሓዝ ፥ናይ ገዛእ ርእስና ነጻ ግዝኣት መስሪትና ኢና ኢሎም ኣወጁ። መራሒኦም ድማ ንጀነራል ኦጁኩው ገበርዎ። ጠንቂ ውግእ ሕድሕድ ናይጄርያ እዚ ጉዳይ እዚ’ዩ።
ኣብቲ ግዜ’ቲ ኮሎኔል ኦባሳንጆ ኣብ ሰሜን ናይ ዝነበረ መዓስከር ሰራዊት ኣዛዚ’ዩ ኔሩ። ኣብቲ መዓስከራት ኣባላት ዓሌት ኢግቦ ዝኾኑ ወተሃደራት ክቕተሉ እንከለዉ ፥ብኣጋጣሚ ካብቲ መዓስከር ወጻኢ ናብ ዝርከብ ከባቢ ሜዱብሪ ከይዱ ኔሩ። ዕልዋ መንግስቲ ከም ዝተገበረ ምስ ሰምዐ መዓስከሩ ናብ ዝኾነት ካዱና ተመለሰ። ነቲ መዓስከር ካብ 3ይ ቦጦሎኒ ዝተዋጽኡ ወተሃደራት ሰሜን ንዓሌት ኢግቦ ዝኾኑ ወተሃደራት ይቐትሉን የጋፍዑን ነበሩ። ንዘርኢ መበገሲ ዝገበረ ህልቂት ኣብ ፈቐዶ መዓስከራት ከም ዘሎ ዝፈለጠ ኣመሓዳሪ ግዝኣት ሰሜን ሓሰን ካስቲና ሂወት ኮሎኔል ኣባሳንጆ ኣተሓሳሰቦ። ኦባሳንጆ ካብ ዓሌት ዩርባ ዋላ’ኳ እንተኾነ ፥ መልክዕ ኣብ ዘይብሉ ሕውስውስ ዝበለ ኩነታት ፥ኩሉ ኣዛዚ ኣብ ዝኾነሉ ግዜ ግን እቲ ዝፍጠር ኣይፍለጥን። ሓንጎል ብስምዒት ዕብዳን ኣብ ዝጋልበሉ እዋን ዝኾነ ነገር ከጋጥም ስለ ዝኽእል ፥ነቲ ኣጋጣሚ ጉንብሕ ኢልካ ምሕላፍ ይሓይሽ። ስለዚ ድማ ኣመሓዳሪ ሓሰን ካስቲና ንፈታዊኡ ኦባሳንጆ ፥ናብቲ መዓስከር ከይከይድ ብምንጋር ፥ምስ በዓልቲ ቤቱ ን11 መዓልቲ ተሓቢኡ ከም ዝጸንሕ ገበረ።
ሓደ ሓደ ግዜ ሰብ ኣይጽላእካ’ዩ’ሞ ኦባሳንጆ ነቲ ፈታኒ እዋን ሰገሮ። እቲ ጓህሪ ምስ ቀሃመ እቲ ረስኒ ምስ በረደ ኩሉ ነገር ስለ ዝሰክን ፥ኦባሳንጆ ንበዓልቲ ቤቱ ናብ ሌጎስ ብምስዳድ ንሱ ናብ መዓስከሩ ካዱና ተመለሰ። ኣብቲ ግዜ’ቲ ኣብ ሰሜን ካብ ዝነበራ መዓስከራት ሰራዊት፥እቲ ሓደን እንኮን ኣዛዚ ሰራዊት ኣባል ዓሌት ዩርባ ዝኾነ ኦባሳንጆ ጥራይ’ዩ ኔሩ። ኣብ መንጎ ሰሜንን ደቡብን ዝነበረ ወጥሪ መሊሱ በኣሰ። ናይ ኢግቦ ዝኾነ ግዝኣት ደቡባዊ ምብራቕ “ሪፓብሊክ ቢያፍራ”ተባሂሉ ወደባትን ኣብ ከባቢኡ ንዘሎ ኣፍደገታት ባሕርን ተቖጻጸረ።
ድሕሪ’ቲ ዕልዋ ስልጣን መሪሕነት መንግስቲ ዝሓዘ ካብ ዓሌት ሃውሳ ዝኾነ ጀነራል ያኩቡ ጋዋን ፥ድሕሪ ምውላዕ ኲናት ሕድሕድ ድሕሪ 2 ዓመት ፥ንሓይልታታ ሓድነት እናመርሐ ንኩናት ቢያፍራ ንክመርሕ ንኮሎኔል ኦባሳንጆ ዋና ኣዛዚ ጌሩ መደቦ። ኣብ ትሕቲኡ ዝእዘዝ ካብ 30 ክሳብ 40 ሽሕ ዝበጽሕ ሰራዊት ድማ ኣሎ። ኦባሳንጆ ኣብተን ናይ ፈለማ 6 ሳምንታት ነቲ ሰራዊት ኣብ ምክልኻል ጥራይ ኣዘዘ። ኣብ ኩሉ ግንባራት እናተዘዋወረ ንቁመና ሰራዊት ገምገመ። ሞራል ዋና ኣዛዚኡ ብቐረባ ዝረኸበ ሰራዊት ተነቓቐሐ። ኦባሳንጂ ኣብ ኩሉ ግንባራት ንዝጎደለ መሊኡ ትእዛዝ መጥቃዕቲ ሃበ። ዕድል ገጻ ኣይከልኣቶን። ኣብ ዕለተ ልደት ንከተማ ኡማሃያ ብምቁጽጻር ንፍርቂ ግዝኣት ቢያፍራ ተቖጻጸረ። ኣብ ዝቐጸለ ስርሒት ነመዕርፎ ነፈርቲ ኣብ ኢዱ ኣእተዋ። እዚ’ውን ንቢያፍራውያን ናይ መወዳእታ ስዕረቶም ኮነ። ጀነራል ኦጁኩ መውጽኢ ማዕጾ ተዋሂብዎ ናብ ጎረቤት ሃገር ሃደመ። ምክትሉ ኢዱ ሃበ። ዕጥቂ’ውን ኣውረደ።
ኮሎኔል ኦቦሳንጆ ንኩሎም ተራ ተዋጋእቲ ዕጥቆም ከም ዘውርዱ ብምግባር ንቀንዲ ኣዘዝቲ’ቲ ጉጅለ ናብ ሌጎስ ለኣኾም። ኦባሳንጆ ብዝበለጸ ዝተመጎሰሉን ዝና ዝረኸበሉን ድሕሪ’ቲ ኲናት ሰላም ንምውሓስ ኢሉ ዝወሰዶ ስጉምቲ’ዩ። ንኩሉ በርጌስ ኣብ ገዝኡ ክጸንሕ ብምግባር ንድሕነቱ ውሕስነት ሃቦ። ባሩድ ንዝጨነዎ፥ንብጻዩ ካብ ጎኑ ዝሰኣነ ወተሃደር ፥ናይ ስምዒትን ሕርቃንን ስጉምቲ ሕነ ምፍዳይ ምውሳዱ ኣይተርፍን’ዩ ብምባል ድማ ፥ ነቲ ሰራዊት ናብ ከተማ ንከይኣቱን ኣብ መዓስከራት ንክሕጸርን ተሪር ትእዛዝ ኣመሓላለፈ። ኣኽበርቲ ሕጊ ፖሊስ ናብ ስራሕ ከም ዝመልሱ ገበረ። ንዕግርግር ከም ጽቡቕ ዕድል ንዝጥቀሙሉ ሰረቕትን ዘረፍትን ስጉምቲ ከም ዝውሰደሎም ገበረ። ኣብ ገለገለ ርሕቕ ዝበሉ ከባቢታት ዝነበሩ ወተሃደራት ራስያን ዓመጽ ደቂ ኣንስትዮን ከም ዝፈጸሙ ምስ ሰምዐ ቅልጡፍን ዘየወላውልን ስጉምቲ ንምውሳድ ድሕር ኣይበለን።
ዓመጽቲ ደቂ ኣንስትዮን ሰረቕትን ዝኾኑ ወተሃደራት ተረሸኑ። ኣየር ሰላም ክነፍስ ጀመረ።ኩሉ ነገር ምስ ተረጋግአ ፕረዚደንት ጋዋን ንቢያፍራ ምስ ናይጀርያ ንምጽንባር ክግበር ዘለዎ ምቅርራባት ክጅመር ትእዛዝ ሃበ። ኦባሳንጆ ኲናት ንዝረመሰን ከተማታት ብቐዳምነት ቀረብ ማይ ክረኽባ ገበረ። ሞያ ምህንድስናኡ ተጠቒሙ ትሕተ ቅርጺ ከም ዝመቻቻእ ገበረ። ፖለቲከኛታት ምስ ሃደሙ ቀብሪ ደቆም ንዝደልዩ ናይጀርያውያን ንሕሉፍ ገዲፎም ብዛዕባ መጻኢ ንክሓስቡ ሓገዞም። ተልእኾኡ ምስ ዛዘመ ኣብ መላእ ናይጀርያ ኦባሳንጆ ህቡብ ኮነ። ጅግና ዓውደ ኩናት ተበሃለ። መዓርግ ብርጋዴር ጀነራልነት ተወሃበ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ከምዚ በለ።
“ከም ርዲኢተይ ናይጀርያውያን ነንሕድሕዶም ምውጋኦም ዘሐጉስ ተግባር ኣይኮነን። ብፍላይ ድማ ኣንጻርካ ኮይኖም ዝዋግኡኻ ዘለዉ መተዓብይትኻ ፥መታዓልምትኻ ፥ መባልዕትኻ ፥መዳቕስትኻ ኮይኖም ክጸንሑኻ እንከለዉ ኣዝዩ’ዩ ዘሰቅቕ”።
መራሒ ወተሃደራዊ መንግስቲ ናይጀርያ ሌተናል ጀነራል ጋባን ስልጣን ናብ ህዝቢ ንምምላስ ቃል ምስ ኣተወ ፥ኦባሳንጆ ንዝነበረ ሓይሊ ሰራዊት ብግቡእ ንምቕናስን ንምትዕርራይን ስልጣን ተወሃቦ። ግን ሕጂ’ውን ኣብ ናይጀርያ ዕልዋ መንግስቲ ተኸሰተ። ንናይጀርያ ን9 ዓመታት ዝመርሓን ንውግእ ሕድሕድ ብዓወት ዝዛዘመን ፥እቲ ዕርቂ ስሙር ምእንቲ ክኸውን “ስዑር ይኹን ዕዉት የለን” ብዝብል ዘረባኡ ነቲ ህዝቢ ብምርግጋእ ዝፍለጥ ጀነራል ያኩቡ ጋዋን ብኣዛዚ ሰራዊቱ ስልጣኑ ተመንዘዐ።
እቲ ጀነራል ኣብ መበል 12 ኣኼባ ውዱብ ሓድነት ኣፍሪቃ ንምስታፍ ናብ ኡጋንዳ ካምፓላ ኣብ ዝኸደሉ ግዜ ፥በዓል ጀነራል ሙንታራ መሓመድ ብዘወሃሃድዎ ሽርሒ ካብ ስልጣኑ ተወገደ። ዕላማ ናይቲ ዕልዋ መንግስቲ ድሌት ስልጣን እምበር ከም ናይ ዝሓለፈ ንዓሌተይ እባ ንሃይማኖተይ እባ መሰረት ዝገበረ ኣይኮነን። ገዋንን ሙንታራን ክልቲኦም ደቂ ሰሜን’ዮም።ኣብ ሸርሒ’ቲ ዕልዋ መንግስቲ ኦባሳንጆ ኢድ የብሉን። ምኽንያቱ መርገጺኡ ኣብ መንግስትን ስልጣንን ብወተሃደራዊ ሓይሊ ምሓዝ ንፍሉጥ ስለ ዝኾነ፥ ነዚ ነገር’ዚ ብትሪ’ዩ ዝቃወሞ። ስለዚ’ውን እቶም ዕልዋ ዝገበሩ ኣየማኸሩዎን። ኦባሳንጆ “ብደሞምራሲያዊ ዝኾነ ኣገባብ ዝምራሕ ሲቪላዊ መንግስቲ ንናይጀርያ እቲ ኣማራጺ ዘይብሉ እንኮ መንገዲ’ዩ ። ኣይኮነን ግን ኩሉ ግዜ ኣብ ሓደጋ ኢና” ብምባል መርገጺኡ ፍሉጥ ስለ ዝኾነ ብዛዕባ እቲ ዕልዋ ኣየማኸሩዎን።
እቲ ዕልዋ ምስ ተዓወተ ጀነራል ሙንታራ መሓመድ ፕረዚደንት ክኸውን እንከሎ ኦባሳንጆ ኣዛዚ ሰራዊትን ካልኣይ ሰብ ናይቲ መንግስትን ንክኸውን እቲ ወተሃደራዊ ቤት ምኽሪ መረጾ። ስልጣን ዋላ ኣይድለዮ” ናበይ ደኣ” እናበለ ተጸግዖ።
ንናይጀርያ ዝለኸፋ ሰይጣን ዕልዋ መንግስቲ ፈጺሙ ዘይታኸስ ስለ ዝነበረ ፥ሙንታራ ስልጣን ምስ ሓዘ ኣብ 8 ይ ወርሑ ካልእ ዕልዋ መንግስቲ ተበገሰ። እቲ ምንቅስቓስ በርዓነ። ነቲ ፕረዚደንትን ሓገዝቱን ካብ ምቕታል ግን ኣየድሓኖምን። ወተሃደራዊ ቤት ምኽሪ ተኣኪቡ ንብ/ጀነራል ኦባሳንጆ ተጸዋዒዑ ብምግባር ስልጣን ፕረዘደንትነት ናይጀርያ ኣረከቦ። ኦባሳንጆ ከይሓሰቦን ብመንገዲ ዕልዋ መንግስቲ ምድያብን ምውራድን ከየድለዮ ናብ ገዝኡ ንዝመጾ ስልጣን ንሱ ከም ዝብሎ” ኣብ ሓደጋ ንዘሎ ሓድነት ናይጀርያ” ክብል ተቐበሎ።
ሜጀር ጀነራል ኦባሳንጆ ስልጣን ድሕሪ ምሓዙ ፥ ከም ቀዳሞት ወተሃደራውያን መራሕቲ ንደቂ ዓሌቱ ዝኾኑ ብምምራጽ ስልጣን ክህቦም ኣይመረጸን። ምክትሉ ካብ ግዝኣት ሰሜን ዓሌቱ ሃውሳ ሃይማኖቱ ድማ ሙስሊም ንዝኾነ ጀነራል ያርዳዋን ገበሮ። ክርስትያን ዩርባ ስለ ዝኾነ ክርስትያን ዩርባ ክረቁሕ ኣይደለየን። ሓድነት ናይጀርያን ዕርቅን ምርግጋእን ቀዳማይ ተግባሩ ጌሩ ስለ ዝሰርዖ ኣወሃህባ ስልጣን ንዓሌት ዝተመርኮሰ ከይከውን ኣጸቢቑ ሓሲብሉ’ዩ።
ኣብቲ ግዜ’ቲ ናይጀርያ ብቁጠባ ኣዝያ ተሃስያ ዝቕባበ 34% በጺሑ ኔሩ።ኦባሳንጆ ነቲ ዝቕባበ ዝቆጻጸር ኮሚቴ ብምቛም ፕሮጀክትታት ዝግ ኣበሎም። ንቤት ጽሕፈታት መንግስቲ ዝግበር ዝነበረ ወጻኢታት ብ6 ዕጽፊ ብምጉዳል ንባጀት ጥዕና ትምህርቲን ምህናጽ ኣባይትን ክብ ኣበሎ። ኣብ ዓመቱ ዘተባብዕ ውጽኢት ረኸበ። ዝቕባበ ናብ 30% ወረደ። ኣባይቲ ብምህናጽ ዋጋ ክራይ ብምቁጽጻር ንዝነበረ ጸገም ኣባይቲ ከፋኹስ ጸዓተ። ኣብ ፋብሪካታት ኣድማ ሰራሕተኛታት እናበዝሐ ስራሕ ንምስራሕ ኣጸጋሚ ይኸውን ስለ ዝነበረ ፥ 42 ንዝኾና ማሕበራት ሰራሕተኛ ናብ ሓደ ማሕበር ብምጥርናፍ ነቲ ኣድማ ተቖጻጸሮ። ሕርሻ እቲ ዝዓበየ ድጋፍ ዝወሃቦ ዓውዲ ኮነ። ንዩኒቨርሲቲታት ዝወሃብ ዝነበረ ባጀት ስለ ዝጎደለ ዓመጽ ተመሃሮ ምስ ኣሸገሮ ንብርክት ዝበላ ዩኑቨርሲቲታት ዓጸወን። ነተን ዩኒቨርሲቲ ዝዓጸወን” እቲ ምንቅስቓስ ተመሃሮ ንወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ክሕግዝ ይኽእል’ዩ ኢሉ ስለ ዝፈርሐ’ዩ ” ዝብሉ ኣይተሰኣኑን።
ኣብ ቤት ጽሕፈታት መንግስቲ ይረአ ንዝነበረ ጎታቲ ኣሰራርሓ ንምቁጽጻር ዘኽእል ንድፊ ነደፈ። ቤት ጽሕፈታት ንሰበ ስልጣን ንዝገዝእአን መርሰደስ ቤንዚን መካይን ብምእጋድ ዋጋአን ትሑት ብዝኾና መካይን ንክትከኣ ተሪር ትእዛዝ ሃበ። ከም ሻምፓኝ ዝኣመሰለ መስተታት ናብ ሃገር ከይኣቱ ኣዘዘ። ብዙሕ ወጻኢታት ንዝግበረሉ ዝነበረ ሓይሊ ምክልኻል 12 ሽሕ ንዝኾኑ ኣባላቱን ኣዘዝቱን ብምጉዳል ከም ብሓድሽ ወደቦ። ዝተነከዩ ወተሃደራት ናብ ትካላት ተሃድሶ እናኣተዉ ሲቪላዊ ሂወት ዝመርሑሉ መንገዲ ኣጣጥሓሎም።
ብወተሃደራዊ መሪሕነት ኣብ ዝጸንሓለን 4 ዓመታት ቀንዲ ተቓዋሚ መንግስቲ ኣፓርታይድ ደቡብ ኣፍሪቃ’ዩ ኔሩ። ምስ ኢንግሊዝን ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃን’ውን ጽቡቕ ኣይነበረን። ብፍላይ ድማ መንግስቲ ማርጋሬት ታቸር ሓያል ደጋፊ መንግስቲ ኣፓርታይድ ደቡብ ኣፍሪቃ ብምንባራ ፥ ኣብ ልዕሊ ዝነበሮ ቅርሕንቲ ተወሲኽዎ ብዘይምስምማዖም፥ ዝኾነ ይኹን በዓል ስልጣን ናይጀርያ ናብ ኢንግሊዝ ከይከይድ ብምእጋድ ንሱ’ውን ንሎንዶን ኣይረግጻን’የ በለ። ኦባሳንጆ ነዚ ልዕል ኢልና ዝረኣናዮ ጽቡቕ ነገራት ንናይጀርያ ጌርላ’ዩ ዋላ እንተተበሃለ ፥ ኣብ እዋን መሪሕነቱ ንምንቅስቓስ ፖለቲካ ብምዕፋን ፥ንተቓወምቲ ብምእሳርን ብግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ካብ ምሕማይ ዓዲ ኣይወዓለን።
ጀነራል ኦባሳንጆ ዋላ’ኳ መራሒ ሃገር እንተኾነ ፥ኣብ ዲሞክራስን ሓድነት ናይጀርያን ዝነበሮ ጽኑዕ መርገጺ ግን ኣይተበረዘን። ስልጣን ናብ ሲቪላዊ መንግስቲ ክምለስ ኣለዎ ዝብል እምነቱ’ውን ኣይተናወጸን። ስለዚ ብገዛእ ፍቓዱ ስልጣን ካብ ወተሃደራዊ መንግስቲ ናብ ሲቪላዊ መንግስቲ ዘሰጋግር ሕገ መንግስቲ ክረቅቕ ወሰነ። ኣብቲ ሕገ መንግስቲ ንኣወዳድባ ፌደራል ሲዒቡ ፥ኣብ ክንዲ ናይ ኢንግሊዝ ስርዓት ፓርላማ ናይ ኣሜሪካ ቀጥታዊ ምርጫ ከም ዝጸሓፍ ገበረ። በዚ ድማ ንውልቀ መላኽነት ክትቆጻጸር ትኽእል ኢኻ ተባሂሉ ተኣመነሉ ። ሓደ እዋን ከምዚ በለ።
” ዲሞክራሲ ቅርጺ ቅኑዕነት መንግስቲ ኣይኮነን። ግን ኣብ ከማና ዝበለ ልዕሊ 350 ዓሌታት ኣብ ዘለዉዋ ሃገር ብዙሓት ዓሌታት ተሳትፎ ከም ዝህልዎም ዝገብር መንግስቲ ምስ ዝኸውን ጥራይ’ዩ። ምዝርራብ ምክታዕን ደሞክራስን ምስ ዝህሉ’ዩ ከምዚ ዝኸውን”
ምርጫ ተገበረ። ሻውሻ ኣጋሪ ተመረጸ።ጀነራል ኦባሳንጆ ደስ እናበሎ ፥ ከይከፍኦ፥ ገጹ ከይኣሰረ በትረ ስልጣን ብምርካብ ሸተት በለ። ኣብቲ ግዜ’ቲ ብፍቓድካ ስልጣን ምርካብ ኣይኮነን ዶ ኣብ ኣፍሪቃ ፥ ኣብ ላቲን ኣሜሪካን ኤስያን ከምኡ’ውን ኣብ ገለገለ ሃገራት ኤውሮጳን ናይ ብርቂ ብርቂ’ዩ ኔሩ። ኣብ እፍሪቃ ስልጣኑ ንሲቪላዊ መንግስቲ ብፍቓዱ ብምርካብ ኦባሳንጆ እቲ ናይ ፈላማ’ዩ። ኣብቲ ግዜ’ቲ ብዙሓት ሰባት ኣዝማዱን ኣዕሩኹቱን ፥ከመይ ኢልካ ኣብ ኢድካ ንዝጨበጥካዮ ስልጣን ከም ተራ ነገር ትገድፍ እናበሉ ዝመኽርዎ ብዙሓት’ዮም ኔሮም። ኣይኮነን ዶ ናይ ቀረባ ፈተውቱ ፕረዚደንት ቶጎ ዝነበረ ኣያዴማን ፕረዚደንት ዛምብያ ዝነበረ ካውንዳን ፥ ስልጣን ዶ ከምዚ ብዋዛ ይግደፍ’ዩ እናበሉ ሚዒዶሞ ኔሮም። ኦባሳንጆ ግን ኣብዛ ጉዳይ’ዚኣ ቆራጽ ስለ ዝነበረ ናይ ዝኾነ ሰብ ምኽርን ኣተሓሳስባን ሰንከልከል ኣየበሎን። ኣብ መትከሉ ጸኒዑ ስልጣኑ ብምርካብ ናብ ሕርሻኡ ከደ።
ኦሊሰጉን ኦባሳንጆ ካብ መሪሕነት መንግስትን ወተሃደራዊ ስልጣንን ኣብ መበል 41 ዓመቱ ተሰናቢቱ ኣቐዲሙ ኣብ ዝጀመሮ ሕርሻ ተዋፈረ። ካብ ፕረዚደንት ናብ ሓረስታይ ተቐየረ። ብዛዕባ ሕርሻ ናይ 6 ሳምንትታት ስልጠና ብምውሳድ ኣብ “ኦታ” ኣብ ዝነበሮ 230 ሄክታር መሬት ደርሆ ከራብሕ ጀመረ። በዚ’ውን ዕዉት ብምዃን ኣብ ሓንቲ ሰሙን 140 ሽሕ ጨቓዊት ናይ ዘጫጭሕ ትካል ዋና ኮነ። ኣብ ካልእ ቦታ’ውን ንሕርሻኡ ብምስፍሕፋሕ 400 ሰራሕተኛታት ብምቑጻር ኣብ ስራሕ ሕርሻኡ ኣተኮረ። ኦባሳንጆ ብዛዕባ ሃገሩ ኣዝዩ ስለ ዝሓስብ ንዝመጹ መራሕቲ ምምካርን ምቅዋምን ኣየቋረጸን፡፡ኣብ ኣህጉራዊ መድረኻት ምስታፍ’ውን ቀጸለ።
ናይጀርያ ዝመደበሩ ጋኔን ዕልዋ መንግስቲ ሕጂ’ውን ኣየዕረፈን። ዋላ’ኳ ሲቪላዊ መንግስቲ እንተተመስረተ ወተሃጸራዊ ዕልዋ ኣይተረፈን። ንሲቪላዊ መንግስቲ ሻውሻ ኣጋሪ ኣለይዎ። ኣቐድም ኣቢሉ ኦባሳንጆ ናብ ስልጣን ንክምለስ እቶም ወተሃደራት ሓቲቶሞ ኔሮም ይበሃል’ዩ።” ሃገር ብዕልዋ መንግስቲ ኣይትዓብን’ያ። መወዳእታ ስለ ዘይብሉ ድማ ኣነ ኣይደልን’የ። ንስኻትኩም’ውን ኣይትሕሰብዎ ኢለዮም ኔረ”ይብል። ብዘይ ናቱ ሓገዝ እቶም ወተሃደራት ነቲ ሲቪላዊ መንግስቲ ብምእላይ መሓመድ ቡሃሪ ስልጣን መሪሕነት ሓዘ። ድሕሪኡ’ውን እንተኾነ ብዕልዋ መንግስቲ ምቅይያር ኣይተረፈን። ኦባሳንጆ ከምዚ ይብል።
“ሓንቲ ሃገር ብጎንፊ ዕልዋ መንግስቲ እንተደኣ ተጎኒፋ ካብ ጎንፋ ንምሕዋይ ዝተወሰነ ግዜ ይወስድ’ዩ። ዕልዋ መንግስቲ ሓንሳብ እንተደ ተጀሚሩ ኣብ ናይጀርያ ኣጋጢሙ ከምዘሎ ከም ልሙድ ሙዚቃ ኢዩ ዝኸውን። ንሻዉሻጋሪ ዝዓለዉ ወተሃደራት ነንሕድሕዶም ስለ ዝተጠላለሙ ተወጊዱ። እዚኣቶም’ውን ብካልኦት ተኣለዩ። ንወተሃደር ዘድልዮ ዝነበረ ነገር ዕልዋ መንግስቲ ኣማራጺ ከም ዘይኮነ ምርዳእ’ዩ ኔሩ”።
ኦባሳንጆ ስልጣን ምስ ገደፈ ነተን ዝሰዓባ 10 ዓመታት ንዝመጹ ወተሃደራውያን መራሕቲ ንዝተጋገዩ ምእራምን ጌጋታቶም ካብ ምንጋርን ኣይተቖጠበን። ኮይኑ ግን ገሊኦም ንተሰማዕነትን ዓቕሚ ኣወዳድባኡን ብምግንዛብ ንስልጣኖም እናስገኦም ይፈርሕዎ’ዮም። ብፍላይ ድማ ካብ 1993ክሳብ 1998 ዓ ም ብዕልዋ መንግስቲ ስልጣን ምስ ዝሓዘ ጀነራል ሳኒ ኣባቻ ኣብ ዝተኻረረ ዘምቅዳው ኣተወ። እቲ ግዜ’ቲ ኦባሳንጆ ምስ ሓደ ሰልፊ ተጸንቢሩ ብዛዕባ ዲሚክራሲ ዝቃለሰሉ ግዜ’ዩ ኔሩ። ጀነራል ኣባቻ ብሸርሒ ዕልዋ መንግስቲ ንካልኦት ክኣስር እንከሎ ፥ኦባሳንጆ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኮፐንሃገን ኣብ ዘዳለዎ ኣኼባ’ዩ ዝሳተፍ ኔሩ። ፈተውቱ ስልኪ ብምድዋል ንከይመጽእ ዋላ እንተነገርዎ ” ዋላ ሓንቲ ከይኣበስኩ ከመይ ኢለ ካብ ሃገረይ ርሒቐ እነብር?” ብምባል ደረቱ ነፊሑ ተመለሰ።
ከም ዝተሰግአ ድማ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ምስ በጽሐ ፓስ ፖርቱ ተመንጠለ። ንጽባሒቱ ካብ ገዝኡ ወሲዶም ዳጎንዎ። ብጀካ መጽሓፍ ቅዱስን ቁርኣንን ካልእ ኩሉ ነገር ተኸልኪሉ ሕዩር ቤት ማሕቡስን ገዛን ኮነ። ናብ ቤት ፍርዲ ብምቕራብ ድማ 25 ዓመት ተፈረደ። ካልኦት ድማ መቕጻዕቲ ሞት ተበየነሎም። ኣብቲ ግዜ’ቲ ንኦባሳንጆ ዘፍርሖ ዝነበረ ግን “ብመርዚ ጌሮም ክቐትሉኒ’ዮም ” ዝብል ስግኣት’ዩ ኔሩ። ምኽንያቱ ድማ ምስኡ ዝተኣሰረ ናይ ቀደም ምክትሉ ዝነበረ ጀነራል ያርዱኣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንከሎ ተመሪዙ’ዩ ሞይቱ ተባሂሉ ይዕለል ስለ ዝነበረ።
ናይ ቀረባ ኣዕሩኹቱ በዓል ፕረዚደንት ካርተር ብዝፈጠርዎ ጸቕጢ መቕጻዕቲ ኦባሳንጆ ናብ 15 ዓመት ተመሓየሸ። ኮይኑ ግን ኣብ ዝመጽእ እንታይ ከም ዝመጽእ ስለ ዘይፍለጥ ፥ኦባሳንጆ ድሕሪ ምእሳሩ ኣብ 3ይ ዓመቱ ነጻ ዝወጽኣሉ ኣጋጣሚ ተፈጠረ። ፕረዚደንት ኣባቻ ሃንደበት ሞተ። ንዕዑ ዝተክአ ሓለቓ ስታፍ ጀነራል ኣቡበከር ንኦባሳንጆ ነጻ ብምልቃቕ ካብ ዝተኣሰሮ “ኣታ” ናብ ሌጎስ ትወስዶ ነፋሪት ሊኢኹ ነጻ ገበሮ።
ምስ ተፈትሐ ኣብ ዓመቱ ምርጫ ዝተገበረሉ ግዜ’ዩ ኔሩ። ንሰልፊ people’s Democratic party ብምውካል ንምውድዳር ተዳለወ። ኣብቲ ግዜ’ቲ ናይ ቀረባ ፈተውቱን ብጾቱን ይትረፍካ ፥ኣብ ውሽጥን ወጻእን ንዘለካ ጽቡቕ ስእሊ ከስእነካ’ዩ፥ ክቐትሉኻ’ዮም በልዎ።ኦባሳንጆ ግን ብባህሪኡ ሓሲብካ ምግዳፍ ጀሚርካ ምቁራጽ ስለ ዘይለመደ ዝሰምዕ ኣይነበረን። ተወዳደረ።ተመረጸ’ውን። ከምዚ ድማ በለ።
” ንናይጀርያ ብሓድነታ ንምሕላውን በዓልቲ ጸጋ ንምግባራን ንዝነበረና ዕድል ኩሉ ተጠቒምና ኢና። ብምርጫ ስልጣን ምስ ሓዝኩ፥ ናይጀርያ ክትበታተን’ያ ኢሎም ዝኣመኑ ፥እቲ ናይ መወዳእታ ፕረዚደንት ናይጀርያ ክትከውን ኢኻ ይብሉ ኔሮም። ካልኦት ድማ ሓንቲ ዓመት’ውን ኣይትጸንሕን ኢኻ ይብሉ ኔሮም። 8 ዓመት ግን ጸኒሔ፡፡ ድሕረይ’ውን 2 ፕረዚደንታት ስልጣን ሒዞም’ዮም። ኣብ ቀጻሊ’ውን ብዙሓት መራሕቲ ክቀያየሩን ነዚ ዲሞክራሲ’ዚ ንክቕጽልዎ ትምኒተይን ጸሎተይን’ዩ”።
ንካልኣይ ግዜ ድማ ተመረጸ። ሰብ ከም ዝፈርሖ ከይተቐተለ፥ስሙ ከይተበላሸወ ፥ጥሉል ሳዕሪ ከይዓንቀፎ ግዜ ስልጣኑ ብሰላም ዛዘመ። ከምዚ ይውስኽ።
“ምስ ተመረጽኩ ዝገበርኩዎ እንተኔሩ ፥ዝኾነ ይኹን ሰብ ፥ዝኾነ ይኹን ወተሃደር ካብ መስርሕ’ቲ ዕልዋ መንግስቲ ብቀጥታ ዝተጠቐመ ካብ ውትህድርና ከም ዝእለ ምግባር’ዩ፡፡ኣይተቐጽዑን። ግን ጡሮታ ኣውጺእናዮም። 93 ዝኾኑ መኮንናት ከምዚ ጌርና ኣሊናዮም”። በዚ’ውን ንዕልዋ መንግስቲ ከም ዘይዕገሶ መልእኽቲ ኣማሓላሊፈ።
ኣብ እዋን ስልጣኑ ናይጀርያ ዕቤት ቁጠባ ኣመዝጊባ’ያ። ናይ ወጻኢ ርክባ ዝሰመረ ኮነ። ትካላት ትምህርትን ጥዕናን’ውን ኣስፋሕፍሓ። ብርግጽ ግን ኣብ ናይጀርያ ሱር ንዝተኸለ ብልሽውና ከትርፎ ግን ኣይከኣለን። ኮሚሽን ጸረ ብልሽውና ዋላ’ኳ እንተመስረተን ኣብ ልዕሊኡ መርመራ እንተተገበረን፥ ንብረት መንግስትን ህዝብን ካብ ምርሳይ ኣይደሓነን።ሕሉፍ ሓሊፉ ንገዛእ ርእሱ’ውን እናተጠርጠረ ፥መበገሲ ሕቶ ጋዜጠኛታት ኮነ። ንሱ ግን ንንጽህናኡ እናተዛረበ ኣባላት ካቢኔኡ’ውን ዘይጥርጠሩ ከም ዝኾኑ እናጠቐሰ ነቲ ሕሜታ ቤላቤሎው ጌሩ ኣትረፎ።
5 መጋቢት 1937 ዝተወለደን ንናይጀርያ ካብ 1999 ክሳብ 2007 ብፕረዚዳንትነት ዝመርሐን ኦባሳንጆ ሕጂ ወዲ 85 ዓመት’ዩ ። ኦባሳንጆ ባህሊ መግለጺ መንነት ስለ ዝኾነ ክኸብር ይግብኦ ኢሉ ይኣምን። ኣብ ሙሉእ ሂወቱ ሙሉእ ባድላ ተኸዲኑን ክራባታ ኣሲሩን ኣይፈልጥን። ኣብ ሂወት ውትህድርና ካብ ዝለበሶ ወተሃደራዊ ክዳን ወጻኢ ፥ኣብ ዓሌት ዩርባ ንዝተለመደ ኣከዳድና ሙሉእ ሂወቱ ይጥቀመሉ’ዩ ዘሎ።
እዚ ኣተሓሳስባ’ዚ ገና ቆልዓ እንከሎ ዝጀመረ’ዩ። ኣብቲ ግዜ’ቲ ክርስትና ክቕበል እንከሎ እቶም ሚሲዮናውያን “ማቴዎስ ” ዝብል ስም ኢዮም ሂቦሞ ኔሮም። ኣቦሳንጆ ግን ኣነ እሊሴጉን ኦባሳንጆ እምበር ማቴዎስ ኣይኮንኩን በለ። ማቴዎስ ንዓይ እንታይ’ዩ ብምባል ሓንገደ። በዚ ስም እዚ’ውን እነሆ ክሳብ ሕጂ ይጽዋዓሉ ኣሎ።
“ባህሊ ሓደ ኣካል ናይ መንነተይ’ዩ ኢለ’የ ዝኣምን። ዝኾነ ይኹን ክወስደልካ ዘይተፍቅደሉ ክኸውን ኣለዎ። ስምካ ፥ ምግብኻ ፥ ሳዕሲዒትካ ፥ ንኣለባብሳኻ’ውን ይሕውስ’ዩ። ኣነ’ውን ባህለይን ልምደይን ንከጉልሕ ንኣለባብሳይ ዘኽብርን ዝስዕብን ሰብ’የ ኮይነ” ይብል ኦባሳንጆ።
ኦባሳንጆ ኣዕላልን ተዛራባይን’ዩ ዝበሃል። ዳእላ’ውን ኣይሰኣኖን’ዩ። ርግእ ኢሉ ዝዛረብ ግንፍል ግንፍል ዘይብል ፥ገንዘብ ዘየባኽን’ዩ’ውን ይበሃል’ዩ። ብባህሪኡ ፊት ንፊት እምበር ሕብእብእ ዝበለ ነገር ኣይፈቱን’ዩ ይበሃለሉ’ዩ። ዋላ እንድሕር ተጋግዩ ፊት ንፊት እንድሕር ተዛሪብካዮ ይሰምዕ’ዩ ይብሉ ናይ ቀረባ መሳርሕቱ። ስርቂ ኣይፈቱን’ዩ። ብደቂ ሰባት ፍቱው’ዩ። ኣብ ልዕሊ ካልኦት ተንኮልን ሽርሕን ምእላም ኣይፈቱን’ዩ። ደቂ ሄዋን’ውን ፍትውትው ከም ዘብል ይንገረሉ’ዩ። ካብ ዝተፈላለያ ኣንስቲ 19 ቆልዑ ክህልውዎ እንከለዉ ሓደ ብምርዓም ዘዕበዮ ቆልዓ’ውን ኣለዎ።
ካብ 5 ንላዕሊ መጻሕፍትን ብርክት ዝበሉ ጽሑፋትን ዘሕተመ ደራሲ ኦባሳንጆ ንናይጀርያ ኣብ ዓሌትነት ዝተመርኮሰ ፖለቲካ ኣይጠቕማን’ዩ ብምባል ይምዕድ። ንህዝቢ ናይጀርያ ዘተኣሳስሮ ዲሞክራስን ሰናይ ምምሕዳርን ጥራይ’ዩ ኢሉ ይኣምን። ነዚ እምነቱ’ዚ ንመንእሰያት ካብ ምንጋር ተቖጢቡ ኣይፈልጥን። ብመንእሰያት ብዙሕ ተስፋ ኣለዎ። ንመንእሰያት “ብቅድሜኹም ዘሎ ወለዶ ንዝተተሓዘ ስልጣን ቀልጢፍኩም ክትርከቡዎ ኣለኩም”እናበለ ይምዕድ”።
“ኣቱም መንእሰያት ! ናይ ጽባሕ ዘይኮነስ ናይ ሎሚ መራሕቲ ክትኮኑ ኣለኩም።ንመንእሰያት ናይጀርያ ዝመኽረኩም ዝኾነ ይኹን፥ ናይ ጽባሕ መራሕቲ ኢኹም ኢሉ ክነግረኩም ብፍጹም ኣይተፍቅዱ። ንጽባሕ እንተደኣ ትጽበዩ ኮንኩም መሪሕነት ከይወሰድኩምን ጻባሕ’ውን ከይመጸት ክትተርፍ’ያ። ንጽባሕኩም ከጥፍእዋ’ዮም”። ለበዋ ኦባሳንጆ ንመንእሰያት ወልዶ ናይጀሪያ’ዩ።
ዝኸበርኩም ስድራ ሞዛይክ ባህሊ ርግጸኛታት ኢና ዛንታ ኦሊሴጉን ኦባሳንጆ ንኩላትና ከም ዝሕድሰና። ኣፍሪቃ ኸ ከምዚ ዓይነት መራሒ ኔርዋ ድዩ ከም እትብሉ እምንቶና ዩ። ርእይቶኹም ከም ልሙድ ኣብ ቦታ ርእይቶ ክንጽበ ኢና። ኣብ ቀጻሊ ብካልእ ትሕዝቶ ክሳብ ንራኸብ ተቛጺርኩም ኣይበለና ኣኣብ ዘለናዮ ሰላምን ጥዕናን።
ኣንገሶም ተስፋሚካኤል