እቲ ብተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ብድሆ ኣጋጥምዎ ዝጸነሐ፡ ስደተኛታት ናብ ሃገረ ሩዋንዳ ናይ ምስጓግ ውጥን ዓባይ ብሪጣንያ፡ ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ናይ’ታ ሃገር ሕጋዊ ኢዩ ተባሂሉ። እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ወሲኹ፡ እቲ ስደተኛታት ካብ ዓባይ ብሪጣንያ ናብ ሩዋንዳ ናይ ምስጓግ ውጥን ሰብኣዊ መሰል ይኹን ውዕል ስደተኛታት ውድብ ሕብራት ሃገራት ከምዘይጥሕስ ኢዩ ደንጊጉ ዘሎ።
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዓባይ ብሪጣንያ ብዘይካ’ዚ፡ ጉዳይ ናይቶም ኣብ ቀዳማይ ኢብረ ምስጓግ ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ ዝነበሩ ሸሞንተ ስደተኛታት ዳግማይ ክረአ ከምዘድሊ ወሲኹ ኣፍሊጡ። መንግስቲ ሩዋንዳ ብወገኑ፡ እቲ ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ንግስነት ዓባይ ብሪጣንያ ዝተዋህበ ውሳነ እወታዊ ስጉምቲ ክብል ሞጎሱ ገልጹ ኣሎ።
ብድሕሪ ኣቲ ውሳነ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ፡ ሪሺ ሱናክ፡ ” ኩሉ ግዜ፡ ፖሊሲ ሩዋንዳ ሕጋዊ ኢዩ ዝብል እምነት ነይሩና፡ ሎሚ ድማ፡ ንሱ ምርግጋጹ ሕጉስ ኢየ” ክብል ገልጹ።
ብድሕሪ’ቲ ውሳነ፡ ጸሓፊት ውሽጣዊ ጉዳያት ዓባይ ብሪጣንያ፡ ነቲ ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ ናይ ምስጓግ ውጥን ፡ ኣብ ስራሕ ንምውዓል ብተወፋይነት ከምትሰርሕ ኣፍሊጣ ኣላ። ንንጥፈታት ቤት ጽሕፈት ውሽታዊ ጉዳይ ትከታተል በዓል ስልጣን ናይ’ታ ሃገር ብወገና፡ እቲ ውጥን ዘይሰርሕ፡ ዘይሞራላዊን ብዋጋ ድማ ኩቡርን ምዃኑ ገልጻ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ቦሪስ ጆንሰን ብወገኑ፡ “ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ንፖሊሲ ሩዋንዳ ሕጋዊ ኢዩ ኢሉ ፍርሲ ምሃቡ ዝሑጉስ ዜና ኢዩ። ነቶም ንብዙሓት ዝምዝምዙ ዘለዉ ኣሰጋገርቲ ደቂሰባት ክንገጥመሉ እንኽእል እንኮ ሰብኣዊ መንገዲ ኢዩ” ክብል ብመንገዲ ትዊተር ገልጹ።
It is welcome news that the High Court has ruled that the Rwanda policy is lawful. It is one of the only humane ways of dealing with the vile people trafficking gangs who are exploiting so many people.
— Boris Johnson (@BorisJohnson) December 19, 2022
እዚ ብሶኒ 19 ታሕሳስ ብቤትፍርዲ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ንጉዳይ ምስጓግ ስደተኛታት ካብ’ታ ሃገር ናብ ሩዋንዳ ዝምልከት ተዋሂቡ ዘሎ ፍርዲ፡ ካብ ትጻረርቲ ናይቲ መደብ ይግባይ ክቀርቦ ትጽቢት ይግበር። እቲ ቤት ፍርዲ ድማ ይግባይ ንቕራብ ክፍቀድ ድዩ ኣይክፍቀድን ንዝብል፡ ዝመጽእ 16 ጥሪ 2023 ውሳነ ክህብ ኢዩ።
ተጣበቕቲ ስደተኛታትን ተቃወምቲ ሰልፍታት ብሪጣንያን ኣብ ልዕሊ’ቲ ብቤትፍርዲ ዝተዋህበ ውሳነ ዘለዎም ቅሬታ ኣብ ምግብላጽ ከምዝርከቡ ድማ ማዕከናት ዜና ዓባይ ብሪጣንያ ይገልጻ ኣለዋ። ብካልእ ወገን ሃንዳሲት ናይ’ዚ ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ ናይ ምስጓግ ውጥን ዝኾነት፡ ጸሓፊት ውሽጣዊ ጉዳያት ናይ’ታ ሃገር ነበር፡ ንውሳነ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ብሓጎስ ከምዝተቀበለቶ ኢዩ ዝግለጽ። መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ብወገኑ፡ በቲ ውሳነ ሕጉስ ምዃኑን፡ በረራ ምስጓግ ስደተኛታት ናብ ሩዋንዳ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ንምጅማር ድማ ድልው ምሃላው ከምዝሓበረ ኢዮም እተን ማዕከናት ዜና ዝጸብጽባ ዘለዋ።