ቀዳም, ጥቅምቲ 25, 2025

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ዙር ጋቦን ክትሳተፍ ምዃና ተሓቢሩ

ኣዳላውቲ Tropicale Amissa Bongo ተባሂሉ ዝፍለጥ ውድድር ብሽክልታ ብዘውጽእዎ ሓበሬታ መሰረት፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብቲ ኣብ ጋቦን ዝካየድ ውድድር ክትሳተፍ ኢያ። ብመሰረት ኣዳላወቲ ናይ’ቲ ውድድር ኣብ መርበብ ሓበሬታኦም ዘስፈርዎ ዝርዝር፡ እቲ ውድድር ካብ 23 ጥሪ ክሳብ 29 ጥሪ ዓመተ 2023 ኢዩ ክካየድ። እዚ ውድድር ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ 19 ንክልተ ዓመት ኣቛሪጹ ምንባሩ ውን እቲ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብዚ ውድድር 5 ፕሮፌሺናል ጋንታትን ዓሰርተ ሃገራዊያን ጋንታት ኣፍሪቃን ክሳተፋ ኢየን። እተን ኣብዚ ውድድር ዝሳተፋ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኤርትራ፡ ኣልጀሪያ፡ በኒን፡ ሞሮኮ፡ ኣይቨሪኮስት፡ ቡርኪኒፋሶ፡ ካመሮን፡ ማውሪተስን፡ ሩዋንዳን ኣኣእጋዲት ሃገር ጋቦንን ኢየን።

እተን ፕሮፌሺናል ጋንታት ድማ፡ ቶታል ኤነርጂ ናይ ፍራንሳይ፡ ቢንጎል ናይ በልጅም፡ በይኮዝ ናይ ቱርኪ፡ ከምኡ ድማ ኢ ኤፍ አዱኬሽን ኒፖ ዲቲ ናይ ሕብራት መንግስታት ኣመሪካን ኢየን።

ብድምሩ ኣብዚ ውድድር 90 ዝኾኑ ተወዳደርቲ፡ ንዓሰርተ ሃገራት ኣፍሪቃን 5 ፕሮፌሺናል ጋንታታትን ወኪሎም ክሳተፉ ኢዮም።

 

ተዛማዲ ትሕዝቶ

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ማሕበራዊ መራኸቢ

7,388FansLike
959FollowersFollow
27,800SubscribersSubscribe

ካልእ ኣበርኪቶ ጸሓፊ