ዲሞክራቲ ሪፓብሊክ ክንጎ:ኣብ ጉዳይ ናይል:ምስ ግብጺ ከምትዉግን ተፈሊጡ::
ንጉዳይ ናይል ዝምልከት: ሱዳን: ግብጺን እትዮጵያን ኣብ ርሱን ክትዕን ስልሳዊ ጽምዶ ሽምግልናና ከለዎ: ብ 19 መስከረም: ፕረዝደንት ግብጺ ካብ መዘንኡ ፕረዚደንት ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ: ፈሊክስ ተሺሰከዲ: ን መርገጺ ግብጺ ኣብ ጉዳይ ናይል ዝድግፍ ደብዳቤ ከምዝተቀበለ: ገሊጹ:: ብመስረት ካብ ቤት ጽሕፈት ፕረዝደንት ኣል ሲሲ ዝወጸ መግለጺ፥ ፕረሲደንት: ኮንጎ ን መርገጺ ግብጺ ከምትድግፍን: ከምኡ’ውን ናይ ክልቲአን ሃገራት ዝምድና ክምዕብል ተስፍኡ ሙኻኑን፡ ሃገሩ ካኣ ካብ ሃብታም ተመክሮ ግብጺ ኣብ ምህናጽ ትሕተ-ቅርጽን ዓበይቲ ፕሮጀክትን ተኻፋሊት ክትከውን ዘለዎ እምነት ከም ዘለዎ: እቲ መግለጺ ይሕብር:: እቲ መግለጺ ወሲኹ: ፕረዝደንት ኣል ሲሲ ብወገኑ ንመገጺ ክንጎ: ምስጋንኡ ከምዝገለጸን ግብጺ ኣብ ቁጠባዊ ምዕባለ: ሰላምን ሕንጸት ትሕቲ ቅርጸን ን ኮንጎን ንሃገራት ኣፍሪቃ እጃም ከም ተበርክት ሓቢሩ:: ከምዝፍለጥ: ኣብ ወርሐ መጋቢት : ብ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ሽኩሪ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ግብጺ: ደገፍ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ግደይ ናይል ንምርካብ ብዝብል: ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዑደት ከም ዝገበረ ይዝከር::