ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ኣሕዋትን ኣሓትን ደቂ ሃገር!!
ሰላምታ ብምቅዳም፡ ኣብ ሂወትኩም ጥዕና ኣብ ስራሕኩም ድማ ዓወት ንምነ።
ንጽባሕ 27 መስከረም 2020 ኣብ ከተማ ከለን ክግበር ተሓሲቡ ዝነበረ ናይ ህዝቢ ኣኼባ፡ ብምኽንያት ብዓል መስቀል ናብ ዕለት 10 ጥቅምቲ 2020 ከምዝተሰጋገረ ምስናይ ይቅሬታ ንሕብር። ሽማግለ ህዝባዊ ምንቅስቃስ ከለንን ከባቢኣን ነዚ ኣኼባ ክትጽውዕ ምኽንያት ዝኾና ብቐንዱ፡ በቲ ኣብ ዋዕላ ፍራንክፎርት ብዕለት 12 መስከረም ዝተራእየ ዘሕዝን ፍጻሜ ምኽንያት ብምግባርን ብዛዕባ ቀጻሊ ስራሕ ንምዝታይን ኮየኑ ንሰንበት ዕለት 10 ጥቅምቲ 2020 ንኹሉ ኣባልን በቲ ጉዳይ ዝግደስ ሃገራውን ዕድመ ተቕርብ።
መደብ ኣኼባ፡
• ዝኽሪ መበል 7ይ ዓመት ሓደጋ ላምፔዱዛን ምምስራት ህዝባዊ ምንቅስቃስናን
• መግለጺ መልእኽቲ 4 ምንቅስቃሳት ናብ ዋዕላ ፍራንክፍርት
• መደብ ሕቶን መልስን ንኩነታት ዋዕላ ፍራንክፍርት (ባይቶ ይኣከል ጀርመን)
• ዘተ ብዛዕባ ቀጻሊ ስራሕ ህዝባዊ ምንቅስቃስ ከለንን ከባቢኣን
ዕለት፡ 10 ጥቅምቲ 2020 ሰዓት 15፡30 (03፡30 ድሕሪ ቀትሪ)
ቦታ፡ Trumstr. 3, 50733 Köln(Flüchtlingszentrum Nippes)
መተሓሳሰቢ!!
ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ክንገብሮ ዘግበኣና ጥንቃቀ ከነዘውትርን ክም ማስክን ካልእ መከላኸሊን ክንማላእ ይግባእ። ኣብ ኣዳራሽ ርሕቀትና ብምሕላው ኮፍ ክንብል፡ ሽማግለ ምንቅስቃስ ትላቦ።
ብደሓን ምጹ!!
ሽማግለ ህዝባዊ ምንቅስቃስ ከለንን ከባቢኣን
26 መስከረም 2020