back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

“ሓደ ሰብ ክሳብ ንተርፍ እውን ክንዝክሮም ኢና” – ዮሱፍ ቡሊሲ

 

ዮሱፍ ቡሊሲ ኣብ ከተማ ጀኔቫ – ስዊዘርላንድ ኣብ ኣፍደገ ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ‘ኢደይ ኢድካ ኢልና ኣብ ማሕዩር ህግደፍ ንዝርከቡ ስድራቤት ጋዜጠኛታትን ፖለቲከኛታትን ንሓግዝ’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ በይናዊ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዱ።

ዮሱፍ ቡሊሲ ኣብ ኤርትራ ጋዜጠኛ ዝነበረ ኮይኑ ዝበዝሑ ካብቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ህግደፍ ኣትዮም ዘለዉ ጋጤጠኛታት ብቐረባ ዝፈልጦም ዜጋ እዩ። ንሱ ኣብቲ ዝገበሮ ሰላማዊ ሰልፊ ጋዜጠኛታትን ሓርበኛታት ፖለቲከኛታትን ዝተኣስሩላ ዕለት 18 መስከረም ብምዝካር ጥራይ ከይሓለፍና፡ ነፍሲወከፍና በብከባቢና ስድራቤት እቶም ንፈልጦም ክቡራት ንዓመታት ኣብ ትሕቲ ማሕዩር ዘለዉ ጀጋኑ ኢደይ ኢድካ ኢልና ንሓግዝ ክብል ጸዊዑ።

ዩሱፍ ኣብቲ ትማሊ 18 መስከረም 2020 ዘካየዶ ሰላማዊ ሰልፊ ሰባት ይሃልዉ ኣይሃልዉ ብዘየገድስ ሓደ ሰብ ክሳብ ዝተርፍ’ውን ክንዝክሮም ኣለና ብዝብል ሕልና ‘ኣለናልኩም ንበሎም’ ‘ኣይረሳዕናኩምን ንበሎም’ ክብል ጸዊዑ።

ዮሱፍ ቡሊሲ ብተወሳኺ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይኹን ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዘይፍትሓዊ ኣከያይዳ ህግደፍ ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ እሱራት ዝተወስደ ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ ድማ ብፍላይ ኣቓልቦ ጌሩ ፍታሕ ከናድየሉ ጸዊዑ።

ዮሱፍ ቡሊሲ ካብ ከተማ በርን ናብ ከተማ ጀኔቫ ብምጉዓዝ እዩ ነቲ ሰላማዊ ሰልፊ በይኑ ኣካይዱዎ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles