back to top
ሮቡዕ 22 ጥሪ, 2025

ማቲዎስ ሃብተኣብ(ማቹ)፥ ኣብ ፍጹም ብርሃን ኣልቦ መሓዩር

ማቲዎስ ሃብተኣብ ይበሃል(ማቹ) ኣብ ጎዳይፍ ተወሊዱ ዝዓበየ ኮይኑ ናይ ሓንቲ ካብተን ህቡባት ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ኣብ  ሃገርና ዝነበራ: ኣዳላዊ ጋዜጣ መቓልሕ ዝነበረ እዩ። እዛ ጋዜጣ እዚኣ ብተመሓላልፎ ዝነበረት መሃርን ኣዘናጋዕን መደባታ፥ ዳርጋ ኣብ ኩሉ ከተማታት ኤርትራ ዝርጋሔኣ ልኽዕ ከም ሳዕሪ ሮማዲ ተሳፍሓሉ  ዝነበረ እዋን ከም ውጽኢቱ ድማ ደረጃ ንቅሓት ሕብረተሰብና ካብ ግዜ ናብ ግዜ ክብ ኣብ ምባል ጥራይ ዘይኮነ ናህሪ  ኣንባባይ  ብዝተዓጻጸፈ ቑጽሪ ዝውስከሉ ዘነበረ እዋን ምኳኑ ዝሕብንን ደኹርዕን ስርሓት ካብ ዘበርክቱ ዝነበሩ ብክብሪ ካብ ዝጽውዖም ሰባት ሓደ ሓው ማቲዎስ ሃብተኣብ እዩ።

 ፈለማ ሌላና ምስ እዚ በዓል ድርብ ኣበርክቶን ብሩህ ራእን  ድሒሩ ግን በዓል ድርብ ወጽዓ ዝኮነ ዝፈትዎ ዝኽብሮን ሓወይ፥ መማህርተይ ፤ መማኽርተይ ማቲዎስ  ሃብተኣብ(ማቹ) ኣብ ከባቢ 1994/1995 ኣብ ቀጽሪ ይኒቨርሲቲ እዩ ዝነበረ። ኣብ ዝተፈላለየ ዓውደ ትምህርቲ እኳ እንተነበርና እቲ ዝነበረ ምቅርራብናንስ ንሰብ ኣብ ሓደ ዓውደ ትምህርቲ ዘይኮነስ ኣብ ሓደ ገዛ ንቅመጥ እዩ ዝምስሎም ኔሩ፡

እዚ ከምዚ ኢሉ እንዳሃለወ ብዝነበሮ ክቱር ናይ ስነ ጽሕፍ ፍቅሪ  ኣብቲ እዋን እቲ ዝፈርያ ካብ  ዝነበራ ፍርያት ናይ ብናጻ ሓሳብካ ምግላጽ( Free press) ጋዜጣታት ሃገርና ኣዳላዊ ጋዜጣ መቃልሕ ኮይኑ ምስ ብጾቱ ከም በዓል ዳዊት ወዲ መምህር እጃሙ ኣብ ህንጸት ናይቲ ሽዕ ዝዕንብብ ዝነበረ ነጻ ፕረስ ኤርትራ አጃሙ የበርክት ነይሩ።

ኣብ 1999 ቕድሚ ምምራቅና ዝነበረ ዕግርግር ኣብ መንጎ ተማሃሮ ኣስመራ ዩኒቨርሲትይን ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያተን ተማሃሮን ኤርትራ(ሃማመተኤ )፥ ሃ•ማ•መ•ተ•ኤ ሰሊኳ ናብ ማሕበር ተመሃሮ ይኒቨርሲቲ ብምእታው እሞ ነቲ ማሕበር ብምሕቃቅ ከምዘይሰርሕ ንምግባር ዝማሃዝ ዝነበረ ምህዞ ከሙ’ውን መንበር ኢሰያስ ከይነቃነቅቅ፥ምልክነት ከስፋሕፍሕ በሪ ንምኽፋት ብናይቲ  ግዜ እቲ ኣባላት ሃማመተኤ ንዝግበር ዝነበረ ኾንቱ ፈተነ ፥ ኣባላት ናየተን ብሕቲ ጋዜጣታት ብብርዐን ልሳን ናይቲ ህዝቢ ብሙኻን ነቲ  ናይ ህግደፋውያን ተግባራተን ሽርሕን ኣብ ምፍሻልን ምቅላሕን ዕዙዝ ኣብርክቶ እንዳ ገበራ  ህዝብና ድማ ብደረጃ ሓበሬታ ክሳብ ዓንቀሩ ከምዝሰንቅ ኣብ ዝንቀሳቀሰሉ ዝነበር ግዜ እዩ ዝነበረ።

ድሕሪ  ምምራቅና ኣብ 1999  ድሕሪ ናይ  ነዊሕ  ውረድ ደይብ ምስ ወልደኣብ ኢሳቅ(ፕረሲደንት ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ)፥ድሕሪ ነዊህ ዝወሰደ ርክባትን ዝተደራረበ መብጽዓታት ናብ ሳዋ ከም እንከየድ ተግበረ። በዓል ማቲ ካብቶም  ድሕሮም ዝሰዓቡና አዮም።

ኣብ 2001፥ ዝረዓደ ጃጃዊ ስርዓት፥ኣብታ ምጭውቲ ሃገርና ዘራጊቶ ከእቱ ሰብ ሕልና ሰበ ስልጣንን ኤርትራ  ምውንጃልን ምጽላምን ተተሓሓዞ ጋዜጠኛታት ናብ ሳዋ ኪዱ ብዝብል ምስምስ  ኣብ ሃገርና ኤርትራ ሕንዚ ክደፍኣልና ጀመረ። ኣብዚ ግዜ እዩ ማቲዎስ ኣዳላዊ ጋዜጣ መቃልሕ ከም ካልኦት ጋዜጠኛታት ናብ ኣፍሂምቦልን ካልእን ፋሕ ብምባል  ኣነ ድማ  ኣብ ሆስፒታል ሳዋ  ተመዲበሉ ዝነበርኩ ሰዓት ኮይኑ ማቲ ሓወይ ኣብዚ ግዜ እዚ ተጸሊእዎ ናብ ሆስፒታል መጸ እሞ ኣነ ተቐቢለ እተን ኣብ ሆስፒታል ዝጸንሓለን 3 ለይቲ ኩሉ፡ዕላላትና ብዛዕባ ኣስመራን ህልው ኩነታት ሃገርናን ከም ሃገር ናብይ ነምርሕ ኣለናን ነበረ።ብነዕልሎ ዝነበርና ዕላል ኩሉ ኣስመራ ኣብ ሕማቅ ኩነታት ከምዘሎን ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ካኣ ምፍርራሕ ድሮ  ጀሚሮም ከምዘለዉ ኣተንባሃለይ። ሽዑ ካኣ ኣስዕብ ኣቢሉ ምእሳር ዘይተርፍ አዩ ግን መርሚሮም ከውጹኡና እዮም በለኒ። ኣነ ካኣ፥ማቲ ዓርከይ ነዓ በዚ ኣቢልና ን ሱዳን ንኪድ በልክዎ።እስቲፍ ኣርከይ ከምቲ ዝብለኩኻ አዩ።  ነታ ጻዕዳ ዝኾነት  እምነት ሒዙ ካብ ዝኮነ ይኩን ውሳነ ካብ ምውሳድ ተቆጠበ።  እቲ ዝመጸ ናይ ማእሰርቲ  ብይን  ተቀቢሉ  ክሳብ ሕጂ ሃላዋቱ  ዘይትፈልጠሉ ቦታ ብዘይ ፍርዲ ኣብ ኤራኢሮ ተዳጒኑ ይርከብ። ኣርካናት ኤርትራውያን ሰብ ሓሞት።

እዛ ዕለት እዚኣ እወ እታ ሰንካም ፈላላይት ዕለት ክሳብ ሕጂ እንዳ ተጠዓስኩ ዝነብረላ ሰዓት እያ ምክንያቱ ሕራይ እንትዝብለስ ይብል እሞ ብዙሕ ክቅየር ምተካእለ ይብል ኩሉ ናይ ፈጣሪ ስራሕ እኮ እንተኮነ ነብሱ ከድሕነላ ዝኽእል ኣጋጣሚስ ምስ ረከበ እንዳበልኩ በይነይ ምስ ሕልናይ ክማጎት ይነብር ኣለኩ።ማቲ ኣርከይንሓወየን፥ነታ ጻዕዳ ልብካ ርእዩ ኣምላክ፡መዋጾ ይፍጠረልካ። ወትሩ ኣብ ልበይን መንፈስ ቓልሰይን ኣለኻ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,374ደገፍቲLike
754ስዓብቲFollow
22,500ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles