ሰንበት, ጥቅምቲ 26, 2025

ሓሙሽተ ፖሎቲካውያ ውድባት ናይ ሓባር ንጥፈታት ኣበጊሰን።

ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚረን ኣብ ብዙሕ ኣኼባታትን ምርድዳእን ክገብራ ዝጸንሓ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከባ ሓሙሽተ ውድባት ኤርትራ ፡ ብ ዕለት 17 መስከረም 2020፥ ኣብ ዘውጽአኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ፡ ኣብ ሰለስተ መዳያት ዘተኮረ ናይ ሓባር ንጥፈታት ከምዘበገሳ ገሊጸን።እተን ነዚ ሓባራዊ መግሊጺ ዘውጻኣ ውድባት ካኣ፥ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ፥ኤርትራዊ ሃገራዊ ግንባር፥ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፥ውድብ ሐድነት ንዲሞክራሲያዊ ለውጢን ዉድብ ሐድነት ኤርትራዊያን ንፍትሒን እየን።

እተን ውድባት ዝሓለፈ ግዜ ናብዚ ደረጃዚ ንምብጻሕ ኣብ ዝርርብ ከምዘለዋ ሓቢረን ምንባረን ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ሒጂ ዝርዝራዊ ብዝኾነ መገዲ ኣባላትን ዕማማታን ብምጥያስ ነዚ ናይ ሓባር ስራሕ ጀሚረንኦ ከምዘለዋ ኣፍሊጠን።

ኣብ ሓበሬታ (ሜድያ) , ዲፕሎማሲን ህዝባዊ ምልዓዓልን ዝተኮረ ሰለስተ ዓበይቲ ንጥፈታት፡ ኩለን ውድባት ናይ ሓባር ጉጅለታት ኣባላት ብምጥያስ እየን ጀሚረንኦ ዘለዋ።

እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ወሲኹ ኣብ ቀጻሊ ኣብ ፋይናንሳዊ ዕማማትን ካልእ ተወሳኺ ዕዮታትን ምስኡ ተዛሚዶም ዝኸዱ ስርሓት እውን ጎድኑ ጎድኑ ከምዘሎ ይሕብር።

ተዛማዲ ትሕዝቶ

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ማሕበራዊ መራኸቢ

7,388FansLike
959FollowersFollow
27,800SubscribersSubscribe

ካልእ ኣበርኪቶ ጸሓፊ