back to top
ሮቡዕ 22 ጥሪ, 2025

ኣብ ሱዑዲያ ኣስታት 16000 ስደተኛታት ኣብ ሓደ መእከቢ ማእከል ከምዘለዉ ተሓቢሩ።

ስዑዲ ዓረብ ኣብ ልዕሊ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ዝወሰደቶ ጸቃጢ ስጉምቲ ኣዝዩ ሰፊሕን ካብቲ ክባሃል ዝቀነየ ከኣ ኣዝዩ ዝዓበየ ምኻኑ ኣብዚ ሰሙን ዝወጹ ዘለዉ ብዝርዝር ዘርእዩ ጸብጻባት የመልክቱ ።
ዝሓለፈ ወርሒ፥ ሳንደይ ተሌግራፍ (Sunday Telegraph) ዝተባሃለ ጋዜጣ፡ ሶሊኹ ካብ ዝወጸ ስእልታትን ተንቀሳቃሲ ምስልታትን ካብ ተዳጊኖሙሉ ዘለዉ ዝተፈላለዩ ቦታታትን፥ዝተረኽበ ሓበሬታ ሙርኩስ ብምግባር ፥ኣብ ዘቅረቦ ናይ ጉዳይ ስደተኛታት ጸብጻብ፥ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት፥ ምልባዕ ኮሮና-ቫይረስን ምቁጽጻርን ደው ምባልን ብዝብል ምኽንያት፥ ኣብ ንምንቅስቓስን ምንባርን ምቹእ ዘይኮነን፡ ኣዝዩ ዝኸፍአን ኩነታት ናይ መነባብሮ ደርጃ ከምዝርከቡን ጸብጻቡ የፍልጥ።
መንግስቲ ብወገን ማእከላት ዘለዉ ኣብ ዝኸፍአ ኩነታት ውሽጢ ከምዝርከቡ ኣረጋጊጹ ። ብተወሳኺ ካብቶም ዘተርኽቡ ኣሳእልን ተንቀሳቓሲ ምስልታትን፥ እቶም ስደተኛታት፥ ኣደዳ ሕማምን መግረፍትን ከምኡ’ውን ነብሰ-ቕትለት ብብዝሒ ከምዝርአ ዝርዝራቶም ይሕብር።
በዓል መዚ ቖንስል ኢትዮጵያ ዓብዱ ያሲን ነዚ ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሩ ዘሎ፡ሽግራት ካብ ባሕሪ ብ ጭልፋ እዩ ክብል ገሊጽዎ፡ እቲ በዓል መዚ ወሲኹ ካብ ቅድስቲ ከተማ መካ 60 ኪሎሜተር ርሒቃ እትርከብ ኣል ሹማሲ (Al Shumasi) እትበሃል ከተማ ኣስታት 16,000 ዝኣኽሉ እትዮጵያውያን ስደተኛታት ተዳጊኖም ከምዝርከቡ ሓቢሩ።
ብጠቅላላ ኣብ ሱዑዲ ዓረብ ከባቢ 53 ዝኣኽላ መዳጎኒ ስደተኛታት ከምዘሎን ኣብ ነፍሲ ወከፍን ብብዝሒ ኢትዮጵያውያን ከምዝርከቡን ይፍለጥ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,374ደገፍቲLike
754ስዓብቲFollow
22,500ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles