ሰንበት, ጥቅምቲ 26, 2025

ብሽም ዳዊት ኢሳቕ ዝጽዋዕ ቤትንባብ ተኸፊቱ።

ኣብ ሽወደን ብዕቤታ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ኣብ እትስራዕ ከተማ ማልመ ፡ ብስም እቲ ንኣስታት 19 ዓመታት ኣብ ኤርትራ ኣብ ማሕዩር ዝርከብ ኤርትራዊ-ሽወደናዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ዝጽዋዕ ቤት ንባብ ተኸፊቱ።

መንግስቲን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ሽወደን፣ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ንዳዊት ኢሳቕ ንምፍታሕ ጻዕርታት ይገብሩ ምኻኖም ኡኳ እንተገለጹ ክሳብ ሕጂ ግን ናብ ፍርዲ ከይቀረበ ኣብ ማሕዩር ከም ዝርከብ ይፍለጥ። ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ሓደ ንጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ኣመልኪቱ ዝወጸ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ ዳዊት ኢሳቕ 99% ብህይወት ከምዘሎ ከምዘረጋገጸ ሓቢሩ ነይሩ እዩ።

ብዘይካ’ዚ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ምምሕዳር ከተማ ስቶኮሆልም ኤምባሲ ኤርትራ ዝርከበሉ ጎደና ብስም ዳዊት ኢሳቕ ክጽዋዕ ከምዝገበረ ይፍለጥ።

ዳዊት ኢሳቕን ካልኦት ብዙሓት ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ኣሰናዳእትን መስረትን ኣብ መሰከረም 2001 ካብ ብዙሕ ቦታታት ብኣባላት ጸጥታ ስርዓት ህግደፍ ተዓፊኖም ምስ ተወስዱ ብዘይ ዝኾነ ሕጋዊ መስርሕ ኣብ ማሕዩር ከምዝርከቡን፣  ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ  ሃለዋቶም ዝፍለጥ ነገር ከምዘየለ ይፍለጥ።

ተዛማዲ ትሕዝቶ

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ማሕበራዊ መራኸቢ

7,388FansLike
959FollowersFollow
27,800SubscribersSubscribe

ካልእ ኣበርኪቶ ጸሓፊ