ኣብ መዓስከር ማይ ዓይኒ ዝቕመጡ ዘለው ስደተኛታት ኤርትራውያን ፣ብዛዕባ ማይ ዘይጣርዑሉ እዋን እኳ ዳርጋ ኡኳ እንተዘየለ፣ ኣብዚ ግዜ እዚ ግን ሽግር ስእነት ዝስተ ማይ ናብ ዝለዓለ ጥርዙ ዓሪጉ፣ንመጥለሊ ጎሮሮ ዝኸውን ማይ ኣብ ዝሰኣነሉ ደረጃ በጺሑ ኣሎ።
ልክዕ ከምቲ ወቕቲ ተጸብዩ ምህርቱ ዝሓፍስ ሓረስታይ፣ ተዛማዲ ተረኽቦ ማይ መዓስከር ማይ ዓይኒ ኣብ ወቕቲ ክረምቲ ዝሓሸ እኳ እንተነበረ ኣብዚ ግዜ እዚ ግን፣ ከምቲ ኣብ ግዜ ሓጋይ፣መዓልትኻ ሓሊኻ፣ሪጋ እንዳተጸበኻ ዝርከብ ዝነበረ ሒደት ማይ እኳ ንጋዳ ኾይኑ፣ ተቐመጥቲ እቲ መዓስከር፣መጥለሊ ጎሮርኦም ዝኸውን ማይ ስኢኖም ኣብ ሽግር ወዲቖም ይርከቡ። ማይ እቲ መዓስከር ግዚኣ ሓልያ ምምጻእስ ይትረፍ፣ኣብቲ ዝመጸቶ እዋን እውን እንተኾነ፣ከም ኣመጻጽኣ በርቂ ስለዝኾነትን፣ብርትዐ ናይተን ቡንባታት ኣዝዩ ዝደኸመ ስለዝኾነን፣ህዝቢ ካልእ ዋኒኑ ገዲፉ፣ብለይቲ ከይተረፈ ብላምፓዲናታት ተሓጊዙ ፣ኣብ መስርዕ ሪጋታት ማይ ከምዝውዕልን፣ክቱር ሽግር ዘስዓቦ፣ኣብ ነንሕድሕዱ ብሪጋይ ሪጋኻ፣ናብ ምጭቕጫቕን ምብኣስን ተቓሊዑ ይርከብ።
እዚ ተርእዮ እዚ፣ኣብዚ ሕማም ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ንዓለምና ናብ ቅልውላው ሸሚምዋ ዝርከበሉ ዘሎ ግዜን፣ብሰንኪ እቲ ካብ ሰብ ናብ ሰብ በቐሊሉ ናይ ምምሕልላፍ ባህሪኡን ስዒቡ፣ሰባት ካብ ሒደት ቁጽሪ ንላዕሊ ምትእኽኻባት ንኸይገብሩ ዝምከረሉን ቁጽጽር ዝግበረሉ ዘሎ ግዜ ተኸሲቱ ምህላው፣ኣዝዩ ኣሰካፍን፤ህጹጽ ቆላሕታ ዝምልከቶም ኣካላትን፣ ማሕበረሰብ ዓለምን ዘድልዮ ኩነታት እዩ ኮይኑ ዝርከብ።
ህዝቢ ንምንታይ ማይ ኣይትመጽእን ኢሉ፣ነቶም ተቖጻጸርቲ ኣብ ዝሓተሉ ግዜ፣ጀነሬተር ተበላሽያ፣ነዳዲ ወዲኣ፣ባጀት ኣይተሰልዓሉን፣ዝብሉን እናሓንሳእ ድማ ንኽትኣምኖ ብዘጸግም ማይ ተሳኢኑ ካብ ዝብል መልስታት ሓሊፉ ክሳብ ሕጂ ብዝምልከቶ ኣካል ጭቡጥ ዝኾነ መልስን መረዳእታን ከምዘይተዋህበ እዮም ነበርቲ እቲ መዓስከር ዝገልጹ።
ኣብዚ ግዜ እዚ ድማ ካብ ጽምኢ ዝገድድ የለን ብምባል፣ ሰብ ካብቲ ቅድም ክብል መሕጸቢ ክዳንን ነብስን ዝጥቀመሉ ዝነበረ፣ናይ ዒላ ማይ ናብ ምስታይ ክዋፈር እዩ ዝርአ ዘሎ።እዚ ውን ርእሱ ዝኸኣለ ናይ ምብካልን፣ ብሰንኪ ረሳሕ ማይ ምስታይ ክመጹ ንዝኽእሉ ናይ ዝተፈላለዩ ባክቴርያታት ሕማማት ዘቃልዕን እዩ። እዚ ከይኣክል ገለ ነበርቲ እቲ ከባቢ ካብ ወሓዚን ዕቋራት ማይን እንዳምጽኡ፣ ካብ ክልተ ክሳብ ሓሙሽተ ብር ዝሽየጥ ዝነበረ ፣ኣብዚ እዋን እዚ ግን ነቲ ሽግር ብምምዝማዝ ብዕጽፊ ዋጋ ንሓደ ጀሪካን፣ ብዓሰርተ ብር ይሸጥዎ ምህላዎም እዩ ዝፍለጥ።
ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ኢትይጵያ ኣስታት 100.000 ዝኾኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዝተፈላለያ መዓስከራት ተዓቑቦም እኳ እንተለው ፣ብዘይካ እቲ ዘለዎም መረረ ናይ ምሕደራዊ ጸገማት ኣብ መዐልታዊ መነባብሮኦም ብመሰረታዊ ጠለባት፣ብፍላይ ድማ ማይ ኣዝዮም ከምዝሽገሩ እዩ ዝፍለጥ። እዚ ልዑል ቁጽሪ ስደተኛታት ሒዙ ዘሎ መዓስከራት፣ኣብ ትሕቲ ቀጥታዊ ምሕደራ ላዕላዋይ ተጸዋዒ ንጉዳይ ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን ኢትዮጵያ ማለት (ARRA) ዝመሓደር ኮይኑ እቲ ኣብቲ ቦታ ዝርከብ ናይ UNHCR ትካላት ካብ ምስ ሰነዳዊ ስራሓት ሓሊፉ ከምቲ ዝድለ ምክትታልን ምትእትታውን ከምዘይገብር እዩ ዝፍለጥ።
እዚ ተርእዮ ስእነት ማይን መሰረታዊ ጠለባትን ኣብተን ካልኦት መዓስከራት እውን እንተኾነ ፣ተመሳሳሊ ከምዝኾነ እዩ ዝፍለጥ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ብዝወጸ ሓድሽ መምርሒ መሰረት፣ እቲ ኣስታት 26.000 ስደተኛታት ኣዕቁቡ ዝነበረ መዓስከር ሕጻጽ ንኽዕጾን፣ እቶም ስደተኛታት ናብ መዓስከራት ማይ ዓይንን፣ ዓዲ ሓሩሽን ክድረቡ ምዃኖምን ዝወጸ መምርሒ እኳ እንተነበረ ብሰንኪ ክስተት ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ክሳብ ሕጂ ኣብ ትግባረ ከምዘይወዓለ ይፍለጥ።
ዝምልከቶም ኣካላት፣ ምኽንያት ናይቲ ምዕጻው እቲ መዓስከር ሕጽረት ባጀት ምዃኑ እኳ እንተገለጹ፣ ናብቲ ድሮ ርእሱ ዝኸኣለ ጻዕቂ ስደተኛታትን መሰረታዊ ሕጽረት ጠለባትን ፣ ዘለዎ መዓስከራት ኣምጺኻ ናይ ምድራብ ውሳነ፣ መሊሱ ሽግራት ዘጋድድ እምበር መሰረታዊ መፍትሒ ክኸውን ከምዘይክእል እዮም ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝገልጹ። ብዘይካ እዚ ምሕደራዊ ኩነታት ናይቲ መዓስከራት፣ በቲ ኣብ ሞንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ምምሕዳር ክልል ትግራይን ዝዛይድ ዘሎ ምትፍናንን ከምኡ ውን ብወገናዊ ረብሓ ምስ ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጽያ ተሻሪኹ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍን ብቐጥታ ይጽሎ ምዃኑ እዮም ነቲ ጉዳይ ቅርበት ዘለዎም ወገናት ዝሕብሩ። መርኣያ እዚ ድማ ብዘይካ እቲ ንሓደስቲ ስደተኛታት ናይ ምቕባል መስርሕ ደው ምባሉ፣ገለ ግዱሳት ኤርትራውያን፣ ነቲ ኣብቲ መዓስከራት ከጋጥም ዝኽእል ስግኣት ለበዳ ኮሮና ኣብ ግምት ብምእታው፣ሕብረት ኤርትራውያን ንምምካት ኮሮና ቫይረስ ብዝብል ተበግሶ ዘካየድዎ ናይ ናይ ግብረ ሰናይ ሓገዝ፣ድሕሪ ዝተኻየደ ቀዳማይ እግሪ ሓገዝ፣ ኣብዚ ግዜ እዚ ተዓናቒፉን ደው ኢሉን ይርከብ።