back to top
ቀዳም 19 ሚያዝያ, 2025

ሱዳን ንሰለስተ ወርሒ ዝጸንሕ ህጹጽ ናይ ሓደጋ እዋን ከምዝኣወጀት ተገሊጹ።

ሱዳን ብሰንኪ እቲ  ቴስዓን ትሽዓተን ሰባት ዝቐተለን ኣስታት ኣርባዓን ሹዱሽተን ሰባት ዘቑሰለን ባህርያዊ ሓደጋ ዕልቕልቕ ንሰለስተ ወርሒ ዝጸንሕ ህጹጽ ናይ ሓደጋ እዋን ከምዝኣወጀት ተገሊጹ።

ብዘይካ’ቲ ዘጋጠመ ናይ ሞትን መቑሰልቲን  ክሳራታት፣ እቲ ዕልቕልቕ ኣስታት ሚኢቲ ሽሕ ኣባይቲ ከዕኑ እንከሎ ንልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ህዝቢ ኣመዛቢሉ ከምዘሎ እዩ ዝግለጽ ዘሎ።

እቲ ዘጋጠመ ዕልቕልቕ ብሰንኪ መጠነ ሰፊሕ ዝዓቐኑ ዝናብ ዝሰዓበ ኮይኑ እዚ ድማ ብኣስታት 17.5 ሜትሮ ብራኸ ንምልኣት ፈለግ ኒል ክውስኽ ስለዝገበሮ ምዃኑን እዚ ኣብ ዝሓለፈ ሚኢቲ ዓመት እቲ ዝለዓለ ብራኸ ኮይኑ ከምዝተመዝገበን እዩ ተገሊጹ ዘሎ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,388ደገፍቲLike
959ስዓብቲFollow
23,300ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles