ሱዳን ብሰንኪ እቲ ቴስዓን ትሽዓተን ሰባት ዝቐተለን ኣስታት ኣርባዓን ሹዱሽተን ሰባት ዘቑሰለን ባህርያዊ ሓደጋ ዕልቕልቕ ንሰለስተ ወርሒ ዝጸንሕ ህጹጽ ናይ ሓደጋ እዋን ከምዝኣወጀት ተገሊጹ።
ብዘይካ’ቲ ዘጋጠመ ናይ ሞትን መቑሰልቲን ክሳራታት፣ እቲ ዕልቕልቕ ኣስታት ሚኢቲ ሽሕ ኣባይቲ ከዕኑ እንከሎ ንልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ህዝቢ ኣመዛቢሉ ከምዘሎ እዩ ዝግለጽ ዘሎ።
እቲ ዘጋጠመ ዕልቕልቕ ብሰንኪ መጠነ ሰፊሕ ዝዓቐኑ ዝናብ ዝሰዓበ ኮይኑ እዚ ድማ ብኣስታት 17.5 ሜትሮ ብራኸ ንምልኣት ፈለግ ኒል ክውስኽ ስለዝገበሮ ምዃኑን እዚ ኣብ ዝሓለፈ ሚኢቲ ዓመት እቲ ዝለዓለ ብራኸ ኮይኑ ከምዝተመዝገበን እዩ ተገሊጹ ዘሎ።