back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ባንክሲ ዝመወላ መርከብ 200 ስደተኛታት ኣድሒና

‘ባንክሲ’ ተሰቲሩ ዝነብር ብሕቡእ ስነጥበባዊ ስርሑ ዘካይድ መን ምዃኑ ዛጊት ናብ ህዝቢ ዘይተቓልዐ ውሩይ ምስጢራዊ እንግሊዛዊ  ናይ ጎደና ቀባኢ፡ ተቓላሳይ ፖለቲካዊ ለውጢን ናይ ፊልም ዳይረክተርን እዩ።‘ባንክሲ’ ፖለቲካውን ማሕበራውን ርእይትኡን ተቓውሞኡን ንምግላጽ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ብምዛር ኣብ ጎደናታት፡ መናድቕ፡ ቢንቶታት፡ ህንጻታትን ካልእን ብመልክዕ ቅብኣ ስምዒቱ ዘንጸባርቕ ኣርቲስት እዩ።

ቅብኣታት ባንክሲ መብዛሕትኡ ግዜ ንፍቕሪ፡ ሰላም፡ ፖለቲካን ማሕበራዊ ለውጢን ዘንጸባርቑ ኮይኖም ብሓያሎ ሰባት ኣድናቖት ክረክብ እንከሎ ብገለ ድማ ትርጉም ከም ዘይብሉ ጸያቒን  መበላሸውን መንደቕ ይርአ፡ ቅብኣታቱ ብመልክዕ ‘ካንቫስ’ ካርተሊናን ካልእ ተዳልዩ ድማ ሚልዮናት ዶላራት ኣታዊ ይረክብ።

ባንክሲ ስነ ጥባባዊ ስርሑ ኣብ ዝዝርግሓሉ እዋን ብማዕከናት ዜና ዓለም ሓያሎ ናይ ሸፈነ ኣቃልቦ እዩ ዝረክብ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት ግን ባንክሲ ዝመወላ መርከብ ካብ ኣፍሪቃ ተበጊሶም ናብ ኤውሮጳ ክበጽሑ ንዝፍትኑ ስደተኛታት ንምድሓን ናብ ማእከላይ ባሕሪ ብምውፋራ መዛረቢት ኮይና ቀንያ።

ባንክሲ እታ መርከብ ካብ ክፍሊ ክምሩኽ ሃገረ ፈረንሳ ዝዓደጋ ኮይና ጽጌረዳዊ ሕብሪ ብምልካይ ምስ ወለንተኛታት ተቓለስቲ ሰብኣዊ መሰላት ብምውህሃድ  ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ‘ናይ ስደተኛታት ደሊኻ ኣድሕን’ ስርሓ ጀምሪራ ኣላ።

እታ ብስም ውርይቲ ተቓላሲት ሽቕለት ኣልቦነትን መምህርት ዝነበረት እሞ ድሒራ ቃልሳ ናብ ፋሉልነት(ኣናርቺስት) ዘሰጋገረት ‘ልዊዝ ሚሸል’ ዝተሰምየት መርከብ ድሮ ኣስታት 200 ስደተኛታት ኣድሒና ከምዘላ ማዕከናት ዜና ዓለም ሓቢረን።

መርከብ ‘ልዊዝ ሚሸል’ ኣብ ከባቢ ገማግም ሊብያ ብምኻድ ነቶም 200 ስደተኛታት ኣድሒናቶም ከምዘላን ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ወደባት ከተማታት ኤውሮጳ ክትዕሸግ ፍቕድ ክትሓትት ከምዝኾነት ፍቓድ እንተዘይረኺባ’ውን ሕጂ ብምጥሓስ ኣብ ይቐርበኒ እዩ ዝበለቶ ወደብ ክትጽጋዕ ምኳና ተፈሊጡ።

‘ባንክሲ’ ንጉዳይ ደሊኻ ኣድሕን ስደተኛታት ማእከላይ ባሕሪ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ማእከል ባሕሪ ኮይኖም ሓገዝ ምድሓን ናይ ዝሓቱ ስደተኛታት ኮነ ኢለን ጸማም እዝኒ ይህበኦ ከምዘለዋ ከሲሱ።

 

 

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles