ኣብ ሃገረ በልጂም ዝነብሩ ኤርትራዊያን ተቃለስቲ ንፍትሒ፡ ንሓሙስ 3 መስከረም ኣብ ቅድሚ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣውሮጳ ህዝባዊ ሰለማዊ ሰልፊ ከካይዱ ምዃኖም ተፈሊጡ። ብመሰረት ካብ ኣዳላውቲ ናይ’ቲ ሰለማዊ ሰልፊ ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ እቲ ” ይኣክል ንፖሊሲ ኣጥሚእኻ ግዛእ” ” ሕቡእ ጥሜት ኣብ ኤርትራ የብቅዕ” ወዘተ ዝብሉ ጭርሖታት ሒዙ ዝካየድ ሰለማዊ ሰልፊ፡ Place du Luxembourg 1050 Ixelles ኣብ ዝበሃል ቦታ ክካየድ’ዩ። “ዕላማ’ዚ ኣብ በልጂም ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ሰለማዊ ሰልፊ ድማ፡ ኣብ ኤርትራ ኣጋጢሙ ንዘሎ ስዉር ጥሜት ንምቅላዕን፡ በብግዝይኡ ንዝፍጸም ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ንምኹናንን’ዩ” ይብሉ ኣዳለውቲ ናይ’ቲ ሰለማዊ ሰልፊ። ብተወሳኺ፡ እዚ ሰለማዊ ሰልፊ፡ ምስ’ቲ ኣቐዲሙ ኣብ ለንደንን ዋሽንግቶን ዲሲን ዝተኻየዱ ሰለማዊ ሰልፊታት ተመሳሳሊ ዕላማን ተልእኾን ከም ዘለዎ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። እቲ ስለማዊ ሰልፊ ድማ ካብ ስዓት 4፡00 ድ.ቐ ክሳብ ስዓት 5፡00 ድ.ቐ ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ኣብ ቅድሚ ኣብ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣውሮጳ ከም ዝካየድ እቶም ኣዳለውቲ ወሲኾም ኣፍሊጦም።
It’s great app