ማሕበር ቀይሕ ወርሒ ሊብያ ብ ስምበት 23 ንሓሰ ኣብ ጥቓ ከተማ ዝዋራ ኣብ ዝርከብ ገማግም ባሕሪ ናይ’ታ ሃገር ሬሳታት 22 ስደተኛታት ከም ዝረኸበ ተገሊጹ። እዞም ዝተረኽቡ ሬሳታት ድማ ምስቲ ዝተረኽቡሉ ገማግም ብምንጽጻር ገለ ክፋል ናይታ ብዕለት 17 ናይዚ ወርሒ ከም ዝጠሓለት ዝተነግረላ መርከብ ዝነበሩ ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ተገሚቱ ኣሎ። ኣብታ ብሶኒ 17 ንሓሰ ዝጠሓለት መርከብ ካብ ዝነበሩ 5 ቆልዑ ዝርከብዎም 45 ስደተኛታት ከምዝሞቱ ኣፈኛ ዓለመኣዊ ውድብ ስደተኛታት (IOM) ኣብ ጄኔቫ Safa Msehli ንማዕከን ዜና AFP ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ ገሊጻ ። ክሳብ ሕጂ ዜግነት እቶም ዝተረኽቡ ሬሳታት ብዘይካ ኣፍሪቃውያን ምዃኖም ብንጹር ከምዘይተፈለጠን ኩሎም ደቂ ተባዕትዮ ምዃኖም እውን እታ ኣፈኛ ወሲኻ ኣረዲኣ።
ክሳብ ሕጂ ብዝተኣከበ ቃል ምስክርነት ናይ ዝደሓኑ ሰባትን፣ስድራቤታት ናይቶም ደሃዮም ዘይተረኽበ ወይ ጠፊኦም ዘለው ሰባትን፣ መሰረት ብምግባር ካብ ዕለት 17 ክሳብ 20 ነሓሰ ኣብ ዘሎ ግዜ ጥራይ ብውሑዱ ኣርባዕተ መራኽብ ጥሒለን ከምዝኾና ኢዩ ክረጋገጽ ተኻኢሉ ዘሎ። ክሳብ ሕጂ ተረጋጊጹ ብዘሎ ጸብጻብ ኣብዛ ሒዝናያ ዘለና ዓመት ጥራይ ብጠቕላላ 497 ስደተኛታት ካብ ሊብያ ተበጊሶም ማእከላይ ባሕሪ ተሳጊሮም ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ንምስጋር ኣብ ዝገበርዎ ፈተነ ሂወቶም ከምዝጠፍአ ክግለጽ እንከሎ እቲ ቑጽሪ ልዕሊኡ ክኸውን ከምዝኽእል እዩ ዝሕበር። ኣብዚ እዋን እዚ ኣብታ ብተደጋጋሚ ብውግእ ሓድሕድ እትሕመስ ዘላ ለብያ ኣስታት 636.000 ስደተኛታት ከምዘለው እዩ ዓለማዊ ውድብ ስደተኛታት ዝገልጽ።
ምንጪ ኣልጀዚራ