ኣብ ዝኾነ ፖለቲካዊ ከይዲ ንጹር ሓሳባዊ መልሲ ዘየቀመጥካሉ ሕቶ ተሓንጊጥካ ምምራሽ ማለት ከም ምስ መዓልታዊ ተገቲሩ ዝጸንሓካ ማዕጾ ገዛኻ መዓልታዊ ምግጫው ማለት ኢዩ ።
ህውሓት ድሕሪ ካብ ስልጣን ተባሪሩ ተማራሪሑ መቀለ ምእታዉ ነድሪ ድኣ እምበር ሓሳብ ኣይነበሮን ። እዚ ከብለና ዘኽእል ብዝሃነጾ ሕጊ ተገሊፉ ክንሱ ካብ ስልጣን ተነጺሉ ክነብር ዘኽእል ውሽጣዊ ሕልና ክፈጥር ስለ ዘጸገሞ ደጊሙ እኩባዊ ሓይሊ ብምፍጣር ሕብረተሰብ ከተስእ ኔርዎ ። ጌርዎ ድማ ።
ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ዘጋጠመን ከጋጥም ዝኽእልን ብጽሑፋዊ መገዲ ክገልጾ ፈቲነ ስለዝነበርኩ ሓድሽ ክህልወኒ ኣይክእልን ኢዩ ። እቲ ዝነበረን ዘጋጠመን ኮይኑ ዘሎን ካብቲ ተሰማዓንን ክገልጾ ዝፈተንኩን ከምልጥ ተራእየ ሓድሽ ኩነታት ኣይተፈጥረን ።ንዓይ ከም ሰብ ሓድሽ ኮይኑ ዝስመዓኒ ኩነታት ድማ የለን ።
እቲ ሕጂ ኣገራሚ ዝገብሮ ኣብዚ ቃለ መጠይቅ ምስ ቢቢሲ ትግርኛ ፡ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብጽሞና ምስ ንዕዘቦ ነቲ ናብዚ ከም መእተዊ ተጠቀምክሉ ሓሳብ ዝመልስ ገጸ ባህርን ኩነታዊ ኣእምሮን ግብረመልስን ሒዙ ኢዩ ቀሪቡ ዘሎ ።
መቸም ነዚ ከነረድእ ብዙሕ ጻዕርን ጸርፍን ክንስንድ ዘኽእል ኣጋጣሚ ተፈጢሩ ምንባሩ ኢዩ ።
ኣቶ ጌታቸው ረዳ እንታይ’ዩ ክብል ደልዩን ዝብል ዘሎን ክገልጽ ኣብ ዝፈተነሉ ኣጋጣሚ ብኣጸጋሚ ስምዒትን ዓቅሊ ጽበታዊ ግብረመልስን ተዋሒጡ’ዩ ክንሸራተት ዝርአ ። እቲ ኣብ ዝሓለፈ ኣብ ትግራይ ተኻየደ ክልላዊ መንግስታዊ ምርጫ ህውሓት ከም ተዓወተትሉ ብምርሳዕ ንህውሓት ስልጣና ከሕድጋን ህላውነታ ክኽሕዶን ይርአ ።
ኣቶ ጌታቸው ህዝቢ ትግራይ ወግዓዊ ክልላዊ መንግስታዊ ከምዘለዎ ከእምን ይፍትን እሞ ደጊሙ ህላውነት ናይቲ ሓላፍነት ዝወሰደ ፓርቲ ከምዝመተ ኣብ ዙርያ መግለጺኡ የቃልዕ ።
ብመሰረቱ ካብ መግለጺ ጌታቸው ረዳ ድሌታቱ ይኹን ድሌታት ህዝቢ ትግራይ ክትረክብ ኣጸጋሚ ኢዩ ። እቲ ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ከቢድ ሃስያ ክፈጥር ኢዩ ዝበልናዮን ንብሎ ነበርናን ድማ እዚ ምንባሩ ኢዩ ።
ህዝቢ እቲ ተፈጥረ ሃልኪ ጋን ኮይንዎም ዋይ ዓድና ይብሉ !! ንሶም ድማ ስልጣን ክማቀሉ ንኣራት ኪሎ ይነቅሉ !!!!
እዛ ትኩርቲ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ትግሪኛ፡ ሓንቲ ኣገዳሲት ሕቶ ውን ሓቲታቶ ኔራ ኢያ ። ጣዕሳ ኣለኩም’ዶ ዝብል ኢዩ። እንተኾነ ህውሓት ሎሚ ውን ድሌታታ ብቅልጽም ካብ ዘይሰመረ ብሜላ ስልጣና ክትዕቅበሉ ትኽእል መገዲ ንምንዳይ ነቲ ከም ዕላማ ዘይሓዘቶ ሃገር ዝብል ኣታሓሳስባ ንህዝቢ ኣጉሪሳ ህዝቢ ብረት ሒዙ ናብ ኣፈሙዝ ከቅንዕ ከምዘይገበረት ዘውፈረትሉ ብምኽሓድ ውጹእ ቅሉዕ ክሕደታ ንምሽፋን ነቲ ሎሚ ዘሎ ሃዋህው ከም ተራእዩ ዘይፈልጥ ኣማራጺ እንከተምስል ንክፍኣ ዝጉልብብ ሰላም ዝብል ቃል ብምድግጋም ናብቲ መሰረታዊ ተቃወመቶ ሕቶ !ሕቶ ፌደራላዊ መንግስቲ ዝነበረ ናይ ናብ ሕጊ ምኽባር ዝብል መጀመርያ ወፍሩ ኢድ ነሲኣ ሙሉእ ንኽኸውንን ጸሎት ሓግዙና ዝብል ሕቶ ንህዝቢ ትግራይ ትዘርወሉ ምህላዋ ኢዩ ።
ማንቲለስ ዘሊላ ዘሊላ ዘብል ኢዩ ።
ብዝኾነ ነቲ ፖለቲካዊ ውዒዖ ንምርኣዩ ድኣ እምበር ሕጂ ውን ሰላም ዝብል ማህተም ተሃርመ ክሳብ ዝኾነ ነቲ ውጹዕ ህዝቢ ጽቡቅ ነገር ኢዩ ።
Dejen Alex