ኣብ ከንያ ኣብ ሞንጎ ወተሃደራዊያን መራሕቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ክካየድ ዝጸነሐ ዝርርብ ተወዲኡ። ብመሰረት ካብ ከንያ ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ ክልተኦም ወገናት ሰብኣዊ ሓገዝ ከይተዓናቐፈ ናብ ኩሎም ብምባጻሕ ባይታ ከጣጥሑ ተሰማምዕም። እዚ ነቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተበጽሐ ምቑራጽ ተጻብኦታት ስዒቡ ዝተበጽሐ ስምምዕ ኮይኑ፡ ክልተኦም ወገናት ኣብ ትግራይ ይኹን ኣብ ጎሮባብቲ ክልላት ሰብኣዊ ረዲኤት ብዘይዝኾነ ዕንቀፋት ንክባጻሕ ባይታ ከጣጥሑ ኣብ ምርድዳእ በጽሖም። ብተወሳኺ ሰራሕተኛታት ትካላት ረዲኤት ብዘይምትዕናቓፍ ክንቀሳቀሱን ነዞም ሰራሕተኛታትን ትካላትን ድማ ጸጥታዊ ውሕሰነት ክቀርቡን፡ ከምኡ ድማ፡ ድሕነት በርገሳዊያን፥ ብመሰረት እቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተበጽሐ ስምምዕ ከውሕሱን ተሰማምዖም።
ብተወሳኺ እቶም ክልተኦም ወገናት፡ ብሰፊሑ፦ ንመስርሕ ዕጥቂ ምፍታሕ፡ ምጥያይስን ተሃድሶን ዕጡቃት ህወሓት ንምጻር፡ ሓበራዊ ሽማግለ ንክቑሙ ተረዳዲኦም።