back to top
ሮቡዕ 2 ሚያዝያ, 2025

ኤርትራዊ ሰምሳሪ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተወ ተፈሊጡ

ተመስገን ገብሩ ገብረመድሕን ዝተባህለ ወዲ 35 ዓመት ከምዝኾነ ዝንገረሉ ኤርትራዊ ዜጋ፡ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኣውስትራሊያ ንምኻድ ኣብዝፈተነሉ ዝነበረ እዋን፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተወ ሮይቶርስ ንምንጭታት ሚኒስትሩ ፍትሒ ዓዲ ጣልያን መወከሲ ብምግባር ሓቢሩ።

ብመሰረት ጸብጻብ ሮይተርስ፡ ተመስገን ገብሩ፡ ቀንዲ ኣባል ናይቲ ሰደተኛታት ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ናብ ኣውሮጳ ኣብ ምስጊጋር ተዋፊሩ ዝርከብ፡ ሰፊሕ ዓለም ለኻዊ ሳምሳሪ ትካል ኢዩ ተባሂሉ ከምዝሕሰብ ተፈሊጡ።

ኣብ ዓመተ 2020 ብዳኛ ዓዲ ጣልያን፡ ንማእሰርቲ ተመስገን ትእዛዝ ተዋሂቡ ከምዝነበረ ዝዝከር ኮይኑ፡ ኢንተርፖል ጽዑቅ ምክታታል ይገብሩሉ ከምዝነበሩ ይሕበር። ጸብጻብ ሮይቶርስ ኣስዒቡ፡ ተመስገን ናብቶም ካልኦት መሳርሕቱ ዝርከቡላ ሃገረ ኣውስትራሊያ ክምርሕ ክብል፡ ኣብ መዕረፎ ነፈርቲ ኣዲስ ኣበባ ከምዝተታሕዘ የንጽር።

ተመስገን ገብሩ፡ ኣባል ዝተወደበ ዓለም ለኻዊ ትካል ተባሂሉ ብምስጊጋር ደቂ-ሰባትን ኢዩ ዝኽሰስ።

Related Articles

ሳዓቡና

7,389ደገፍቲLike
953ስዓብቲFollow
23,200ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles