ውግእ ሓድሕድ ኢትዮጵያ ንስደተኛታት ኤርትራ ንዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰብ ከምዘቃለዖም ክኢላታት ውድብ ሕብራት ሃገራት ገሊጾም። ብሰንኪ እቲ ኣብ ሞንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዑጡቓት ክልል ትግራይን ክልተ ዓመት ኣቑጺሩ ዘሎ ውግእ ሓድሕድ፤ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ብፍሉይ ንዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰብ ኣቃልዕዎም ከምዘሎን እዚ ኩነታት ድማ ከምዘሻቕሎምን እዮም እቶም ክኢላታት ዝገለጹ።
እቶም ክኢላታት ኣብ ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዘሻቕሎም፤ ንጾታዊ ምዝመዛ ግዳያት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ናይ ምዃን ብፍሉይ ስለዘጋጥሞም እዩ ዝብል ስክፍታ ከም ዘለዎም እቶም ክኢላታት።
ብዘይ ኣፈላላይ ዕድመ፤ ጾታ፤ ዓሌት ወይ ብሄር፤ ዜግነትን ስንክልናን፤ ስደተኛታት ግዳያት ንጾታዊ ዕላማ ግዳያት ዘይሕጋዊ ምዝውዋር ደቂ-ሰብ ከይኮኑ ንምክልኻል ህጹጽ ስጉምቲ ከምዘድሊ እውን እቶም ክኢላታት ጸዊዖም። ብተወሳኺ፤ ህጻናት ካብ ስድራቤቶም ተፈልዮም ብምህላዎም ኣብ ክልል ትግራይ ግዳያት እዚ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ናይ ምዃን ሓደጋ ኣንጸላልይዎም ከምዘሎ ኣጠንቂቆም።
ብተወሳኺ፤ ግዳያት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰብ ንምልላይ፤ ሓለዋ ንምሕያልን ካብቲ ዝወርዶም መግደራ ንምሕዋይ ንምሕጋዝን ይኹን ስጉምቲ ይውሰድ ከምዘይለ’ውን እቶም ክኢላታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣተሓሳሲቦም። ቀጺሎም፤ ነዞም ከቢድ ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላት ዘካዪዱ ተሓታትነት ዘይምስካም፤ ነቶም ገበነኛታት ናይዘምቕጻዕ ሃዋሁ ከምዝፈጥርን ንዘይሕጋዊ ኣሰጋገርቲ ድማ ናጻ ከምዝገድፎምን ኣዘኻኺሮም።
ግዳያት ዘይሕጋዊ ንግዲ ሰብ ዝዀኑ ሰባት ከም ኣገልግሎት ጾታዊ፡ ክንክን ጥዕናን ስነ ኣእምሮኣዊ ደገፍን ዝኣመሰለ ሕክምናዊ ሓገዝ ብዝግባእ ክረኽቡ ንዅሎም ናብ ኩሎም መሻረኽቲ ኣካላት ምሕጽንታ ኣቕሪቦም።
ብተወስኺ እቶም ክኢላታት ምስ መንግስትታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ይዘራረቡ ከምዘለዉ’ውን ኣፍሊጦም።
ኣብ ኢትዮጵያ፤ ኣብ ክልላት ትግራይ፤ ዓፋርን ኣምሓራን፤ ደቀኣንስትዮ ኣብቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ናይታ ሃገር ካብዘሎ ግጭት ክሃድማ ከለዋ ንመጭወይቲ፤ ንግዲ ወዲ ሰብ ጾታዊ ምዝመዛን ከምዝቃላዓ’ውን እቶም ክኢላታት ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቆም።