ሱዳን ትሪብዩን ንዝተፈላለያ ኣብ ሱዳን ዝርከባ ማሕበራት ስደተኛታትን ተራድኦን መወኪሲ ብምግባር ብዘስፈሮ ሓበሬታ መሰረት፡ ኣብ ሱዳን ልዕሊ 130 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተዓቚቦም ይርከቡ። መብዛሕትኦም ድማ ኣብ ግዝኣታት ካሳላ 103,340፡ ገዳርፍ 13,840 ከምኡ ድማ ኣብ ካርቱም 9,275 ከምዝርከቡ እቲ ሰነድ የነጽር።
ኣብዛ ኣብ ኣፍሪቃ ዝበዝሑ ስደተኛታት ከምተዕቁብ ዝንገረላ ሱዳን፡ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ብዝተፍጠሩ ግርጭታት፡ ብሰንኪ ብኩራት ውሕስነት መግብን ስእነት መሰረታዊ ኣገልግሎታትን፡ ብዝሓት ስደተኛታት ካብ ሃገሮም ናብ ሱዳን ከምዝስደዱ ይሕብር። ብመሰረት’ቲ ጸብጻብ፡ ካብቶም ሱዳን ኣዕቚባቶም ካብ ዘላ 1.14 ሚልዮን ስደተኛታት ሓተቲ ዑቚባ፡ እቶም ዝበዝሑ ዜጋታት ደቡብ ሱዳን 807,532 ክኾኑ ከለዉ፡ ደድሕሪ ኤርትራውያን ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ስደታተኛታት ብዝሖም 73,448 ኢዩ።
ብዘይካ ስደተኛታት ናይዘን ሃገራት ካብ ብሩንዲ፡ ጫድ፡ ሪባፕሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ኮንጎ፡ የመንን ሱሪያን ዝመጹ ብዙሓት ስደተኛታት ኣብ ሱዳን ተዓቚቦም ምህላዎም እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ ይሕብር።
ብመሰረት ኣብ ወርሒ ለካቲት ናይዚ ዓመት ዝወጸ ጸብጻብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ 128,996 ኣብ ሱዳን ዝተመዝገቡ ኤርትራውያን ስደተኛታትምንባሮም ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ካብዚኣቶም 3419 ኣካለ-ስንኩላን፡ 1909 ትሕተ ዕድመ ከምዝኾኑ፡ እቲ ጸብጻብ ኣስፊሩ ኣሎ።
ካብ 2018 ክሳብ 2022 ብዝተገበረ መጽናዕታዊ ምክትታል፡ ክሳብ ወርሒ ጥሪ ናይዚ ዓመት 27,498 ሓደስቲ ምዝጉባት ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዝነብሩ እቲ ጸብጻብ ክሕብር ከሎ፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2022 ጥራይ 1037 ሓደሽቲ ምዝጉባት ከምዝነብሩ ጠቒሱ።
ኤርትራውያን ስደተኛታት ብብዝሒ፡ ናብ ሱዳን ድሕሪ ምእታዎም፡ ብግብጽን ሊብያን ኣቢሎም ናብ ሃገራት ኣውሮጳ ከምዝቅጽሉ ዝፍለጥ፡ ኮይኑ፡ ኣብ ሱዳን ንዓሰርተታት ዓመታት ዝጸነሑ ኤርትራውያን ከምዘልው፡ኣብ ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣፍሊጦ ዘለዎም ወገናይ ይሕብሩ።