back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ነፍሲ ወከፍ ጓል ኣንስተይቲ ክትፈልጦ ዝግበኣ ምልክታት መንሽሮ ጡብ

መንሽሮ ጡብ፡ ብዘይካ መንሽሮ ቆርበት ኣብ ደቂ-ኣንስትዮ ልሙድ  ዝኾነ ዓይነት መንሽሮ እዩ። እዚ ኸኣ ካብ ሸሞንተ ደቀ-ኣንስትዮ እታ ሓንቲ ኣብ እተወሰነ እዋን  ህይወታ በዚ ሕማም ትጽሎ ኢያ። ኣብ ዓመተ-2017 ማሕበር መንሽሮ ኣመሪካ ዝተባህለ ትካል፡  ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ልዕሊ 316,000 ደቂ ኣንስትዮ መንሽሮ ጡብ ከም ዘለወን ክጽብጽብ ከሎ፡ ልዕሊ 40,000 ድማ በዚ ሕማም እዚ ከምዝሞታ ሓቢሩ ነይሩ።
እሞ ደኣ እንታይ እዩ’ዚ ሕማም? መንሽሮ ጡብ ዋህዮታት ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ዀይኖም ዚዓብዩሉ ሕማም እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ኸኣ ኣብቲ ጸባ ዜፍሪ ጽኪ ወይ ናብቲ ጸባ ናብ ጫፍ ጡብ ዚወስዱ ትቦታት እዩ ዚርከብ። ንርእስኽን ምእንቲ ካብዚ ሓማም ክትከላኸላ ምልክታቱን  ከምኡውን ሓደገኛ ረቛሒታትን ናይዚ ሓማም ምፍላጥ የድሊ። ዘይተለምደ ነገር እንተ ተራእዩክን ወይ እንተ ተሰሚዑክን ኸኣ ቀልጢፍክን ሕክምናዊ ክንክን ድለያ።

 ሓደገኛ ረቛሒታት መንሽሮ ጡብ ምፍላጥ።

ጠንቂ ሕማም መንሽሮ ጡብ፡  ዝወራረስ (Gene) ኣገባብ ኣነባብራን ዝኣመሰሉ ከምዝኾኑ ክሕበር ከሎ፡ ገለ ኻብ’ዚ ኸኣ እዚ ዝስዕብ ኢዩ፥

  • ልዕሊ 50 ዓመት ዕድመ
  • ጂናዊ ምዩቴሽን—BRCA1 ከምኡውን BRCA2 ጂን
  • ምውራስ ካብ ስድራ ቤት—ኣደ ሓብቲ ጓል ወይ ብዙሓት ኣዝማድ ብወገን ኣደ ወይ ኣቦ መንሽሮ ጡብ ዝነበረን ምስ ዝኸውን
  • ምጅማር ጽግያት ቕድሚ 12 ዓመት
  • ግዝፊ ጡብ

ምህላው ናይ’ዞም ምልክታት ማለት፡ መንሽሮ ጡብ ዘይተርፍ እዩ ማለት ግን ኣይኰነን። ማሕበር መንሽሮ ኣመሪካ ከም ዝገልጾ፡ ብዙሓት ናይ ሓደጋ ረቛሒታት ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ መንሽሮ ጡብ ዘይክምዕብለን ከሎ፣ ገሊኣተን ናይ ሓደጋ ረቛሒታት ዘይብለን ደቂ ኣንስትዮ ግና እቲ ሕማም ክርከበን ይኽእል እዩ።
ኮይኑ ግና ደቂ ኣንስትዮ ንኸም ኣልኮላዊ መስተ፡ ልዕሊ ሚዛን ኽብደት፡ ዋሕዲ ኣካላዊ ምንቅስቃ ከም’ውን ሽጋራ ምትካኽ ዝኣመሰለ ሓደጋታት ኪቈጻጸራኦ ይኽእላ እየን። ዶ/ር ኣሊን ራይት ዝተባህለት ኣብ ግዝኣት ፍሎሪዳ ኣብ ዝርከብ ማእከል ሕክምና መጥባሕቲ እትገብር በዓልቲ ሞያ ሕክምና “ኣብ መንጎ ምትካኽ ሽጋራን እናወሰኸ ዚኸይድ ዘሎ ሓደጋ መንሽሮ ጡብን ምትእስሳር ከም ዘሎ ዘርኢ ጽቡቕ ሓበሬታ ኣሎ” ትብል።
እታ ዶክተር ከም ዝገለጸቶ፡ ድሕሪ ንጽፈ ጽግያት ዝረአ ዓቐን ሰብነት ማለት ድሕሪ ንጽፈ ጽግያት ልዕሊ 29.9 ዓቐን ሰብነት  ምስዝኸውን ንመንሽሮ ጡብ ከጋድዶ ይኽእል እዩ። ስለምንታይ? ካብ መጠን ንላዕሊ ኽብደት ዘለወን ወይ ዓቐን ስወነት ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ መጠን ኢስትሮጅን ይውስኽ ስለዝኾና።
ዶ/ር ራይት “ስብሒ ዘለዎም ዋህዮታት፡ ማህጸንኪ – እንቋቝሖኺ ኣብ ዘይየፍርየሉ እዋን እውን ከይተረፈ ብትሑት መጠን ኢስትሮጅን ይውስኹ እዮም “ድሕሪ ምባል “ሓያሎ መንሽሮ ጡብ ብኢስትሮጅን እዩ ዚለዓዓል።” ክትብል ትውስኽ።
መንሽሮ ጡብ መን ከም ዝማዕብልን ከም ዘየማዕብልን ሰፊሕ ፍልልይ ስለ ዘሎ ነቲ ምልክታት ክትፈልጥን ንዝዀነ ይኹን ለውጥታት ንሓኪምኪ ኽትነግሪን ኣገዳሲ እዩ።

ዕሽሽ ክትብልዮ ዘይብልኪ ምልክታት ምፍላጥ

ዶ/ር ራይት “ከምዝመስለኒ ደቀ-ኣንስትዮ ክፈልጣኦ ዘለወን ልዕሊ ዅሉ ዘገድስ ነገር፡ ሓደ ሓደ ግዜ ምልክት መንሽሮ ጡብ ዘይረአ ምዃኑ ኢዩ። ኣብ ክንዳኡ ሕበጥ ይኹን ዝተወሰኑ ለውጥታት ኣብ ግዜ ምርመራ ይልለዩ ኢዮም።” ክትብል ብትወሳኺ ትገልጽ።
ገለ ደቀ-ኣንስትዮ  ከም  ካብ ሓደ ዑደት ጽግያት ንላዕሊ ዝቕጽል ሕበጥ ጡብ፡ ሕብርን ርጕድን ቈርበት ኣብ ጡብ ወይ ኣብ ዝዀነ ይኹን ክፋል ጡብ ዝርአ ቓንዛ ዝኣመሰለ ምልክታት ይረኣየን እዩ።
ነዞም ዝስዕቡ ለውጥታት እንተ ኣስተብሂልኪ ናብ ሓኪምኪ ኼድኪ ተመርመሪ።

  • ኣብ ዘይተጥብውሉ እዋን ካብ ጫፍ ጡብኪ ዝወጽእ ፈሳሲ ምስ ዝህሉ፣ እዚ ፈሳሲ ደም’ውን ክህልዎ ይኽእል እዩ
  • ቀጢን ቈርበት ወይ ቀይሕ ብፍላይ ኣብ ዙርያ ጫፍ ጡብ
  • ምቕይያር ግዝፊ ወይ ቅርጺ ሓንቲ ጡብ
  • ቈርበት ጡብ ምቕናስ (ምጡምቧቕ)
  • ምስሓብ ጫፍ ጡብ

ኣብ መንጎ ምርመራታት  ዝኾነ ለውጥታት እንተ ኣስተብሂልኪ፡ ዋላ ‘ኳ ኣብ ቀረባ እዋን ተመርምርኪ እንተኾንኪ፡ ምስ ሓኪምኪ ኻብ ምምይያጥ ድሕር ኣይትበሊ። እቲ ለውጢ ንቡር ክኸውን፣ ወይ ከኣ ምልክት ሕበጥ፡ ረኽሲ ወይ eczema (ነድሪ ቆርበት) ክኸውን ይኽእል እዩ። ሓኪምኪ ድማ እቲ ኣብ ጡብኪ ዝረአ ለውጥታት ዘሻቕል እንተ ዀይኑ ክግምግምን ክውስንን ይኽእል።
ደቂ ኣንስትዮ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመን ሓድሽ ሕበጥ ምሕባር ጥራይ ዘይኮነስ ልሙድ ሕክምናዊ ምርመራ እውን ክገብራ ኣለወን። ስሩዕ ምርመራ ጡብ (Mammogram)  ምልክታት ሕማም መንሽሮ ቕድሚ ምርኣዩ ንኽትፈልጢ ክሕግዘኪ ይኽእል እዩ ። ኣቐዲምኪ ምፍላጥኪ ድማ ዝቐለለ ሕክምናን ዝሓሸ ምርመራ ምግባርን የኽእለኪ።

ግቡእ ሕክምናዊ ምርመራ ምግባር

እተፈላለያ ትካላት መዓስ ማሞግራም ወይ ምርመራ ጡብ ክግበር ኣለዎ ኣብዝብል ዝተፈላለየ ርእይቶታት ኣለወን ።

  • ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ምክልኻል ኣገልግሎት ሓይሊ ዕማም፡ ኣብ ክሊ ዕደመ 40 ምርመራ ንምጅማር ክመክር ከሎ፡ ካብ 50 ክሳዕ 74 ዝዕድሚአን ደቂ ኣንስትዮ፡ ብገምጋም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ዓመት  መርመራ ክግበረለን ከም ዝኽእል ይተሓሳስብ። ዝለዓለ ሓደጋ ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ 40ታት ዕድሚአን ካብ ዝግበር ምርመራ ተጠቀምቲ ክኾና ከምዝኽእላ እቲ ሓይሊ ዕማም ይሕብር።
  • ማሕበር መንሽሮ ኣመሪካ፡ ደቂ ኣንስትዮ ብገምጋም ካብ 45 ዓመት ወይ 40 ዓመት ኣትሒዘን ዓመታዊ ምርመራ ክገብራ ኸም ዝኽእላ፡ ኣብ 55 ዓመት ዕድሚአን ከኣ ዓመታዊ ወይ ኣብ ክልተ ዓመት ማሞግራም ክገብራ ኸም ዝኽእላ ይመክር። ከም BRCA 1 or BRCA2 ምቅያይር ዝዛመድ ገለ ናይ ሓደጋ ሮቛሕታት ዘለወን ደቀ-ኣንስትዮ፡  MRIን ምርመራ ጡብ ማሞግራምን ካብ ዕድመ 30 ጀመረን ዓመታዊ ክገብራ ኣልወን። ብመሰረት ምኽሪ ማሕበር መንሽሮ ኣመሪካ፡  ጽቡቕ ጥዕና ዘለወን ደቀ-ኣንስትዮ፡ ምስ ዝምርመራ ብውሑዱ 10 ዓመት ዝያዳ ክነብራ ከምዝኽእላ ይሕብር።
    እተፈላለየ ምኽሪ ስለ ዝወሃብ፡ ብዛዕባ እቲ ዝበለጸ ሕክምናዊ ምርመራ ምስ ሓኪምኪ ምዝርራብ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ልዕል ኢልና ዝጠቐስናያ ዶክተር ራይት፡ ተሓከምቲ ቀዲመን ምርመራን ብምግብረን ተጠቀምቲ ከምዝኾና እያ እትኣምን። “ሓንቲ ማእከላይ ሓደጋ ዘለዋ ጓል-ኣንስተይቲ ማለት እቲ ሕማም ኣብ ስድራቤታ ዘይብላ፡ ቅድሚኡ ብዛዕባ ናይ ጡብ ሻቕሎት ወይ ብዛዕባ ባዮፕሲ ጡብ ዘይብላ ካብ ኣርብዓ ዓመት ኣትሒዛ ኣብ ዓመት ሓንሳእ ማሞግራም ክትገብር ምመኸርኩ።” ትብል።

ነዚ እተፈላለየ ርእይቶታት ኣብ ግምት ብምእታው ስለምንታይ እዩ ኣርብዓ ዚኸውን?  እታ ዶክተር ከምዝገለጸቶ፡ እዚ ዕድመ፡ ደቂ ኣንስትዮ ናብ ንጽፈ ጽግያት ክቐርባ ዝጅምራሉ ዕድመ ስለዝኾነ እዩ ።  በዚ መሰረት እታ ዶክተር፡ “መንሽሮ ጡብ ኣብተን ንጽፈ ጽግያት ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ ልሙድ ምዃኑ እውን ንፈልጥ ኢና።” ትብል።
ቀንዲ ነጥቢ፦ ብዛዕባ ሕክምናዊ ምርመራ ንቕሓት ምዕባይን፣  ናይ ግዝፊ፡ ለውጢ ሕብርን ትርኢትን ጡብኪ ንሓክምኪ ካብ ምሕባር ኣይትብኮሪ። ኣብ ቤት ጽሕፈት ሓኪም ብቕልጡፍ ገምጋም ምርካብ፡ ቅልጡፍ ሕክምና ንኽትረኽቢ ወይ ዜተሓሳስበኪ ነገራት ንምንካይ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

ምጥቅላል ዝኣክል፦ American Association for Cancer Research (AACR). ዝተባህለ ብዛዕባ ሕማም መንሽሮ መጽናዕቲ ዝገብር ትካል ኣመሪካ፡ 14.4 ሚእታዊት  ማለት 47 ሚልዮን  ኣብ ኣመሪካ ካብ ዝነብሩ ህዝቢ ስደተኛታት ኢዮም።  ኣብዞም ስደተኛታት ድማ ምርመራ መንሽሮ ትሕቲ’ቲ ብሃገር ደረጃ ዝተታሕዘ ሸቶ ከምዘሎ ይሕበር። ብመሰረት እዚ ትካል፡ ነዞም ስደተኛታት ግቡእ ምርመራ መንሽሮ ከይገብሩ ዝጸልውዎም ሮቛሕታት ገለ፡ መድሕን ናይ ጥዕና ዘይምህላው፡ ኩነታት መንበሪ ፍቃድ፡ ኣሰራርሓ ሰርዓተ-ጥዕና ኣመሪካ፡ ሕጽረት ቋንቋን ባህላዊ እምነታትን ኢዮም።  ምስ ኣብ ኣመሪካ ዝተወልዳ ብምንጽጻር፡ ስደተኛታት ደቀ-ኣንስትዮ ትሑት ምክትታል ሕማም መንሽሮ ይረኽባ።  ኣብ 2020 ዝተገብረ መጽናዕቲ ዘመላኽቶ እንተሎ ድማ፡ ካብቶን መጽናዕቲ ዝተገብረለን ስደተኛታት ደቀ-ኣንስትዮ እተን 81% ኣብ ቀረባ ዓመታት ማሞግራም ከምዘይገበራ ተረጋግጹ። ስለ’ዚ ካብዚ ሓደገኛ ሕማም ነብስኽን ንምሕላው ወይ ብኣግኡ ሕክምናዊ ክንክን ንምርካብ ምስ ሓክምክን ክትዘራረባን ምኽሪ ናይ ሓኪምክን ድማ ከተተግብራን ነተሓሳስብ።

 

Related Articles

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
912ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles