Monday, October 6, 2025

ጋዜጠኛናን ደራስን፡ ተስፋዩ ገብረኣብ ዓሪፉ

on

ጋዜጠኛን ደራስን ተስፋዩ ገብራኣብ ኣብ መበል 53 ዓመቱ ብዝሓደሮ ሕማም፡ ኣብ ኬንያ ከተማ ናይሮቢ ክሕከም ድሕሪ ምጽናሕ፡ ከምዝዓረፈ ዝተፈላለየ ምንጭታት ይገልጹ ኣለዉ። ተስፋዩ ገብረኣብ ካብ ኤርትራውያን ወለዲ ኣብ ቢሽፍቱ ኢትዮጵያ ተወሊዱ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪ 1991 ኣባል ኢሂወደግ ብሙዃን፡ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ሓበሬታ ትካላት ድሕሪ ክሰረሕ ምጽናሕ፡ ብዝነበሮ ዘይምርድዳእ፡ ንስደት ድሕሪ ምምርሑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰረተታት ዓመታታ ኣብ ኤርትራ ክቅመጥ ከምዝጸንሐ ይሕበር።

ጋዜጠኛን ደራስን ተስፋየ ገብረኣብ፡ ብርክት ዝበለ መጽሓፍቲ ናብ ሕትመት ዝብቀዖ ጻሓፊ ሙዃኑ ይግለጽ። የቡርቃ ዝምታ፡ የጋዜጠኛው መስታወሻ ዝብላ ፍሉጣት መጽሓፍቲ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ኩነታት ዝተጻሓፋ ክኾና ከለዋ፡ ኣብ ኤርትራ ከሎ ካኣ፡ “ማህደር ኑር ነቢ፡ የትራቨሎ ዋሻ፡ ካልእን ናብ ሕትመት ዝበቅዓ መጽሓፍቱ እየን። ብ ፍላይ “ማህደር ኑር ነቢ”፡ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ካብ ዝተጻሕፋ መጻሕፍቲ፡ ካብተን ኣዝየን ህቡባት ዝኾና መጻሓፍቲ ሓንቲ ከምዝኾነትን፡ ብ ኣምሓረኛ ተጻሒፋ፡ ናብ ቋንቋታት ትግሪኛ፡ ትግረን ኢንግሊዝን ዝተተርጎመት ምዃና ይፍለጥ።

ተስፋየ ገብረኣብ ኣብ ኤርትራ ከሎ ን ስርዓት ህግደፍ ብምድጋፍን ኣብ ብዙሕ እዋንት ኣብ ዝተፈላለየ ሰሚናራት ብዝህቦ ዝነበረ ርእይቶታት፡ ኣብ ደገ ብዝቕመጡ ኤርትራውያን ይንቀፍ ከምዝነበረ ዝዝከር ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓልፈ ቅሩብ መዓልታት፡ ብ ናይ ውልቁ ማሕበራዊ ሜዲያ (ፋይስቡክ) ብስእሊ ዝተሰነየ ኣብ ሕክምና ከሎ ዘርኢ፡ ኣብ ዓዱ ክቅበር ከምዝድሊ ዝምሕጸንን፡ ነዚ ክኸውን ሓግዝ ክምዝሓተትን፡ ካብ መንግስቲ ኤርትራ ዋላ ሓንቲ ምላሽ ከምዘይረኸበን ዝሕብር ሓበሬታ ዘርጊሑ ከምዝነበረ ይግለጽ። እንተ ኾነ ግን ድሕሪ ውሕዳት ሰዓታት፡ ነቲ ሓበሬታ ብ ምምድሳስ፡ መእተዊ ቁልፊ ናይ ውልቁ ማሕበራዊ ሜድያ ፋይስቡክ ከምዝተሰርቆን ብስሙ ኣምሲሎም ከምዝጻሓፍዎ ገሊጹ ከምዝነበረ ይሕብር።

Yonas Gebremariam
Yonas Gebremariamhttp://setit.org
ዮናስ ገብረማሪያም ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝነብር ኤርትርያዊ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ኮይኑ፡ ኣባል ኣካያዲ ቦርድ ሰቲትን ኣባል ሓባራዊ ቦርድ ሰቲትን እዩ ። ዮናስ ኣብ ክፍሊ ዜና ሰቲት እውን ኣበርክቶ ይገብር እዩ ።

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

five × 2 =

319FollowersFollow
1,034FollowersFollow
27,700SubscribersSubscribe

From the Author

ሱዳን፡ ኢትዮጵያ ዘካየደቶ ሓድሽ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ኮኒና

ምኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሱዳን፡ ሎሚ ሰንበት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝገብሮ ሓድሽ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ሕጋዊ ግዝኣታዊ መሬተይ፡ ቀጥታዊ ጥሕሰት ልእላውነታ'ውን መሬታ'ውን...